ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ብወግዒ ኣበጊሶም

ስለዚህ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓዊ ህያው ንምግባር እምበር ነገራት ኣብ ከምዘለውዎ ንምሕዳግ ኣይኰነን፡ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ሕዳሴ እሙናት ንምዃን መታን ክንበቅዕ ንጸልይ፡ ነገራት ኵሉ ሓድሽ ዝገብር መስተውዓሊ ትብዓት ንኽጽግወና ነታ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘላ ቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓዊ ንኸይተጥፍእ መታን

ብዙሓት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ከቢድ መስቀል ተሰኪሞም ዝጓዓዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብወግዒ ንኸበሱ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣብ ከባቢ ኣማዞን ሕይወቶም ምስ ዝሰውኡ ናይቲ ዝተቐበልዎ ናይ ፍቕሪ ሓዊ ህያው ንምግባር ሓቢሮም ንኽጓዓዙ ምዒዶም፡ እቲ ብልቃዊ ረብሓ ተደሪዅ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝተባርዔ ዘባድም ሰደድ ሓዊ ናይ ወንጌል ኣይኰነ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተቐበለዎ ጸጋ፡ ምእንቲ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ዝነድድ ፍቕሪ ክኸውን መታን ነቲ ዝተቐበልዎ ተልእዀ እሙናት ንኽዀኑ ከምእተጸውዑ ቅዱነቶም ሓቢሮም፡ ሕዝብን ባህልን ዘባድም ሓዊ ንምዃን ዘይኰነስ ዘሟሙቕን ንልልያ ብቑዕ ዝገብር ሓዊ ምዃን ማለት እዩ። ብምስትውዓል እምበር ብዘይፍርሒ፡ እዚ ክርስቲያናዊ ግብረ ጽድቂ ብዙሓት ከምዝሓስብዎ ንኸይትጋገ ቢልካ ኣብ ውሻጠ ዓጺኻዮ ንኽትነብሮ ዘይኰነስ ንኸተመሓድሮ ዝተወሃበ እዩ።

ንሓድሽ ወንጌላዊ ተልእዀ ድርዀት እምበር ስክፍታ ንህልው ኩነታት ኣይኰነ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ስብከት ኣብ ናይ ጳጳሳት ናይ ተልእዀ ትርጉም ዘተኰረ ክኸውን እንከሎ፡ ጵጵስና ጸጋ ንኽትገከው እትቕበሎ ጸጋ እዩ፡ ናብ ጐይታን ኣሕዋትን ዝቐረቡ መታን ክዀኑ ብኣንቦሮተ ኢድ ዝተቐበልዎን እዩ፡ ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርብ ምእንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝድርኽ እምበር ብዘልማድ ዘይንበር ሓዊ ንኽጠፍእ ዘይፈቕዱን ንህልው ኵነታት ንምልዋጥ ስግኣት ኵሉ ዝቕበሉን ዝብድሁን እያቶም፡ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንዝተቀበሉ መእለይት ኣብ ምዃን ጥራሕ እትሕጸር ዘይከነስ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝበለዎ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝተደረኸት እያ። ኢየሱስ ናይ ምሸት ህዱእ ንፋስ ንኸምጽእ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ ሓዊ ንኸምጽእ እዩ ዝተላእከ፡

ስለዚህ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓዊ ህያው ንምግባር እምበር ነገራት ኣብ ከምዘለውዎ ንምሕዳግ ኣይኰነን፡ ንናይ መንፈስ ቅዱስ ሕዳሴ እሙናት ንምዃን መታን ክንበቅዕ ንጸልይ፡ ነገራት ኵሉ ሓድሽ ዝገብር መስተውዓሊ ትብዓት ንኽጽግወና ነታ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘላ ቤተ ክርስቲያን እቲ ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓዊ ንኸይተጥፍእ መታን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ከይድታት ንኽሕድስ ነቲ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ሲኖዶ ኣስተንፎ  መንፈስ ቅዱስ ንኽኸውን ንለምኖ፡

እግዚኣብሔር ካብ ስስዔ ናይ ሓደስቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ይዓቀብና

ሓዊ እግዚኣብሔር ካብቲ ናይ ዓለም ሓዊ ዘድሕን ልክዕ ከምቲ ቁጥቋጥ ሃልሃልታ ሓዊ የቃጽል እምበር ኣየሀልኽን፥

ብዘይ ፍቅርን ምኽባርን ሕዝብታትን ባህልታትን ምስጓድ ናይ ዓለም ሓዊ ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ሓዊ ኣይኰነን፡ ክንደይ ሳዕ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ካብ ምውፋይ ብጸቕጢ ክቐርብ ይረአይ፡ ክንደይ እዋን ኣክንዲ ኣስፍሆተ ወንጌል ባዕዳዊ መግዛእቲ ክፍጸም ይረአይ፡ ካብ ውልቃዊ ረብሓ ብዝነቐለ ሓዊ ክንደይ ነገራት ክባድም ተራእዩ ይኸውን፡ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝወረደ ሰደድ ባርዕ ሓዊ፡ እዚ ናይ ወንጌል ሓዊ ኣይኰነን፡

ብዙሓነት ናብ ኣሃዳውነት ዘቃጽል ኣህላኺ ባርዕ ሓዊ

ናይ እግዚኣብሔር ሓዊ ናብ ውህደት ዘተኣኻኽብ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝባራዕ ቃልቃልታ ዝብል ሓዊ ግና ሓሳብካን ድላይካን ንዅሉ ክጥቕልልን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጉጅለ ንምቛም ምስ እትደልይን ብዙሓነት ኵሉ ናብ ኣሃዳውነአት ዘብል እዩ፡ …ውህበት ኣምላኽ ምሕዳስ የድሊ፡  ኣክንዲ ጓሳ ምዃን ገዛእ ርእስኻ ከም ሰራሕተይና ምስ እትምልከትን፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ምግልጋልን ቤተ ክርስቲያን ንናይ ውልቅኻ ረብሓ ንምጥቃምን እዩ ዝድርኽ፡ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘይጠቅም ጊልያ ትሑት ኣገልጋሊ ክንከውን የተሓሳስበና፡ ንናይ ገዛእ ርእስኻ እቶት ዘይኰነ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ኣብ ምግልጋል ዘሎ ሓሴት ንምንባር።

ወንጌል ምብሳር፥ ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ምፍቃር ማለት እዩ

ብስራተ ወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ቀንዲ መምዘኒ እዩ፡

ወንጌል ምብሳር ማለት መስዋዕትነት ምንባር ማለት እዩ፡ ብምልኣት ምምስካር፡ ንዅሉ ምግልጋል፡ ምእንቲ ዅሉ ኵሉ ምዃን፡ ክሳብ ሰማዕትነት ምፍቃር ማለት እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ሰማዕታት ኣለዉ፡ ናይ ሰማዕትነት መስቀል ዝጠዓሙ። ደቀ መዝሙር ወትሩ ኣብ ትሑት ፍቕሪ ብምዃን ሕይወቱ ንምድሓን ዘይኵነስ ምእንቲ ፍቕሪ ንኸወፍያ ብናይ ዓለም ሓይሊ ዘይኰነ በቲ እንኰ ዝዀነ ሓይሊ እግዚኣብሔር ተደሪኹ ወንጌል ንምግልጋል ዝተጸውዔ እዩ።

ምስቲ ምእንቲ ኣማዞን ሕይወቱ ዘወፈየ ሓቢርና ንጓዓዝ

ነቲ ኣብ መስቀል ብሰፍይ ዝተወግአ ልቢ ኢየሱስ ብምጥማት ኵላትና ሕይወትና ንኸነወፍይ ዝተጸዋዕና ምኻንና ክስምዓና ኣልዎ፥

ኣብ ኣማዞን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከቢድ መስቀል ዝተሰከሙ፡ ምጽንናዕን ናይቲ ናጻ ዘውጽእ ወንጌልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባዲ ፍቕርን ይጽበዩ ኣለዉ፡ ብዙሓት ኣሕዋትና ኣሓትናን ኣብ ኣማዞን ሕይወቶም መስዋዕቲ ዝገበሩ እያቶም፡ ፍቝር ሓው ካርዲናል ሁመስ፡ ኣብ ኣማዞን ክትከይድ እንከለኻ ናብታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ንእሽተይ ከተማ ዝዀነት ናይ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ናይ መቓብር ስፍራ ኪድ፡ እዚ ስለ እቶም ኣብ ኣማዞን ሕይወቶም ዝሰውኡ ቤተ ክርስቲያን እትፍጽም ኣመት እዩ፡ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ከቃልሕ ፍቐዱለይ፡ ነቶም ብፅዕና ዝግብኦም ሰማዕታት ንኸይርስዑ ሓደራ ዝብል ለበዋ እውን እዩ፡ ንኣኣቶምን ሎሚ ስለ እቶም ኣብቲ ከባቢ ሕይወቶም ንዘወፍዩ ስለ እቶም ደሞም ዘፍሰሱን ምስኣቶም ሓቢርና ንጓዓዝ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ብወግዒ ኣበጊሶም
07 October 2019, 13:49