ሓደስቲ ቅዱሳን ጸልማት ጐቢእዎ ንዘሎ ዓለምና ልኡም መብራህቲ እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ሥርዓተ ቅድስና ሓሙሽተ ሓደስቲ ቅዱሳን ንምፍጻም ሰንበት ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣብ ሕይወት እዞም ቅዱሳን ሠለስተ ነገራት ንዕዘብ! ሓይልን ጸጋን ምልማን ንቅድሚት ምግስጋስ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምምስጋን’ ንዝብላ ቃላት ድሕሪ ምትንታን ‘ጸሎት መድሓኒት ልቢ እምነት ሓቢርካ ምጉዓዝ ምስጋና ኸኣ እታ ኣዝያ ገርሀይናን መኽሰብ ዘለዋን ቃል እያ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ታሪኽ ሕይወቶም ብሓጺሩ ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ዝቀረብናልኩም ሓሙሽተ ብፁዓን ጆን ሀንሪ ኒውማን ጁሰፒና ቫኒኒ ማርያ ተረዛ ሺራመል ማንኪዲያን ዱልሰ ሎፐስ ፖንተስን ማርጋሪታ በይስን ቅድስና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸክሶ ብዝሠርዕዎ ቅዳሴ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ተኣዊጁ።

ቅዱስነቶም ምሥጢር ቅድስና ናይዞም ቅዱሳን እንክገልጹ ‘እዞም ዕውታት እዚኣኦም ሰፍ ዘይብል ፈተናታት ኣሸኒፎም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ነቶም ናይ ጽጉማት ጽጉማት እናረድኡ ነቲ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ሃሰስ እናበሉ ብጐዳና እምነት መሪሾም።’ ክብሉ ገሊጾሞ።

ናይ ሓሙሽቲኦም ሓደስቲ ቅዱሳን ኣሳእል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተደርዲሩ እንክትርኢ ገጽታ ኩላዊት ቤተክርስትያን እንከንጸባርቅ ካብ ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ኣህጉር ኤስያን ካርዲናል ኒው ማን ዓዲ እንግሊስ እናቴ ጁሰፒና ቫኒኒ ሃገረ ጣልያን እናቴ ማርያም ትረዛ ሺራመል ማንኪዲያን ሃገረ ህንዲ እናቴ ዱልሰ ሎፐዝ ፖንተስ ሃገረ ብራዚል ማርጋሪታ በይስ ሃገረ እስዊዘርላንድ ዝውክሉ ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገጽታ ይገልጹ ነበሩ። ልዕሊ ሓምሳ ሺህ ዝኸውን ምእመናን ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ከኣ ተሳተፉ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ሕዝቢ እዮም እምበር ቅዱስነቶም ነታ ስብከቶም ኣብ ሠለስተ ቃላት ጠቅሊሎም ካብ ፍርሒ ሓራ ክግበረና ንእግዚኣአብሔር ክንልምን ዝተማሕጸኑ።

ካብ ፍርሒ ሠውረና!

ንዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ሉቃስ 17.11 ኮይኑ ብዛዕባ ዓሠርተ ለምጻትን ምሕዋዮምን ሓደ ጥራይ ካብኦም ከምስገን ከምዝተመልሰ እሞ ኢየሱስ ከኣ ተንስእ ኪድ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ንኩነታት ናይቶም ለምጻማት ኢየሱስ ክሰምዖም እሞ ክፍውሶም ኣበርቲዖም እንክጭርሑ እቲ ሕብረሰብ ግን ኣግሊልዎም ከምዘየለውን ከምዝተረስዑን ገሩ ይግሞቶም ነበረ። ኢየሱስ ግን ነቲ ዕጽው ሕብረሰብን ኣተሓሳስባኡን ኣብ ልዕሊ እዞም ለምጻማት ዝነበሮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ሰጊሩ ድምጺ በይኑ ዝተረፈን ዝተገለለን ሰብ ከምዝሰምዕ ንኩሉ ናብኡ ዘእወየ እውን ከምዝሰምዕ ብተግባር የርኢ።

“ከምቶም ለምጻማት ንሕና ኩልና እውን ምፍዋስ የድልየና እዩ። ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስና እምነት ከይነሕድር ዝዕንቅጸና ነገራት ኣብ ዘሎናዮ ሕይወትናን መጻእን ዝወረና ፍርሂ ካብቲ ከም ባሮት ሒዞምና ዘለው ሕማቅ ልማዳት ኣብ ገዛእ ርእስና ዓጽዮም ዝሕዙና ጽግዕተኝነት ልማዳትን ጸወታስ ይኹን ገንዘብስ ይኹን ተለቪዥንስ ይኹን ሞባይል ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንካልኦት ካብ ምፍራድ ምሕዋይ የድልየና ኣሎ። ንጐይታ ‘ኦ ጐይታ ክተሕወየኒ ከም እትኽእል እኣምን እየ። ኣብ ገዛእ ርእሰይ ካብ ዚዓጽውኒ ከምኡ እውን ካብ ሕማቅ ነገርን ካብ ፍርህን ሓራ ኣውጸኣኒ ኢየሱስይ’ ኢልና እንተለሚናዮ ንልባትና ሓራ ይገብር ይፍውሶ ኸኣ። ከመይ ጸሎት ፈውሲ ልቢ እዩ።”

ጸሎት - ፈውሲ ልቢ

ጐይታ ኩሉ ግዜ ብስሙ ክንጽውዖን ክንልምኖን እንከሎና ይሰምዓና ደስ ኢልዎ ከኣ ይምልሸልና ብገርሀይና ልቢ ብቀጥታ ንዝልምኖ ይስልም።

“ብስም ምጽዋዕ ምልክት ምትእምማን እዩ! እዚ ከኣ ንጐይታ የሐጒሶ። እምነት ከኣ ብኸምዚ ትዓቢ ማለት ብተኣማንኖት ንጐይታ ኣብ ምልማን ንውርደትና ክንሓብእ ከይፈተና ናብ ኢየሱስ ብክፉት ልቢ ከምዘለናዮ ምስ እንቀርብ እምነት ትዓቢ። ዕለት ዕለት ንስም ኢየሱስ ብእምነት ንጸውዕ! ኢየሱስ ማለት ከኣ ጐይታ የድሕን እዩ። ደጋጊምና ንጸውዓዮ ኢየሱስ ንበል ጐይታ የድሕን ማለት ኮይኑ ጸሎት እዩ። ናይ እምነት ኣፍደገ ኰይኑ ፈውሲ ልቢ ዝኾነናኸስ ጸሎት እዩ። ነዚ ንምምሃር ትሕት ዝበሉ ስጉምታት ግን ብግብሪ ክኸውን ኣለዎ።”

ስጉምታት ትሕትናን ብግብርን!

ኣብ እምነት ክንዓቢ ዘድልየና ትሑት ፍቅሪ ብተግባር ከምኡ እውን ዕለታዊ ሕይወትና ብትዕግሥቲ ምምራሕ እዩ። እታ ክንጐዓዘላ ዘሎና ጐዳና ኢየሱስ ባዕሉ ስለዝኾነ በይናን ኣይኮናን። እቶም ለምጻማት ምስ ተፈወሱ ኣብ ዘለውዎ ደው ኣይበሉን ንላዕሊ ገጾም እናደየቡ እዮም ነጺሖም።

“እምነት ጒዕዞ የድልዮ! ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ምባል። ካብቲ ዓቢጡ ሒዙና ዘሎ ምጥርጥራትን ውሕስነት ክህበና ለኰቲና ዓጺናዮ ዘሎ መዓጹ ከፊትና ምስ ወጻእና እምነት ተአምር ክትገብር ትጅምር። እምነት ብተወፋይነት ይድልድል ኣሚናክ ጠኒንካ ብምእታው ከኣ ትዓቢ። እምንቶና ኣብ እግዚኣአብሔር ገርና ምስ እንጐዓዝ እምነት ንቅድሚት ትግስግስ።”

ነዚ ጒዕዞ እዚ እቶም ኣብ ጒስነት ዝርከቡ ከዘውትርዎን ነቶም ምኻድ ተሳኢንዎም ተዓኒዶም ንዘለው ክጓስዩ ነቶም ርሒቆም ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነቅርብ ዝተጻዋዕና ስለዝኾና ሓላፍነትና ብግቡእ ንፈጽም ኢሎም። ከመይ ድሕነት ሓደ ብርጭቆ ምስታይ ኣይኮነን።

ድሕነት ብርጭቆ ማይ ምስታይ ኣይኮነትን!

ቅዱስነቶም ናብ ጉዳይ ለምጻማት ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ሓውዩ ናብ ኢየሱስ ከመስግን ዝተመልሰ ለምጻም ኢየሱስ ‘እምነትካ ኣድሒናትካ` ንዝበሎ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“ጉዳይ ድሕነት ብርጭቆ ማይ ምስታይ ኣይኮነን ናብቲ ምንጪ ማይ ዝኾነ ኢየሱስ ምኻድ እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ ካብ ሕማቅ ሓራ ከውጽኣናን ንልብና ክፍውስ ዝኽእል! ምስኡ ምርኻብ ጥራይ እዩ ዘድሕን። ንሕይወት ምልኣትን ጽባቄን ዝህብ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ንኢየሱስ ምስ ረኸብካ ከምዚ ለምጻም ብቀዳምነት ትመጽእ `ተመስገን` እያ ከመይ ኣባኡ ናይ ሕይወት ቀንዲ ነገር ስለትረክብ ሓደ ጸጋ ምስ እትረኽቡ ወይ ካብ ሓደ ሓደጋ ምስ እትድሕኑ ኣይትንጸግዎ ነቲ ጐይታ ሕይወት ዝኾነ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባሉ የድሊ። ሕይወትና ምስጋና ክኸውን ኣለው።”

ንምምስጋን ምንባር!

መዛዘሚ እምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ንምምስጋን ምንባር እዩ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ዕለቱ ብትዊተር ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ዝገልጽዎ ‘ንጐይታ እንክነመስገን እግዚኣአብሔር ኣቦ ይሕጐስ ይብቚቡቚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ከምዝፈስስ ይገብር’ እዩ ነገሩ ኢሎም።

“ምምስጋን ክንብል እንከሎና ናይ ሥነ ሥርዓት ጉዳይ ኣይኮነን ናይ ቃል ዓለም ኣይኮነን ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። ዘመስግን ልቢ ወትሩ ጐበዝ እዩ። ንግሆ ክንትንሥእ ኦ ጐይታ ኣመስግነካ ኣሎኹ እንክንብል ከምኡ እውን ኣብ ዕለታዊ ጒዕዞና ኣብ መጨረሻ ከኣ ቅድሚ ምድቃስና ተመስገን ክንብል ከሎና ልብና ኣይኣርግን እንተዘየሎ ልብና ይኣርግ ሕማቅ ነገር ከኣ ይለምድ። ኣብ ሥድራቤት ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ምምስጋን ኣይረሳዕ። እግዚአብሔር ይሃበለይ ኢልካ ምምስጋ ዝቀለለ ኰይኑ ብዙሕ መኽሰብ ከኣ ኣለዎ። ድሕሪ ቢሎም ነዚ ኩሉ ኣብነትን መብራህትን ዝኾኑና ናይ ዕለቱ ቅዱሳን ብዝምካር ቅዱሳን ልኡም ብርሃን የንጸባርቁ ኢሎም።”

ቅዱሳን - ልኡም ብርሃን

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናብ ሕይወት እቶም ኣብ ዕለቱ ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ሓሙሽተ ብፁዓን ዘኪሮም `ጒዕዞ ፍቅሪ ኣብ ሻውላት ዓለምና ዝፈጸሙ ጸሎት ዘዘውተሩ ብትዕግሥቲ ብዙሕ ዝጾሩ ብሱቚታ ዝተወፈዩ ዕለታዊ ቅድስና ዘዘውተሩ ምዃኖም ገሊጾም።

“ንሕና እውን ከምዞም ቅዱሳን ልኡም ብርሃን ክንከውን እሞ ነዚ ብጸልማት ተጐቢኡ ዘሎና ዓለምና ክነብርህ ንለምኖ። ንጐይታ ኢየሱስ ‘ኦ ጐይታ ምሳና ኩን በዚ ከኣ ከምቲ ንስኻ ተብርሆ ክንበርህ ክንጅምር ኢና ንካልኦት ብርሃን ክንከው እሞ ክነንጸባርቅ ኢና።”

ቅዱሳን ናይ ዓዳቶም መንፈሳውን ማሕበራውን ዕብየት ይሕግዙ

ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቀቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ቤተጸሎት ሕዝንት ድንግል ማርያም ንመራሕቲ ሃገራት ናይዞም ቅዱሳን ተቀቢሎም ሰላምታ ኣብ ዝተለዋወጡሉ ግዜ ‘እዞም ቅዱሳን እዚ ንሃገራትኩም ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ዕብየት ሓጊዞም እዮም’ ኣመስጊኖም ስለዝነበሩ  ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ንእንግሊካዊት ቤተክርስትያን ወኪሎም ኣብቲ ሥርዓት ንዝተሳተፉ ልዑል ምስጋና ኣቅሪቦም ከምኡን ነቶም ንዕለት ኣቦ ዘኽብሩ ደቂ ሃገረ ፖላንድ ኣመስጊኖም  ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 October 2019, 16:13