ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፥ ኣማዞን ኣብ የዕንትን ልብን ር.ሊ.ጳ.

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን

ብዙሓት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ከቢድ መስቀል ተሰኪሞም ዝጓዓዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ነቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብወግዒ ንኸበሱ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣብ ከባቢ ኣማዞን ሕይወቶም ምስ ዝሰውኡ ናይቲ ዝተቐበልዎ ናይ ፍቕሪ ሓዊ ህያው ንምግባር ሓቢሮም ንኽጓዓዙ ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

07 October 2019, 16:13