ር.ሊ.ጳ.፥ እምነት ንሓድ ሕድካ ኣብ ምግልጋል ዘሎ ሓሴት እዩ

ዘይጠቕም ጊልያ ዝብል ቃል ንቤተ ክርስቲያን ዘጥዕን ኣብኣ ንምዕያይ ክንበር ዘለዎ እቲ ኢየሱስ (ኣብ ወንጌል ዮሓ. 13. ካብ ፍቕዲ 3-17) እግረ ኣርድእቱ ክሓጽብ ዝሃቦ ናይ ትሕትናን ስንድውናን ኣገባብ ማለት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም፡ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 17 ካብ ፍቕዲ 5-10 ዝተወስደ ብዛዕባ እሙን ኣገልጋሊ ዝትርኽ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ እምነት ካሕሳ ወይ ክፍሊትን ተፈላጥነት ዘይብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እምነት ንዘለዎ ዘይከኣል ሓደ’ኳ የልቦን እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ዝለዋወጥ ናይ ሕይወት ጭቡጥ ኵነት ተስፋ ንኸነማዕድው ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ ብዛዕባ እምነት ዝዛረብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም፡ ብዛዕባ ፍረ ኣድርን እሙን ኣገልጋልን ዝብል ሓሳብ እናሓሰቡ፡

ኢየሱስ እምነት ንእሽቶ እውን ትኹን ሳግላ ካብ ሱሩ ተመንቍይሱ ኣብ ባሕሪ ከትከል ዝገብር ሓይሊ ኣለዎ፡ እምነት ንዘለዎ ዘይከኣል ሓኳ የልቦን፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሲ ዘይኰነ ኣብቲ ኵሉ ዝክኽእል ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ ኣሜን ዝብል እዩ።

ዘይዕበይ እምነት

ዘይዕበይን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይተኣማመን እምነት፡ በቲ ዓቢይ ትሕትናኡ ኣቢሉ ድላይ እግዚኣብሔር ክስምዓካ ዝግበር እዩ። ብምሉእ እምንቶ ኣብ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ንኽትሓድግ ዘብቅዕ እዩ።

እምነት ነቲ ዝቀያየር ጭቡጥ ኵነት ሕይወት ብተስፋ ንኽንጥምቶ ዘኽእል ብቕዓት ዝጽግው እዩ፡ ክፍኣትን ስዕረትን ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይኵነ ዘረጋግጽ ምስትዓል ኣባና ዘንብር ስዕረትን ስቓይን እንተዀነ ንቕንቅበል ዝሕግዝ እዩ።

ኣገልግሎት

እምነትና ገርሀይናን ንጹሕን ጽኑዕን ምዃኑ ከመይ ገይርና ኢና ንኽንርዳእ እንኽእል? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ እምነት መምዘኒ ኣገልግሎት ምዃኑ ዝሕብር ናይ ሎሚ ወንጌል ጠቒሶም፡ እምነት ነገልግሎት ስንድው ዝገብር እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

ኢየሱስ እምነት ዘለዎ ሰብ ብዘይ ናይ ገዛእ ርእሳዊ ቀመራት ወይ ትጽቢታትን ምሉእ ብምሉእ ንእግዚኣብሔር ፍቓድ ገዛእ ርእሱ ስንድው ይገብር፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ኣብ ማሕበረሰብ፡ ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ዘሎ ሓሴት መግለጺ እዩ፡ ጻማኡ ድማ ኣብኡ እምበር ተፈላጥነት ወይ ውን ኣብቲ ካብኡ ክርከብ ኣብ ዝኽእል መኽሰብ ኣይኰነን፡  ኢየሱስ እምበር ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌላዊ ምንባብ፡ ኵሉ ምስ ገበርኵም ንሕና ዘይንጠቅም ጊላዎት ኢና፡ እቲ ክንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና በሉ፡ እንክብል ከምዘስተምህረና እዩ።

ኣገባባት ቤተ ክርስቲያን

ኣብነት ናይ ዘይጠቕም ጊልያ፡ ክምስገን ዘይብል ወይ ውን ብዘይ ሕነ ምፍዳይ፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሕደስ ዘለዎ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ዘይጠቕም ጊልያ ዝብል ቃል ንቤተ ክርስቲያን ዘጥዕን ኣብኣ ንምዕያይ ክንበር ዘለዎ እቲ ኢየሱስ (ኣብ ወንጌል ዮሓ. 13. ካብ ፍቕዲ 3-17) እግረ ኣርድእቱ ክሓጽብ ዝሃቦ ናይ ትሕትናን ስንድውናን ኣገባብ ማለት እዩ።

ዝበሉ ቅዱስነቶም ናብቲ መገዲ ትሕትናን ስንድውናን ንምባል ሓገዝ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክምሕጸኑ፥

ኣብ ዋዜማ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛሪየም፡ ኣብ ፖምፐይ ቅድስተ ማርያም ቅዱስ ስፍራ ምእመናን ኣብ ዘካይዶ ናይ ምህለላ ሱታፌ ምሓቢርና ናብ ቅድስተ ማርያም ንምሕጸን

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ እምነት ንሓድ ሕድካ ኣብ ምግልጋል ዘሎ ሓሴት እዩ
07 October 2019, 15:45