ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀዳማይ ዋዕለ ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀዳማይ ዋዕለ ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነትን 

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀዳማይ ዋዕለ ሽማግለ ንሰብኣዊ ሕውነትን

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣባላት ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተራኺቦም ንነፍሲ ወከፍ ኣባላት ብሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ቫቲካን ዝተዳለወ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዝለገሱን፡ ነቶም ኣባላት ኣመስስጊኖም ኣብ ዕዮኦም ኣሳልጦ ተመንዮምን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ምስ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብኽታሞ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዘጽደቕዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ዘንብሮም ሸቶ ንኽትግበር ዝዓዪ ናይ ላዕለዎት ተቕዋማት ሽማግለ ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተቐቢሎም፡ እቲ ሽመግለ ንዘካይዶ ዘሎ ጻዕርን ምርምርን ኣበራቲዖም፡ እቶም ናይቲ ሰብኣዊ ሕውነት ሽማግለ ኣባላት ስለ እቶም ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ ኑው ዮርክ ብዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራ ዝተቐትሉን ብሓፈሻኡ ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብረ ሽበራ ስለ ዝተቐትሉ ኵሎም ጸሎት ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዝቖመ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይሾትን ብናይ ቅዱስ ኣቦና ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኒስ ላሕዚ ጋይድን እትውከል ክትከውን እንከላ፡ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ከኣ ብዶክተር ሞሓመድ ሑሲን ኣብደልዓዚዝ ሓሳንን ብሞሓመድ ማሕሙድ ኣብደል ሳላም ዳይናን ናይ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ነበር ኣማኻርን ኤሚራት ዓረብ ብናይ ኣቡ ዳቢ ሓልዮ ባህሊ ኣቦ መንበር ሞሓመድ ካሊፋ ኣል ሙባራክን ብጋዜጠይናን ደራስን ያሰር ሳኤድ ኣብዱላ ሃረብ ኣልሙሃይሪንን ብናይ ዓቢይ ናይ ቤት ምኽሪ ጉጅለ ሃይማኖት ምስልምና ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሱልጣን ፋኢሳል ኣል ካሊፋ ኣል ረመይቲንእትውከል ከምዝዀነት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣባላት ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተራኺቦም ንነፍሲ ወከፍ ኣባላት ብሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ቫቲካን ዝተዳለወ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዝለገሱን፡ ነቶም ኣባላት ኣመስስጊኖም ኣብ ዕዮኦም ኣሳልጦ ተመንዮምን ኣስዒቦም ናይ ሕውነት ኣንጠረይና ኩኑ፡ እዚ ናይ ሓድሽ ፖለቲካ ኣናስር ክኸውን ማለት ናይቲ ኢዱ ንሰላምታ ዝዝርግሕ ጥራሕ ዘይኰነ ናይቲ ንኸአንግድ ልቡ ናይ ዝኸፍት ፖለቲካ ኣናስር ንኽኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

እቶም ኣባላት ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐኛ ፓራ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ብቐጥታ ኣኼባኦም ከምዘበገሱን ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጕይሾት ናይታ ሽማግለ ኣቦ መንበርን ሞሓመድ ማሕሙድ ኣብደል ሳላም ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ከምእተሓርዩን። ናይ ወሳኒ ድርገት ኣባላት ንኽኰኑ ብፁዕ ኣቡነ ዮኣኒስ ላሕዚ ጋይድን ያሰር ሳኤድ ኣብዱላ ሃረብ ኣልሙሃይሪንን ሱልጣን ፋይሳል ኣል ካሊፋ ኣልረማይቲ ከምእተሓርዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ናብቲ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሽማግለ ዘቕረብዎ እንገዳን ኣቀባብላን ከምኡ እውን ነቲ ሽማግለ ምሉእ ድጋፍ ንዝገለጹ ንልዑልነቶም ሙሃማድ ቤን ዛይድ ከምዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 3 ወይ ውን ዕለት ሓሙሽተ ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝሕሰበሉ ዕለት ክውሰን ዝብል ሓሳብ ንውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከቕርብ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብተወሳኺ እውን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ኣባላት ናይዚ ሽማግለ ኣባላት ንኽዀኑ ከምዝዓደመን፡ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት ሓደ ዝተዛዘመ ቀዳማይ ዋዕላ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ቀጻሊ ኣኼባኡ ዕለት 20 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ንኽካየድ ከምዝወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት እታ ሽማግለ ንናይ ዕለት 11 መስከረም ግዳይ ግብረ ሽበራ ንዝዀኑ ኵሎም ከከም ሃይማኖቱ ጸሎተ ተዝካር ከምዝፍፈጸመ ይሕብር።

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቀዳማይ ዋዕለ ሽግማለ ንሰብኣዊ ሕውነትን
12 September 2019, 17:29