ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ሲኖዶስ ንኽጽለይ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ሲኖዶስ ንኽጽለይ ይዕድሙ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ ሲኖዶስ ንኽጽለይ ይዕድሙ

ንሰለስተ ሰሙን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይኖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ምስ መንፈሳውያን ንጋዶ ሓቢሮም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ስለ እቲ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣምዞን ዝመክር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኵሉ ክጽልይ ክዕድሙ እንከለዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵሉ ምእንቲ እቲ ሲኖዶስ ክጽልይ ሓደራ ቢሎም፡

ንሰለስተ ሰሙን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከይኖም፡ ብዛዕባ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምንቕቓሕ ኵለንተናዊ ምህዳርን ኣብ ኣማዞን ከስተንትኑ እዮም፡ ስለዚህ እዚ ኣገዳሲ ቤተ ክርስቲያናዊ ኩነት’ዚ ብሕውነታዊ ሱታፌን ነቲ ንምስክርነት ወንጌል መገድታት ንዝሕብር መንፈስ ቅዱስ ልሙእ ብምዃን ክንበርዎ መታን ብጸሎትኵም ንኸተሰንይዎ እላበው፡

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።  

 

 

07 October 2019, 15:41