ቤተክርስትያን ዕርዲ ገሊኦም ዘይኮነትስ! ንኩሉ ሃንጐፋይ ኢላ እትቅበል ሰፋሕ ዳስ እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ 23 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ባህርይ ቤተክርስትያን ወይ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ምስ ኩሎም ሕዝባ ብሓባር እትግስግስ ኣካል እያ ወይውን ቤተክርስትያን ኣይኮነትን እንክብሉ ኩሎም ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ውህደት ከድንፍዑ ሓላፍነቶም ከምዝኾነ ገሊጾም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ዓደሉ ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ከፈቱ። ካብ መጽሓፍ ግሐ 15.7-11 ‘ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።  እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና’ ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ።

ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ቃል ኣምላኽ ከኣ እግዚአብሔር ንኣሕዛብ መንገዲ እምነት ከምዝኸፈተሎም ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ንፍገት ዝመስል ብኣመንቲ ዝቀረበ ምጉርምራምን ንእግዚአብሔርን እምነትን ናይ ብሕቶም ገሮም ንካልኦት ኣይነቅርብን ዚዓይነቱ ዝንባሌ ንምእራም ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምስክርነትን መጠንቀቅታን ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ዝንባሌ ኩሉ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ስለዝረኤ ሎሚ እውን እንተኾነ ገሊኦም ንቤተክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሶም ዕርዲ ገሮም ንካልኦት ኣብ ምቅባል ንዝጽገሙ ቅዱስነቶም `ቤተክርስትያንሲ ዕርዲ ኣይኮነትን! እንታይ ደኣ ብኩሉ ሰፊሓ ኩሎም ኪእትው ንኪኽእሉ ንኩሎም ክፍቲ ዝኾነት ዳስ ኰይና ንኩሉ ሃንጐፋይ ኢላ ትቅበል እያ’ ኢሎም።

ቤተክርስትያን ካብ ትምሥረት ጀሚራ ኣብ ስደት ከምዝነበረት ግብረሐዋርያት እንከዘንቱ እዚ ሕማቅ ዝመስል ነገር ግን ብኣንጻሩ ጽቡቅ ነገር ተረኺብዎ እዚ ከኣ ምስቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝስደዱ ዝነበሩ ቃል ኣምላኽ እውን ምስኦም ናብ ኩሉ ይዝራእ ስብከተ ወንጌል ይሰፍሕ።

“ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ተመልኪቱ ከምዘሎ ቤተክርስትያን ዕርዲ ኰይና ኣብ ሓደ ቦታን ኩነትን ደው ትብል ዘይኮነትስ ንኩሎም ናብኣ ኪእትው ዝደልዩ ምእንቲ ኪኣተው ምድሪ ቤታ ኣስፊሓ ንኩሎም ሃንጐፋይ ኢላ እትቅበል እያ። ባህርያታ ከኣ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ መዓጹኣ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ባህሪ እዚ እንተዘይብላ ማለት ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝትወሰነትን መዓጹኣ ዝዓጸወትን እንትኾይና ቤተክርስትያን ክንብላ ኣይንኽእልን ኢሎም።”

መዓጹ ቤተክርስትያን ብምንም ተኣምር ክዕጾ የብሉን!

ብቋንቋ ክርስትያን ዕጽዋት ማዕጾታት ዛሕልን ክትቅበል ስንድው ከምዘይኮንካን የመልክት። ኣብዚ ከተማ እዚ ወይ ኣብ ዝኾነ ሰበኻ ናብ ሓንቲ ቤተክርስትያን  ኣንተደኣ ከይደ እሞ ማዕጾ ቤተክርስትያን ተዓጽዩ እንተጸኒሑኒ ሕማቅ ምልክት ኰይኑ ይረኣየኒ። ኣብያተ ክርስትያን ወትሩ ክፉት መዓጹ ክህልወን የድሊ እቲ ምንታይ ትርጉም ቤተክርስትያን ወትሩ ክፉቲ ምዃን እዩ። ትርጉሙ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ገዛ ኰይኑ ንኩሉ ክፉት ንኩሉ ዝቅበል ማለት እዩ። በዚ ከምዚኸስ ሓደ ሰብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ሕሹዅ ንዝብሎ ክሰምዕ እንተደልዩ ናብ ቤትእግዚኣአብሔር ይቀርብ ። ዕጽው ማዕጾ ዛሕልን ክትቅበል ዘይምድላይን ስለዘመልክት መዓጹ ኣብያተ ክርስትያን ወትሩ ክፉት ይኹን።

ብሥራት ወንጌል ናብ ኣሕዛብ ይበጽሕ!

ኣብ ትረኻ ግብረ ሐዋርያት ጳውሎስን በርናባ ብመንፈስ ቅዱስ ተደፊኦም ካብ ኣንጾክያ ንስብከተወንጌል ኣህዛብ ይነቅሉ። ብሥራት ስብከተ ወንጌል ከኣ ምስኦም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይበጽሕ። ብዙሕ ተኣምር ይፍጸም ብዙሓት ይኣምኑ። ኣብ መንጎ እዚ ግን ብርቱዕ ክትዕ ይለዓል። ነዞም ሓደስቲ ክርስትያን እቶም ብሥርዓት ኣይሁድ ዝጐዓዙ ዝነበሩን ግዝረት ቀንዲ ምልክት ገሮም ዝሓስቡን እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ክሓብሩ እንተዀይኖም ግዝረት የድልዮም ከመይ ንድሕነት ግዝረት የድሊ እዩ ኣብ ዝብል ኣዝማምያ ይበጽሑ። ጳውሎስን በርናባስን እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ጸንከሮም ጉባኤ ሓዋርያት ንኽግበር ይሓቱ ቀዳማይ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ከኣ ይካየድ። እዚ ቀዳማይ ጉባኤ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን እዩ። እዚ ከኣ ንብዙሕ ሕቶታት እምነት ማለት ተሎግያዊ መንፈሳዊ ሥርዓታዊ ሕቶታት ክፈትሑ ይጽዕሩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብ መንጎ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ሕጊ ሙሴ ተኸቲልካ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ኣብ ዝብል ነጥቢ ይራኸቡዶ ኣይራኸቡን ዝብል ነበረ።

“ኣብቲ ጉባኤ ወሰንቲ ዝነበራ ናይ ጴጥሮስን ያዕቆብን ርእይቶታት ነበራ። እዞም ክልተ ሓዋርያት እዚኦም ዓንዲ ሕቈ ቤተክርስያን እውን ይበሃሉ ነበሩ። እዞም ክልተ ሰባትከስ ግዝረት ከም ቅድመ ኩነት ኣብ እምነት ክርስቶስ ከይእዘዝ ይኽልክሉ። እንኮ ነህዛብ ዝቀርብ ሕቶ ከኣ ነቲ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ጣዖትን ካልእ ምሳኡ ዝኸይድ ተግባራትን ንከቋርጹ ጥራይ ይኹን በሉ። ካብቲ ዘተ እቲኸስ ብሓባር ዘገስግሶም ውሳኔታት ይመሓላለፉ እዘን ውሳኔታት እዚኤን ከኣ ኣብታ ኣብ ግብረ ሓዋርያት እንረኽባ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ናብ ቤተክርስትያን ኣንጾክያ ተገሊጹ ንረኽቦ። ስለዚ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞን ዘተን ቀንዲ መሪሕ ናይ ጥንታዊት ቤተክርስያን ይኾና።”

ሲኖዶሳዊ ጉዕዞን ዘተን ኣብ ቤተክርስትያን!

ቅዱስነቶም ናብ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ምልስ ይብሉ እሞ እዛ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ወይውን ሓባራዊ ጉዕዞ ትብል ኣምር ክሳብ ሎሚ ተጓዒዛስ እዚ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንዞባ ኣማዞን በቲ መንፈስ እቲ ተመሪሑ ኣብ ምዝዛም ገጹ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

“በዚኸስ ንዝኾነ ጸገም ወይ ግጭት ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን ዋና መፍትሒኡ ጽን ቢልካ ብትዕግስቲ ምስማዕን መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልካ ብምጽላይን ብዝግበር ዘተ ይፍታሕ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቲ ዘሎ ምዕንቃጻት ንምፍታሕን ልብታትና ብምብራህ ሓቢርካ ንምስራሕን ይረድእ። በዚ ከኣ ኣብ ሓቅን ሠናይ ነገርን ንምብጻሕ ሓጊዙ ኣብ ሓድነት የብጽሕ። እዚ ፍጻሜ ግብረ ሐዋርያት ናብ ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ወይውን ሓባራዊ ጉዕዞ ንምብጻሕን ንምርዳኡን ይሕግዘና። እታ ሓዋርያት ድሕሪ ቀድማይ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ናብ ቤተክርስትያን ኣንጾክያ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ኣጸሓሕፋ ዘደንቅ እዩ። ንሕናን መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ንሓስብ. . . ክብሉ ከለው ብሓቂ ኣብቲ ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ከምዝነበረን ባዕሉ ከምዝመርሖን ንግንዘብ። ኣብ ኩሉ ጉባኤታትናን ሲኖዶሳትን መንፈስ ቅዱስ እንተዘየሎ ዝበልና ንበል ዝገበርና ንግበር ሃለውለው ኮይኑ እዩ ዝተርፍ ‘ኢሎም።”

ዝኾነ ጉባኤ ንውህደት ከሐይል ኣለዎ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦምን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታን ደጋጊሞም ዘዘኻኸርዎ ኣቦ ውህደት ዝኾነ እግዚኣአብሔር ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ክርስትያን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ኣብ መንጎ ኣበው ሲኖዶስ ውህደት ንክህሉ መንፈሱ ክሰድድ ምናዳ ከኣ ጳጳሳትን ካህናትን ሓላፍነት ናይዚ ውህደት እዚ ምድንፋዕ ከምዘለዎም ከምዝስቈሮም ክገብር ልባዊ ትምኒቶም ገሊጾም።

ጐይታ ብዘተ ንክንመላለስ ይሓግዘና! ምስቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ ክንራኸብን ጽን ኢልና ክንሰምዖምን ምስቶም ርሑቃት እውን ከይተረፈ ንፍረ ቤተክርስትያን ሓቢርና ክነስተማቅር ጸጋኡ ይዓድለና። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

23 October 2019, 18:46