ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፡ ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ በዓል የሀልው ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፡ ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ በዓል የሀልው 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፡ ኣብ ልቢ ዝበጽሕ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ በዓል የሀልው

ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕ እንከሎና ኣብ ልብና እንታይ እዩ ዝኽሰት? ንቃል ኣምላኽ ኣቃልቦ እገብር ዶ? ልበይ ክትንክፍ እፈቅድ ዶ ወይ ከኣ ካልእ እናሓሰብኩ ላዕሊ ላዕሊ እየ ዝጥምት? ብሓደ እዝነይ ኣእትየ በቲ ሓደ ድማ የውጽኦ፡ ኣብ ልበይ ከይበጽሔ ይተርፍ ዶ?

ምስ ቃል ኣምላኽ ምራኻብ ብሓሴት ይመልኣናን፡ እዚ ኸኣ ሓይልና ይኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ብዘይ ቃል ኣምላኽ በዓለ ሰንበት እንታይነቱ ንምስትውዓል ዘይከኣል ይኸውን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ፍሱሕ ዝገብረካ ቃል ኣምላኽ ንኽትራኸብ ልብኻ ምኽፋት፡ ቃል ኣምላኽ ብሓደ እዝንኻ ኣትዩ በቲ ሓደ ከይወጽእ መታን ብዓቢይ ኣቃልቦ ምስማዕ የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ

ካብ መጽሓፈ ነሕምያ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 1-4, 5-6, 7-12

ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 10 ካብ ፍቕዲ 1-12

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ክኸውን እንከሎ፡ መጽሓፈ ነሕምያ ምስ ቃል ኣምላኽ ናይ ዝተራኸበ ሕዝበ እግዚኣብሔር ታሪኽ የዘንትወልና፡ እዚ ታሪኽ እዚ ታሪኽ ዳግማይ ሕንጸትን ምምላስን እዩ።

ሕዝቢ ጥምየትን ጽምእን ቃል ኣምላኽ ነበሮ

ዳግማይ ሕንጸት ቤተ መቕደስን ካብ ስደት ምምላስን ይትርኽ፡ መላእ ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ተኣኪቡ ነበረ፡ እዝራ ኣብ ዝበረኸ ስፍራ ኰይኑ ንመጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ምስ ከፈተ ሕዝቢ ደው በለ፡ ነቲ ቃል ኣምላኽ ይገልጸሎም ድማ ነበረ፡ ንሕና ግና ቃል ኣምላክ ከም ልምዲ ዝወሰድናዮ ኢና እንመስል፡ እቲ ህዝቢ ግና ቃል ኣምላኽ ጸሚእዎ ስለ ዝነበረ ነቲ መጽሓፍ ምስ ረኣየ ካብ ዝተቐመጠሉ ደው በለ፡ … እዚ ክፍጸም ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዩ።

ነህምያ ኣመሓዳሪ እዩ ዝነበረ፡ እዝራ ካህን፡ እታ ዝተባርከት ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ ንኣና ዕለተ ሰንበት ምዃኑ እዩ፡ ዕለተ ሰንበት ሕዝበ እግዚኣብሔር ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸበላ መዓልቲ እያ፡ ስድራ ቤተይ ምስ እግዚኣብሔር እትራኸበሉ ዕለት፡ እዛ ዕለት እዚኣ ንእግዚኣብሔር ዝተባርከትን ዝተወከፈትን መዓልቲ እያ።

ብዘይ ቃል ኣምላኽ ናይ ዕለተ ሰንበት በዓል ክትርድኦ ዝከኣል ኣይኰነን

ነሕምያን እዝራን ካህናትን ሕዝቢ ከይሓዝንን ከይነብዕን ይምዕዱ፡ እቲ ሕዝቢ ቃል ኣምልኽ ክሰምዕ እንከሎ ይበክይ ነበረ፡ ብስምዒትን ሓሴትን ተደሪኹ ይበክይ ነበረ፥

ቃል ኣምላኽ ክንሰምዕ እንከሎና ኣብ ልብና እንታይ እዩ ዝኽሰት? ንቃል ኣምላኽ ኣቃልቦ እገብር ዶ? ልበይ ክትንክፍ እፈቅድ ዶ ወይ ከኣ ካልእ እናሓሰብኩ ላዕሊ ላዕሊ እየ ዝጥምት? ብሓደ እዝነይ ኣእትየ በቲ ሓደ ድማ የውጽኦ፡ ኣብ ልበይ ከይበጽሔ ይተርፍ ዶ? ቃል ኣምላኽ ኣብ ልበይ ንኽበጽሕ እንታይ እየ ዝገብር? ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቢ ክበጽሕ እንከሎ ብሓሴት የንብዓካን፡ በዓል እውን ይኸውን፡ በዓለ ሰንበት ብዘይ ቃል ኣምላኽ ንኽትርድኦ ክኡል ኣይኰነን፡ ነሕምያ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣስመዖም ኪዱ በዓል ግበሩ ይብሎም፡ ኣብዚ ናይ በዓል ትርጉሙ እዩ ዝገልጸሎም፡ ኪዱ በዓል ድማ ግበሩ …. ብልዑን ስተዩን፡ ነቶም ዝብላዕን ዝስተን ዘይብሎም እውን እጃሞም ኣብጽሑሎም፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጐይታ እያ፡ ንኣኡ ዝተወከፈት እያ፡ ኣይትሕዘኑ፡ ናይ ጐይታ ሓሴት ሓይልኹም እዩ፡

ሓይልና ኣብ ሓዘን ኣይኰነን እሞ ልብና ንሓሴት ነርህው

ኣሕዋተይ ሓይልና ኣብ ሓዘን ኣይኰነን፥

ቃል ኣምላኽ ሕጉሳት ይገብረና፡ ምስ ቃል ኣምላኽ ምርኻብ ብሓሴት ይመልኣና፡ እዚ ሓሴት እዚ እዩ ሓይልና፡ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዝተቐበሉ ብምዃኖም ፍሱሓን እያቶም፡ ስለምታይ ወትሩ ምስ ቃል ኣምላኽ ስለ ዝራኸቡን ቃል ኣምላኽ ስለ ዝደልዩን፡ እዚ እዩ እቲ ናይ ሎሚ መልእኽቲ ንኣና፡ ናይ ሕልና መርመራ ንግበር፡ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ እየ ዝሰምዖ? ይሰምዖ ዶ ወይ ከኣ ጸማም እየ ዝዀኖ? ንጐይታ ኣብ ቃሉ ብኸምይ እየ ዝራኸቦ? ናይ ጐይታ ሃሴት ሓይለይ ምዃኑ ርግጸይና ድየ? ሓይልና ኣብ ጓሂ ኣይኰነን ኣሕዋተይ።

ናይ ጐይታ ሓሴት ሓይልና እዩ፡ ሕዙናት ልቢ ዲያብሎስ ንታሕቲ እዩ ዝድርብዮም፡ የውድቖምን እውን፡ ኣብ መዝሙረ ዳዊት፥ ኣይሁዳውያን ካብ ባቢሎን ናጻ ምስ ወጹ፡ ምእማን ክሳብ ዝሰኣኖም ዳርጋ ሕልሚ ከይኑ ይስምዖም ነበረ ዝብል ቃል ነንብብ፡ ልክዕ ክምቲ ናይቲ ሕዝቢ ተመክሮ ኣንሕና እውን ምስ ቃል ኣምላኽ ክንራኸብ እንከሎና ከምኡ እዩ ክስምዓና ዘለዎ፡ ንሱ እዩ ተመክሮና ክኸውን ዘለዎ፡ ሕልሚ ድዩ ወይስ ጋህዲ፡ … ጐይታ ኣብ ቃሉ ንኽንራኸቦ ልባትና ንኸርህወልና ንለምኖ፡ ሓሴት ንኸየፍርሓና፡ ናይቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ምርኻብ ዘሕድረልና ሓሴት ንምብዓል መታን ከይንፈርሕ ምስ ቃሉ ንኽንራኸብ ልባትና ንኽንከፍት ጸጋኡ ይዓድለና እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

 

03 October 2019, 18:06