ልግሲ ምእንቲ ንውህደት ቤተ ክርስቲያን

ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ብምኽንያት መዛዘሚ ናይ እምነት ዓመት ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ መበረ ታቦት እቲ ኣብ ናይ ግሊ ቤተ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ዝተዓቀበ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ዝተነብሮ ሳጹን ንጸሎትን ኣስተንትኖን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ጭራም ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር ስፍራ ካብ ዝተዓቀበ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ምእንቲ ንውህደት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ትርጉም ዘለዎ ምዃኡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተወኪሰን ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ጥንታዊ ናይ ክርስትና እምነት ሕመረት ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ስፍራ ድህረ-ባይታ ዘሎ ናይቲ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጴጥሮስ እምነትን ናይ እምነት ብርሃን ዝምክር ቅዱስ ትሩፋት፡ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ምዃኑ ዝተረጋገጸን 19 ዝተጨራረፈ ቅዱስ ዓጽም ዝተነብሮ ኣብ ንእሽተይ ሳጹን ዝተዓቀበ ኰይኑ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቑልቑል ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝተቐትለ ከምዝዀነ ዘረጋግጽን ናይዚ ናይ እምነት ሰማዕት ቀዳማይ ጳጳስ ዘሮማ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጴጥሮ ቅዱስ ዓጽም እምነቱን እምነት ቤተ ክርስቲያንን መስካሪ እዩ።

ፒዮስ መበል 12 ኣብ 1939 ዓ.ም. ብዝነበሮም ጽኑዕ ድላይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ባዕቲ ናይ ስነ ጥንትን ቅርስን መጽናዕትን ምርምርን ድልያ ክካየድ ወሲኖም ምስ ኣብቅዑ፡ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተበገሰ ድልያ ቅርስን ጥንታዊ ታሪኽ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መቓብር ስፍራ ተለልዩ ክርከብ ከምዝገበረ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ጥንቲ ምርምርን ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋጽ። ኣብ 1952 ዓ.ም. ፍሉይ ዓጽም ዝተነሮ ሳጹን ተረኺቡን እቲ ጴጥሮስ ኣብዚ እዩ ዝብል ብግሪክ ቋንቋ ዝተጻሕፈ ቃል ንገዛእ ርእሱ እቲ ዓጽም ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኑ ይምስክር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ገጸ በረከት ዓቢይን ቅዱስን ጭራፍ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣስተንፍሶ ዝዓቖረ እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ካብቲ ዝተረኽበ 19 ጭርፍራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ትሽዓተ ጭርፍራፍ ተፈልዩ ኣብ ሓደ ንእሽተይ ብነሓስ ኣብ ዝተሰርሔ ሳጹን ተገይሩ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ግሊ ቤተ ጸሎት ክንበር ከምዝገበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይሕብር።

ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ብምኽንያት መዛዘሚ ናይ እምነት ዓመት ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግሉ መበረ ታቦት እቲ ኣብ ናይ ግሊ ቤተ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ዝተዓቀበ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ዝተነብሮ ሳጹን ንጸሎትን ኣስተንትኖን ከምዘቕረብዎ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ እምነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገልጽ ቅዱስ ዓጽም ተልእዀ ጴጥሮስ፡ ነሕዋት ኣብ እምነት ምጽናዕ ዝብል ምዃኑ ዝምስክርን እውን ኰይኑ፡ ቅዱነቶም ሓደ ጭራም ናይቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ንፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከምዝለገሱን፡ ናይዚ ህያብ’ዚ ምኽንያት ከኣ ባዕሎም ቅዱስነቶም ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ጐድኒ ሓዉ እንድሪያስ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ ብኢየሱስ ዝተጸውዐ ቀዳማይ ደቀ መዝሙር ክንበር ዝብል ምዃኑ ይሕብሩ።

ጴጥሮስን እንድሪያስን፡ ኣብዚ ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝዀነ ባህሊ ኣብ ዝህነጸሉ ዘሎ እዋን ንሰብኣዊ ስድራ ቤተ ናብ እግዚኣብሔር ንኸብል መታን ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጉዕዞን ጸሎትን ብሓባር ኰይኖም ይባርኹ፡ እዚ ናይ ሮማን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ወቅዱስ ኣታናጎራን ዝተኻየደ ርክብ ዘርእይን ጳውሎስ ሳድሻይ ጭራፍ ቅዱስ ዓጽም ቅዱስ ጴጥሮስ ንፓትሪያርክ ኣታናጐራ ንኽልግሱን ኣታናጎራ እውን ብወገኖም ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ እንድሪያስን ተሓቛቚይፎም ዘርእይ ቅዱስ ምስሊ ንኽልግሱ ዝነበረ ድላይ ኣቕሪቡ ዘርእይ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ቅዱሳት ትሩፋ ህያብ ምልውዋጥ ዝነበረ ናይ ርሑቕ ድላይ ሎሚ ተፈጺሙ።

ልግሲ ምእንቲ ንውህደት ቤተ ክርስቲያን
14 September 2019, 17:30