ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም

ከምቲ ልሙድ ነተን ናይ ነፋሪት በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት መራሕ ናይ ተለግራም መእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ማዳጋስካር ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ነተን ናይ በረራ ዶባተን ዘቋረጹለን ሃገራት ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንናይ ማዳጋስካ ርእሰ ብሔር ኣንድረይ ራጀሊናን ሕዝብን ስለ እቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እንገዳን ኣመስጊኖም፡ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ነታ ሃገን ሕዝባን ይባርኽ እንክብሉ ከምእተማሕጸኑን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ነተን ናይ ነፋሪት በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት መራሕቲ ሃገር ማዳጋስካርን ታንዛኒያን ከኒያን ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስርን ግሪክን ኢጣሊያ ናይ ተለግራም መእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ቅዱስነቶም ነተን ሃገራት ሰላምን ስኒትን ማሕበራውን ሰብኣን ምዕባለን ተመንዮም ሓልዮት እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም
11 September 2019, 09:19