መንፈስ ቅዱስ ኣሲሩና ንዘሎ ሰንሰለታት ይበጣጥስ! ር.ሊ.ጳ
ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ንክርስቶስ ምቅባል ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሓጐስ ከምዝፈጥር ነዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ንልብታትና ጋህ ኣቢሉ ብምኽፋትን እምነትና ብምጽናዕን ንሰንሰለት ጸላኢ በጣጢሱ ብምድርባይን ይገብሮ ዝበሉ ቅዱነቶም፡ ንክርስቶስ ዝቅበል ዘቦኡ ኩሉን ናይ ድሮ ናይ ክርስቶስ ዝኾኑን ቅድሚኡ ጥዒሞሞ ዘይፈልጡ ዓቡ ሓጐስ ይረኽቡ። ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ተልእኮ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ከኣ ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ይገብሮ።
ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ዝመረጽዎ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጳውሎስን ሲላስን ናብ መቄዶንያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ስብከተ ወንጌል ይምልከት። ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገሮም ከምዝነበሩ እንክዝከር ሎሚ እውን ነቲ ጒዕዞ ዘኪሮም ‘ብምውቅ ሰላምታን ፍቅርን ምቅባሎምስ ይኹን እቲ ከም ቀንዲ ናይ ኤውሮጳ ወንጌል ምስ ባህሊ ሓዊስካ ከም መባዅዕቲ ዝተሰርሓላ ኣፍደጌ ምዃናን ኣብ ኤውሮጳ ከኣ እዚ በዛ ሃገር እዚኣ ዝመጸ ብወንጌል ዝተኸለሰ ባህሊ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣሎ’ ኢሎም።
መንፈስ ቅዱስ ክንክተሎ ዝግበኣና ጐዳና ይሕብረና!
ቅዱስነቶም ነቲ ጳውሎስ ዝተመልከቶ ራእይ መበገሲ ብምግባር ኣብ ስብከተ ወንጌል ክትከዶ ንዝግበኣካ ጐዳና ዝሕበር መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ድሕሪ ኣመልኪቶም ነዚ ከኣ ነቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኣብ ሠለስተ ነጥብታት ብምጥርናፍ ይቅርብዎ። መጀመርያ ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ምስ ኣተወ ስብከተ ወንጌል ይጅምር ሊድያ ንእትበሃል ሠራሕተኛ ንግድን ስድራኣን የጠምቅ፡ ብካልኣይ ደረጃ ሓንቲ ባርያ ብጸሎት ካብ ኣጋንንቲ ሓራ ምስ ገበረ ከኣ በቶም ጐይቶታ ተኸሲሱ ምስ ሲላስ ብሓንሳብ ይእሰሩ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ናይቲ ኣሲሩ ዝሕልዎ ዝነበረ ምቅባል ክርስቶስን ጥምቀቱን ስድራ ቤቱን ኢሎም መቃቂሎም።
ገርሀይና ክፉት ልቢ ሊድያ!
ኣብ ግብረ ሐዋርያት ብሰፊሑ ተተንቲኑ ከምዘሎ `ንእግዚአብሔር እተኽብር ሰበይቲ . . ናብቲ ብጳውሎስ ዚንገር ዝነበረ ንኸተድህብ እግዚአብሔር ልባ ከፈተላ። ምስ ስድራቤታ ተጠምቀት’ ይብል። መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ከምዝልውጥ ብግህዶ ንግንዘብ።
ካብ ምጽንናዕ ናብ ጽምዋን ጓህን!
ነታ መንፈስ ጥንቆላ ዝሓደራ ኣገልጋሊት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ሕማቅ መንፈስ ምስ ገላገልዋ እቶም ጐቶታ ብዙሕ እቶት ናይ ጥንቆላ ተምጽኣሎም ስለዝነበረት ከሲሶም ንጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጐኑ ገበርዎም። እነሆ እምበኣር ካብ ብስብከተወንጌልን ተኣምራታትን ዝነበረ ሓጐስን ምጽንናዕን ናይ ቤት ማእሰርቲ ጽምዋን ጓህን ይጥዕሙ።
ብርሃን ክርስቶስ ወትሩ ምስ ኣንጸባረቀ እዩ!
ጳውሎስን ስላስን ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ተዳጐኑ ዕሚም ኣይበሉ ሓሲሙና ኢሎም ኣየጒረምረሙ ብቀጥታ ናብ ጸሎት ተጸሚዶም። ጸሎት ምስጋና ሓራ ከምዘውጽእ ከኣ ብግህዶ ነቲ መሬት የንቀጥቅጦ መዓጹ ቤትማእሰርቲ ይኽፈት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ሰንሰለት ይበጣጠስ ተኣምር ይኸውን። መስኪናይ ሓላዊ ቤትማእሰርቲ እሱራት ዝሃደሙ መሲልዎ ሕይወቱ ከሕልፍ ይደናደን። ጳውሎስ የተሃዳድኦ ኩልና ኣሎና ርእስኻ ኣይትጒዳእ ይብሎ። ኣብቲ ናይ ጽምዋን ጓህን ግዜኸስ እቲ መድሓኒ ዝኾነ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ይመጽእ ፡ እቲ ኣሲርዎም ዝነበረ ንሓዋርያት ይቅበል ነቊሳሎም ይፍውስ ንክርስቶስ ይቅበል ይጥመቅ ከኣ።
ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ልቢ ክህበና ንእግዚኣአብሔር ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ልቢ ክህበና ንብጾትና ተሓጒስና እንቅበለሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ከምቲ ናይቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ልቡ ብኡንብኡ ዝተኸፍተ ልብታትና እውን ከምኡ ክኽፈተልና ንለምን።