ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብነት ኵሉ ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን

ኣብነት ኣብ ኵለንተናዊ ምህዳር

ሎሚ ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላዚያዊት ከተማ ኣልባኖ ብምኽንያት ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልው ናይ ጐደና ሰኣልን ሙያተይና ስነ ቅብእን ማውሮ ፓሎታ ነዚ ምብጻሕ’ዚ መዘከርታን ቅዱስነቶም ብዛዕባ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘለዎም ሓልዮትን ንኽንክን ምህዳር ዘካይድዎ ጐስጓስን ዝህብዎ ትምህርትን ዝሕብር ኣብ ዓቢይ መንደቕ ናይ ሓደ ሕንጻ ከዝምዝቐባኡ ክፍለጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብነት ኣብ ኵለንተናዊ ምህዳር ኣብነት ኵሉ ብዝብል ኣርእስቲ ከተማ ኣልባኖ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘነቓቕሕዎ ኵለንተናዊ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝገልጽ ኣብዚ ከይዲ’ዚ ዕቃበን ክንክንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዓቢይ ኣብነት ምዃኖምን ነቲ ኣብ ኣልባኖ ዘካይድዎ ምብጻሕን ምኽንያት ብምግባር ናይ ስነ ቅብእን ንድፍን ሙያተይና ማዉሮ ፓሎታ ብስነ ጥበባዊ መጸውዕ ስሞም ብማውፓል ዝፍለጡ ኣብ ዝተፈለለየ ክፍለ ከተማ ሮማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣገልግሎትን ዝገልጽ ኣብ መናድቕ ብስነ ቅብኢ ኣሳእል ዝቐብኡ እዮም።

ኣብ ፊት ካቴድራል ቅዱስ ፓንክራዚዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣልባኖ ሰበኻ ቤት ምሕደራ ሕንጻ ደጋዊ ክፍሊ ኣብ ዘሎ ዓቢይ መንደቕ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ዝተበከለ ከባቢ ኣየርን ሰማይን ከጽርዩ እንከለዉ ዘርእይ፡ ንኽንክንን ዕቃበን እንነብረሉ ዓለም ንዅሉ ኣብነት ብምዃን ሓደራ ዝብል ጻውዒት ዘቕርብን ንፍጥረትን ተፈጥሮን ዘለዎም ዓቢይ ተገዳስነት ዝትርኽ ስነ ቅብኢ እዩ።

ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ዝገበረ ስእሊ

እቲ ኣብ መደቕ ናይ ኣልባኖ ሰበኻ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ሕንጻ መንደቕ ዝተሳእለ ስእሊ፡ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ብኢደ ሰብ ዝተበከለ ሰማይን ከባቢ ኣየርን ኩሉ ከጽርዩን፡ እቲ ንብርሃን ጸሓይ ዝጋርድ በካሊ ኣየር ኩሉ ኣልዮም ንሰብኣዊ ፍጥረት ንጹሕ ተፈጥሮ ከረክቡ እንከለዉ ዝሕብርን ናይ ቅዱስነቶም ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝትንትን እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብነት ኵሉ ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን
21 September 2019, 09:38