ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማዳጋስካራውያን፡ ቅድስናኹም ወትሩ ኣብ ልበይ እዩ ኢሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካን ሞሪሸስን ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ቅድም ክብል ናብ ሞዛምቢክ ከምዘመሓላለፍዎ ናይ መስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሎሚ ዕለት 3 መስከርም ናብ ሃገረ ማዳጋስካር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ናብታ ብተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ዝተዓደለት ሃገር ንኽበጽሑ ዘለዎም ልባዊ ሃረርታን ናይታ ሃገር ሕዝቢ ቅድስናን ወትሩ ኣብ ልቦም ምዃኑ ገሊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 መስከረም 2019 ዓም.  ኣብ ሞዛምቢክ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ንኽበጽሑ መደብ ከምዘለዎምን፡ ሕዝቢ ማዳጋስካር ንኽቕበሎም ንዘካይዶ ዘሎ ውፉይ ምድላዋት ምኽንያት ኣመስጊኖም፡ ንሕዝቢ መዳጋስካር ኣብ እምነት ከጽንዑን ካብ ናይቲ ሕዝቢ እምነት እውን ገዛእ ርእሶም ናይ እምነት ጽንዓት ክጽገዉን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ማዳጋስካር ክርከቡ ምዃኖም ይሕብሩ።

ኣብቲ ብቋንቋ ጣልያንይና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥

ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ማዳጋስካራውያን ቢሎም፡

ኣብ ሓጺር እዋን ብጸጋን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ኣብ ማእከልኩም ክርከብ እየ! ኣቐዲመ እውን ካብዛ ሰዓት እዚኣ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም፡ ብዘካይዶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ስለ ዘካየድክምዎን እተሳልጥዎን ዘለኹም ምድላዋት ኩሉ አመስግን፡ ብፍላይ ብውልቂ ኮነ ከም ስድራ ቤትን ኣብ ቁምስናዊ ማሕበረሰብን ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ መአረምን እውን ስለ ጸሎትኩም አመስግን፡ ጸሎት ዶብ ኣልቦ እዩ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ሃገርኩም ጥራሕ ምብጻሕ ዘካይድ እውን እንተዀነ፡ ብጸሎተይ ንዅላትኵም ከምዝበጽሓኵም ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡ ንዅላትኩም ናይ እግዚኣብሔር ቡራኬ እምሕጸን

ምስ በሉ ኣስዒቦም፥

ክቡራት ማዳጋስካራያውያን ፈተውተይ፡ መሬትኩም ብዝተዓደሎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ውሩይ እዩ፡ ምእንቲ እዚ “ይሴባሕ’ ንብል፡ ብዓብይ ሓልዮትን ሕብሓበን ክንዕቅቦ ሓላፍነትና እዩ፡ ብተዛመድ እዚ ጽባቔ’ዚ ኣብ ልቢ ክርስቶስን ኣባይ እውን ዘሎ ጽባቔ ሕዝብታት እዩ፡ ማለት ቅድስናዅም እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ እምነት ንኸጽንዓኵምን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ኣብ እምነት ንኸጸንዕ ክበጽሓኩም እየ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነዚ ንኽንጽገው ተብቅዓና፡ የቐንየለይን የራኽበናን!

ቢሎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማዳጋስካራውያን
03 September 2019, 17:27