ራትዚንገር ንሓደስቲ ካርዲናላት፡ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እሙን ምዃን ዘለዎ ክብሪ ሓደራ ክይትዝንግዑ

ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ባሪዀም

ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ቐትሪ ንዝሰመይዎም 13 ሓደስቲ ካርዲናላት መሪሖም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ንኸላልይዎም ናብቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዝቕመጥሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኸዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ክፉት ስነ ስርዓት ስሜት ብፁዓን ካርዲናላት ፈጺሞ ነቶም 13 ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ናብቲ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን መሪሖም ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምዘላለይዎም ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓጺር ናይ ሰላምታን ምልላይን ስነ ስርዓት፡ ራትዚንገር ነቶም ሓደስቲ ካርዲናላት፡ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እሙን ምዃን ዘለዎ ክብሪ ኣዘኽኺሮም፡ ብሓባር ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ቡራኬ ከምዝሃቡን ካብ በነዲክቶስ መበል 16 ተፋንዮምን ቅዱስ ኣቦና ናብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ተመልሱ፡ እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ናብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽን ኣስዒቦም እውን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ንኽብሪ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።

ራትዚንገር ንሓደስቲ ካርዲናላት
07 October 2019, 14:15