ድለ

መንፈስ ቅዱስ ኣሲሩና ንዘሎ ሰንሰለታት ይበጣጥስ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 30 2019ዓመፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ኢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡን ካብ ግ.ሐ 16.9-10 “ብለይቲ ከአ ጳውሎስ ራእይ ተመልከተ፡ ሓደ መቄዶንያዊ ኣብ ቅድሚኡ ቆይሙ፡ “ናብ መቄዶንያ ተሳጊርካ ርድኣና!” እናበለ ይምሕጸኖ ነበረ። ንሱ እቲ ራእይ ምስ ተመልከተ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዜአብሔር ከም ዝጸውዓና ስለ ዝተተረዳኣና፡ ብኡንብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሓሰብና” ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ‘ንልብታትና ስለዝኸፍትን ንእምነትና ስለዘጽንዕን ቀንዲ ተዋሳኣይ መንፈስ ቅዱስ እዩ” እንክብሉ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንክርስቶስ ምቅባል ክሳብ ክንደይ ዓቢ ሓጐስ ከምዝፈጥር ነዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ንልብታትና ጋህ ኣቢሉ ብምኽፋትን እምነትና ብምጽናዕን ንሰንሰለት ጸላኢ በጣጢሱ ብምድርባይን ይገብሮ ዝበሉ ቅዱነቶም፡ ንክርስቶስ ዝቅበል ዘቦኡ ኩሉን ናይ ድሮ ናይ ክርስቶስ ዝኾኑን ቅድሚኡ ጥዒሞሞ ዘይፈልጡ ዓቡ ሓጐስ ይረኽቡ። ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ተልእኮ ቤተክርስትያን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ከኣ ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ይገብሮ።

ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ዝመረጽዎ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጳውሎስን ሲላስን ናብ መቄዶንያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ስብከተ ወንጌል ይምልከት። ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገሮም ከምዝነበሩ እንክዝከር ሎሚ እውን ነቲ ጒዕዞ ዘኪሮም ‘ብምውቅ ሰላምታን ፍቅርን ምቅባሎምስ ይኹን እቲ ከም ቀንዲ ናይ ኤውሮጳ ወንጌል ምስ ባህሊ ሓዊስካ ከም መባዅዕቲ ዝተሰርሓላ ኣፍደጌ ምዃናን ኣብ ኤውሮጳ ከኣ እዚ በዛ ሃገር እዚኣ ዝመጸ ብወንጌል ዝተኸለሰ ባህሊ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣሎ’ ኢሎም።

መንፈስ ቅዱስ ክንክተሎ ዝግበኣና ጐዳና ይሕብረና!

ቅዱስነቶም ነቲ ጳውሎስ ዝተመልከቶ ራእይ መበገሲ ብምግባር ኣብ ስብከተ ወንጌል ክትከዶ ንዝግበኣካ ጐዳና ዝሕበር መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ድሕሪ ኣመልኪቶም ነዚ ከኣ ነቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ኣብ ሠለስተ ነጥብታት ብምጥርናፍ ይቅርብዎ። መጀመርያ ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ምስ ኣተወ ስብከተ ወንጌል ይጅምር ሊድያ ንእትበሃል ሠራሕተኛ ንግድን ስድራኣን የጠምቅ፡  ብካልኣይ ደረጃ ሓንቲ ባርያ ብጸሎት ካብ ኣጋንንቲ ሓራ ምስ ገበረ ከኣ በቶም ጐይቶታ ተኸሲሱ ምስ ሲላስ ብሓንሳብ ይእሰሩ ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ናይቲ ኣሲሩ ዝሕልዎ ዝነበረ ምቅባል ክርስቶስን ጥምቀቱን ስድራ ቤቱን ኢሎም መቃቂሎም።

“ንመጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት እንክነንብብ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገቢሩ ቀንዲ ተዋሳኢ ተልእኮ ቤተክርስትያን ከምዝኾነ ንግንዘብ። ንሱ እዩ ንጉዕዞ ሰበኽቲ ወንጌል ዝመርሕ ነዚ ከኣ ክኸድዎ ዝግብኦም መንገዲ ብምሕባር ይፍጽሞ።”

ገርሀይና ክፉት ልቢ ሊድያ!

ኣብ ግብረ ሐዋርያት ብሰፊሑ ተተንቲኑ ከምዘሎ `ንእግዚአብሔር እተኽብር ሰበይቲ . . ናብቲ ብጳውሎስ ዚንገር ዝነበረ ንኸተድህብ እግዚአብሔር ልባ ከፈተላ። ምስ ስድራቤታ ተጠምቀት’ ይብል። መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ከምዝልውጥ ብግህዶ ንግንዘብ።

“ሊድያ ንክርስቶስ ትቅበል ምስ ስድራቤታ ትጥመቕ ነቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ ጳውሎስን ሲላን ኣብ ገዝኣ ትዕድሞም። ኣብዚ ክርስትና ከመይ ኢሉ ኣብ ኤውሮጳ ከምዚኣተወ ምስክርነት ንረክብ። ወንጌል ምስ ባህሊ ከመይ ገሩ ኣዛሚዱ ናብ ኤውሮጳ ከምዝበጽሔ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ክርስትናኸስ ናብ ኤውሮጳ ብመቄዶንያ ኣተወ።”

ካብ ምጽንናዕ ናብ ጽምዋን ጓህን!

ነታ መንፈስ ጥንቆላ ዝሓደራ ኣገልጋሊት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ሕማቅ መንፈስ ምስ ገላገልዋ እቶም ጐቶታ ብዙሕ እቶት ናይ ጥንቆላ ተምጽኣሎም ስለዝነበረት ከሲሶም ንጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጐኑ ገበርዎም። እነሆ እምበኣር ካብ ብስብከተወንጌልን ተኣምራታትን ዝነበረ ሓጐስን ምጽንናዕን ናይ ቤት ማእሰርቲ ጽምዋን ጓህን ይጥዕሙ።

“ጐይቶት ናይታ መስኪነይቲ ኣገልጋሊ ብጥንቆላኣ ብዙሕ መክሰብ ነርዎም። ንመጻኢ ትጥንቊለሎም ኣእዳዎም እናረኣየት ከምዚ ክትኮኑ ኢኹም ከምዚ ክትረኽቡ ኢኹም ትብሎም ንሶም ከኣ ይኸፍሉ ነበሩ። እዚ ጥንቈላ እዚ ሎሚ እውን ኣሎ። ይዝክረኒ ኣብ ሰበኻይ ኣብ ቦነስ ኣየርስ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ዓቢ መናፈሻ ልዕሊ ስሳ ዝኾኑ ጠንቈልቲ ነበሩ። ኣእዳዎም እናረኣዩ ይጥንቁሉሎም ይኣምንዎም ገንዘብ ክኸፍልዎም እዕዘብ ነረ ኢሎም።”

ብርሃን ክርስቶስ ወትሩ ምስ ኣንጸባረቀ እዩ!

ጳውሎስን ስላስን ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ ተዳጐኑ ዕሚም ኣይበሉ ሓሲሙና ኢሎም ኣየጒረምረሙ ብቀጥታ ናብ ጸሎት ተጸሚዶም። ጸሎት ምስጋና ሓራ ከምዘውጽእ ከኣ ብግህዶ ነቲ መሬት የንቀጥቅጦ መዓጹ ቤትማእሰርቲ ይኽፈት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ሰንሰለት ይበጣጠስ ተኣምር ይኸውን። መስኪናይ ሓላዊ ቤትማእሰርቲ እሱራት ዝሃደሙ መሲልዎ ሕይወቱ ከሕልፍ ይደናደን። ጳውሎስ የተሃዳድኦ ኩልና ኣሎና ርእስኻ ኣይትጒዳእ ይብሎ። ኣብቲ ናይ ጽምዋን ጓህን ግዜኸስ እቲ መድሓኒ ዝኾነ ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ይመጽእ ፡ እቲ ኣሲርዎም ዝነበረ ንሓዋርያት ይቅበል ነቊሳሎም ይፍውስ ንክርስቶስ ይቅበል ይጥመቅ ከኣ።

“ኣብዚ ማንም ቤትማእሰርቲ እዚ ለይቲ ምድሪ ብርሃን ክርስቶስ የንጸባርቅ ንጸልማት የሸንፍ ንልብታት ኣሲሩ ዝነበረ ሰንሰለት ይበጣጠስ ኣብ ልቡን ኣብ ልብታት ሥድራቤቱን ቅድሚ ሕጂ ኣስተማቂሮሞ ዘይፈልጥዎ ሓጐስ ይመልእ። በዚ ከምዚኸስ መንፈስ ቅዱስ ካብታ ዕለተ ጰንጠቆስጤ ጀሚሩ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ይገብር ኣሎ ከመይ ንሱ ናይ ስብከተ ወንጌል ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ። ወትሩ ከኣ ንቅድሚት ከምእንግስግስ ይገብረና። ነቲ ዝተጸዋዕናሉ ጸዋዕታ እሙናት ክንከውን ይደልያና ወንጌል ንክንሰብኽ ከኣ ኣብቲ ዘድልዮ የንቀሳቅሰና።”

ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ልቢ ክህበና ንእግዚኣአብሔር ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ልቢ ክህበና ንብጾትና ተሓጒስና እንቅበለሉ ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ከምቲ ናይቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ልቡ ብኡንብኡ ዝተኸፍተ ልብታትና እውን ከምኡ ክኽፈተልና ንለምን።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 October 2019, 18:06