ወንጌል ምስባኽ ማለት ልብታትና ምስ እግዚአብሔር ንክራኸቡ መንገዲ ምጽራግ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቃል-ኣምላኽ፥ ‘ሽዑ ጴጥሮስ ኪናገር ጀመረ፡ - ከምዚ ኸአ በለ፣ “ኣብ ኪለው ሕዝቢ እቲ ፈራህ እግዚአብሔርን ገባር ጽድቅን ዝኾነ ኣብ ቅድሚኡ ቅቡል ደኣምበር እግዚአብሔር ኣድልዎ ኸም ዘይብሉ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ። ብኢየሱስ ክርስቶስ - ንናይ ሰላም ብሥራት እናሰበኸ - ንቓሉ ናብ ደቂ እስራኤል ከምዝለኣኸ፥ ድሕሪ እታ ብዮሓንስ ዝተሰብከት ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳብ መኣልእ ይሁዳ ዝኽነ ነገራት ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም’ (ግሐ 10.34)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

እቲ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ዘዘትዎ ጒዕዞ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዓለም በቲ ብዘደንቅ ሃንደበታዊ ተኣምራታት ዝግለጽ ልዑል ብልሓት እግዚአብሔር ይስነ ነበረ። እግዚአብሔር ደቁ ክንዮ ዝኾነ ፍልልይ ዓሌት ሰጊሮም ንኩለንታውነት ድሕነት ክፉታት ክኾኑ እዩ ድላዩ። ዕላምኡኸስ እዚ እዩ! ንዝኾነ ፍልልያት ስዒርካ ንድሕነት ናይ ኩሎም ክፉት ምዃን እዩ። ከመይ እግዚአብሔር ኩሎም ክድሕኑ እዩ ድላዩ። ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግም ዝተወልዱ ማለት ዝተጠምቑ ኩሎም ካብ ገዛእ ርእሶም ክ ወጹን ንካልኦት ክፉታት ኰይኖም ብብጻይነት ክነብሩን የድሊ። ከመይ ሓቢርካ ምንባር ንኩሉ ርክባት ናብ ሕውነት ዝቅይር ኣምር እዩ።

ናይዚ ናይ ሕውነት ጒዕዞ ምስክርከስ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ክተኽሎ ዝወሰኖ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ብሓባር ኣብ ግብረ ሓዋርያት ቀንዲ ተዋሳኢ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሕይወቱ ወሳኒ ነጥበ መቀይሮ ብዝሓደገ ተመኲሮ ይነብር። ክድቅስ እንከሎ መልእልተ ባህርያዊ ዝመስል ራእይ ይግለጾ። ንሓሳባቱ ክቅይር ከኣ ይፈታተኖ። ካብ ሰማይ ዝወርድ ዓቢ ጣውላ መኣዲ ይርኢ ኣብኡ ከኣ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ኣርባዕተ ዝመሓውሮም ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ይርኢ። ተንስእ ሓሪድካ ብላዕ ዝብል ድምጺ እውን ይሰምዕ። ንሱ ከም ንፉዕ ዕብራዊ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን ምዕራፍ 11 ተጠቂሱ ንዘሎ ብምዝካ ኦ ጐይታይ ርኹስን ዘይነጽሐን በሊዐ ኣይፈልጥን እም እዚስ ኣይከውንን ይብሎ። እቲ ድምጺ ነጐዳጓድ ብዝጥዕም ናህሪ ‘ነቲ እግዚአብሔር ዝቐደሶ ንስኻ ኣይተራኽሶ’ (ግሐ 10.15) ይብሎ።

በዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብከስ ጐይታ ንጴጥሮስ ንፍጻሜታትን ንሰባትን ከም ንጹሕን ዘይንጹሕን ገሩ ከይፈላሊ ይገንሖ። እንታይ ደኣ ክንዮ እዚ ብምስጋር ነቲ ሰብ ከም ሰብን ከም ሓሳብ ልቡን ክመዝኖ ከምዘለዎ ይሕብሮ። ከምቲ ኣብ ወንጌለ ማርቆስ 7,21 ዝብሎ ከኣ ንሰብ ዘርክሶስ እቲ ብደገ ዚኣቱ ዘይኮነስ እቲ ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ ዝወጽእ እዩ እንክብል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹር ይነግረና።

ድሕሪ እቲ ራእይ እቲ እግዚኣአብሔር ንቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ገዛ ሓደ ጓና ዘይግዙር ቀርነሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ይልእኮ። እዚ ሰብ እዚ ‘ኢጣልያዊ ሓለቃ ሚእቲ ኰይኑ ጻድቅን ንእግዚአብሔር ዝፈሕን ንሕዝቢ ዝምጽውትን ወትሩ ንእግዚአብሔር ዚጽልን ሰብ ነበረ` (ግሐ 10,1-2) እቲ ቀንዲ ጸገም ግን እዚ ሰብ እዚ ዕብራዊ ኣይነበረን።

ኣብቲ ገዛ ኣረማውያን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሰኤን ክርስቶስ ሰቢኹም ብኣኡ ዚኣምን ዘበለ ኩሉ ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ከምዝረክብ ይገልጽ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ እናሰበኸ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ቀርኔሌዎስን መላእ ሥድራቤቱን ይዓስል። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ንኩሎም ብስም ኢየሱስ የጠምቆም። (ግሐ 10.48)

እዚ ዘይተለምደ ፍሉይ ፍጻሜ እዚ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ዝፍጸም ዘሎ ስለዝኾነ ከኣ እዚ ጉዳይ እዚ ብኡ ንብኡ በቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኣሕዋት ይስማዕ እሞ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰፍ ዘይብል ነቀፈታ የዝንብሉ (ግሐ 11.1-3)። ቅዱስ ጴጥሮስ ክንዮ ልማድን ሕግን ዝኸይድ እሞ ኸኣ ተጻዩ ዝኾነ ነገር እዩ ፈጺሙ በዚ ከኣ ነቂፎሞ። ኰይኑ ካብታ ምስ ቀርነሌዎስ ዝተራኸበላ ሁመት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ገዛእ ርእሱ ሓራ ወጺኡ ብዝበለጸ ከኣ ምስ እግዚአብሔርን ምስ ካልኦትን ክ ወሃሃድ ጀሚሩ፡ ከመይ ፍቃድ እግዚኣአብሔር ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። በዚኸስ ሕርየት ሕዝበ እስራኤል ግንዖ ናይ ሠናይ ተግባሮም ዘይኮነስ ምልክት ነጻ ጻውዒት ኣምላኽ ምዃኑን እዚ ከኣ ኣብ መንጎ መለኮታዊ በረኸትን ኣሕዛብን መንጎኛታት ንክኾኑ ከምዝመረጾም ተረድኦ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋት! ካብ ሓለቃ ሓዋርያት እንመሃሮ ነገርከስ ሓደ ሰባኺ ወንጌል ነታ ‘ንኩሎም ደቂሰባት ክተድሕን እትደሊ’ (1ጢሞ 2,4) ተግባር ድሕነት ዝኾነት ሥራሕ እግዚአብሔር ዕንቅፋት ክኸውን ከምዘይብሉ እንታይ ደኣ ልብታት ምስ ጐይታ ንክራኸቡ ከመሻሽእ ኣለዎ። እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል እሞ፡ ምስቶም ክርስትያን ዘይኮኑ ኣሕዋትና ብከመይ ንዋሳእ! ምስ እግዚአብሔር ንከይራኸቡ ዕንፋትዶ ንኾኖም!  ምስ እግዚአብሔር ንዝገብርዎ ርክብ ንዕንቅጸሎምዶ ወይስ ንድግፎም! ኢልና ነስተንትን።

ሎሚ እምበርኣርከስ በቲ ዘደንቅ ተግባራት እግዚአብሄር ልብና ንክትንከፍ ጸጋኡ ክህብና ነቲ ዘሐድስ ተግባራቱ ከይንዕንቅጽ እንታይ ደኣ እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስትስ ኣብ ዓለም መንፈስ ብምፍሳስ እግዚአብሔር ‘ጐይታ ኩሎም’ (ግሐ 10.36) ምዃኑ ብምግላጽ ልባቶም ናባኡ ንዝስሕብ መንገድታት ንክነለልን ክንደንፍዕን ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። እግዚኣአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

16 October 2019, 19:03