ሓደስቲ ቅዱሳን ጸልማት ጐቢእዎ ንዘሎ ዓለምና ልኡም መብራህቲ እዮም! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ታሪኽ ሕይወቶም ብሓጺሩ ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ዝቀረብናልኩም ሓሙሽተ ብፁዓን ጆን ሀንሪ ኒውማን ጁሰፒና ቫኒኒ ማርያ ተረዛ ሺራመል ማንኪዲያን ዱልሰ ሎፐስ ፖንተስን ማርጋሪታ በይስን ቅድስና ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸክሶ ብዝሠርዕዎ ቅዳሴ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓምፈ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ተኣዊጁ።
ቅዱስነቶም ምሥጢር ቅድስና ናይዞም ቅዱሳን እንክገልጹ ‘እዞም ዕውታት እዚኣኦም ሰፍ ዘይብል ፈተናታት ኣሸኒፎም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ነቶም ናይ ጽጉማት ጽጉማት እናረድኡ ነቲ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ሃሰስ እናበሉ ብጐዳና እምነት መሪሾም።’ ክብሉ ገሊጾሞ።
ናይ ሓሙሽቲኦም ሓደስቲ ቅዱሳን ኣሳእል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተደርዲሩ እንክትርኢ ገጽታ ኩላዊት ቤተክርስትያን እንከንጸባርቅ ካብ ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ኣህጉር ኤስያን ካርዲናል ኒው ማን ዓዲ እንግሊስ እናቴ ጁሰፒና ቫኒኒ ሃገረ ጣልያን እናቴ ማርያም ትረዛ ሺራመል ማንኪዲያን ሃገረ ህንዲ እናቴ ዱልሰ ሎፐዝ ፖንተስ ሃገረ ብራዚል ማርጋሪታ በይስ ሃገረ እስዊዘርላንድ ዝውክሉ ናይ መላእ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ገጽታ ይገልጹ ነበሩ። ልዕሊ ሓምሳ ሺህ ዝኸውን ምእመናን ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ከኣ ተሳተፉ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ሕዝቢ እዮም እምበር ቅዱስነቶም ነታ ስብከቶም ኣብ ሠለስተ ቃላት ጠቅሊሎም ካብ ፍርሒ ሓራ ክግበረና ንእግዚኣአብሔር ክንልምን ዝተማሕጸኑ።
ካብ ፍርሒ ሠውረና!
ንዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ሉቃስ 17.11 ኮይኑ ብዛዕባ ዓሠርተ ለምጻትን ምሕዋዮምን ሓደ ጥራይ ካብኦም ከምስገን ከምዝተመልሰ እሞ ኢየሱስ ከኣ ተንስእ ኪድ እምነትካ እያ ኣሕውያትካ ዝብል ይርከቦ።
ቅዱስነቶም ንኩነታት ናይቶም ለምጻማት ኢየሱስ ክሰምዖም እሞ ክፍውሶም ኣበርቲዖም እንክጭርሑ እቲ ሕብረሰብ ግን ኣግሊልዎም ከምዘየለውን ከምዝተረስዑን ገሩ ይግሞቶም ነበረ። ኢየሱስ ግን ነቲ ዕጽው ሕብረሰብን ኣተሓሳስባኡን ኣብ ልዕሊ እዞም ለምጻማት ዝነበሮ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ሰጊሩ ድምጺ በይኑ ዝተረፈን ዝተገለለን ሰብ ከምዝሰምዕ ንኩሉ ናብኡ ዘእወየ እውን ከምዝሰምዕ ብተግባር የርኢ።
ጸሎት - ፈውሲ ልቢ
ጐይታ ኩሉ ግዜ ብስሙ ክንጽውዖን ክንልምኖን እንከሎና ይሰምዓና ደስ ኢልዎ ከኣ ይምልሸልና ብገርሀይና ልቢ ብቀጥታ ንዝልምኖ ይስልም።
ስጉምታት ትሕትናን ብግብርን!
ኣብ እምነት ክንዓቢ ዘድልየና ትሑት ፍቅሪ ብተግባር ከምኡ እውን ዕለታዊ ሕይወትና ብትዕግሥቲ ምምራሕ እዩ። እታ ክንጐዓዘላ ዘሎና ጐዳና ኢየሱስ ባዕሉ ስለዝኾነ በይናን ኣይኮናን። እቶም ለምጻማት ምስ ተፈወሱ ኣብ ዘለውዎ ደው ኣይበሉን ንላዕሊ ገጾም እናደየቡ እዮም ነጺሖም።
ነዚ ጒዕዞ እዚ እቶም ኣብ ጒስነት ዝርከቡ ከዘውትርዎን ነቶም ምኻድ ተሳኢንዎም ተዓኒዶም ንዘለው ክጓስዩ ነቶም ርሒቆም ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነቅርብ ዝተጻዋዕና ስለዝኾና ሓላፍነትና ብግቡእ ንፈጽም ኢሎም። ከመይ ድሕነት ሓደ ብርጭቆ ምስታይ ኣይኮነን።
ድሕነት ብርጭቆ ማይ ምስታይ ኣይኮነትን!
ቅዱስነቶም ናብ ጉዳይ ለምጻማት ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ሓውዩ ናብ ኢየሱስ ከመስግን ዝተመልሰ ለምጻም ኢየሱስ ‘እምነትካ ኣድሒናትካ` ንዝበሎ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።
ንምምስጋን ምንባር!
መዛዘሚ እምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ንምምስጋን ምንባር እዩ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ዕለቱ ብትዊተር ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ዝገልጽዎ ‘ንጐይታ እንክነመስገን እግዚኣአብሔር ኣቦ ይሕጐስ ይብቚቡቚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ከምዝፈስስ ይገብር’ እዩ ነገሩ ኢሎም።
ቅዱሳን - ልኡም ብርሃን
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናብ ሕይወት እቶም ኣብ ዕለቱ ቅድስናኦም ዝተኣወጀ ሓሙሽተ ብፁዓን ዘኪሮም `ጒዕዞ ፍቅሪ ኣብ ሻውላት ዓለምና ዝፈጸሙ ጸሎት ዘዘውተሩ ብትዕግሥቲ ብዙሕ ዝጾሩ ብሱቚታ ዝተወፈዩ ዕለታዊ ቅድስና ዘዘውተሩ ምዃኖም ገሊጾም።
ቅዱሳን ናይ ዓዳቶም መንፈሳውን ማሕበራውን ዕብየት ይሕግዙ
ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቀቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ቤተጸሎት ሕዝንት ድንግል ማርያም ንመራሕቲ ሃገራት ናይዞም ቅዱሳን ተቀቢሎም ሰላምታ ኣብ ዝተለዋወጡሉ ግዜ ‘እዞም ቅዱሳን እዚ ንሃገራትኩም ኣብ መንፈሳውን ማሕበራውን ዕብየት ሓጊዞም እዮም’ ኣመስጊኖም ስለዝነበሩ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ንእንግሊካዊት ቤተክርስትያን ወኪሎም ኣብቲ ሥርዓት ንዝተሳተፉ ልዑል ምስጋና ኣቅሪቦም ከምኡን ነቶም ንዕለት ኣቦ ዘኽብሩ ደቂ ሃገረ ፖላንድ ኣመስጊኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደገሙ።