ድለ

ንሃገረ ሶርያ ንጹሕን ቅኑዕን ግሉጽን ዘተ እዩ ዘገልግል! ር.ሊ.ጳ

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ሶርያ ብዝተወለዔ ውግእ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ እንክግደዱ ኣብ መንጎ እዚኦም ከኣ ብዙሓት ሥድራቤታ ክርስትያን ከምዘለው እንክግለጽ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሃገር እንኮ መገዲ ንጹሕን ቅኑዕን ግሉጽን ዘተ ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቅዳሴ ፈጺሞም ጸሎተ እግዚእብሔር ምስ ደገሙ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ምልስ ኢሎም ስለ እታ ፍቅርት ሃገረ ሶርያ ክጽለ ኣዘኻኺሮም።

“ሃመይን ቀልበይን እንደገና ናብ ማእከላይ ምብራቅ እዩ ዘሎ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ እታ ፍቅርቲ ብዙሕ ኣደራዕ ዝወረዳን ሃገረ ሶርያ ሎሚውን ዘሕዝን ዜና ካብእ ይውሕዝ ስለዘሎ ዕጭእ ናይቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ዝርከቡ ሕዝቢ ብዝተገብረ ውግእ ብዙሕ ተናዊጹ ከምዘሎ እዩ። ኣብ መንጎ እዚኦም ብዙሕ ሥድራቤታት ክርስትያን ኣለው። ንኩሎም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢድ ዘለዎምስ ይኹን ዓለምሓቆፍ ማሕበረሰብ ዳግም ዘቅርቦ ልመና በጃኻትኩም ደጊመ ክምሕጸነኩም ብንጽሕናን ቅንዕናን ግሉጽነትን ንመንገዲ ዘተ ተኸቲልኩም ወሳኒ ፍታሕ ክትረኽቡ እምሕጸነኩም ኢሎም።”

ኣብ ዜናታት ከምዝተገልጸ ልዕሊ 400 ሺሕ ሰባት ሓገዝን ጸግዕን እንከድልዮም ድሮ ኣብ ኣል ሆልን ኣሪሻን ዝርከብ መዕቆቢ ስደተናታት ዘለው ልዕሊ 82 ሺሕ ሰባት ምስቶም ኣብ ዞባ ሓሳከ ዝነብሩ ሕጽረት ማይ ከምዘለዎም ይግለጽ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝዘከርዋ ሃገር ኤኳዶር ኰይና ምስቶም ኣብ ሲኖዶስ ኣማዞን ዝሳተፉ ደቂ እቲ ከባቢ ኰይኖም ከምዝጽልዩ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ንዞባ ፓንኣማዞን ወኪሎም ዘሎው ብፍላይ ከኣ ካብ ኤኳዶር ዝመጹ ጳጳሳትን ኣባላት ሲኖዶስ ጳጳሳትን ኰና ኣብዘን መወዳእታ ሳምንታት ኣብ ኤኳዶር ዝፍጸም ዘሎ ብዓቢ ሻቅሎት ንከታተሎ ኣሎና። ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ጸሎት ኩልናን ኣማልድነት እዞም ሓደስቲ ቅዱሳንን ኣማዕቊቦ ኣሎኹ። ኣብ ሥቃይ መወትን ውጉኣትን ተበታትኖም ጠፊኦም ዘለውን ከምዝሳተፍ እገልጽ። ተኣፈፍቲ ወገን እቲ ሕዝብን ድኻታትን ምናዳ ኸኣ መሰል ደቂሰባት ከይግሃስን ሓፈሻዊ ሰላም ንክድለ ኣተባብዕ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 October 2019, 16:24