ድለ

Vatican News
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ርህራሄ ሰውራ ንምስታፍ ፍርሒ ኣይሃልዅም ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ርህራሄ ሰውራ ንምስታፍ ፍርሒ ኣይሃልዅም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ርህራሄ ሰውራ ንምስታፍ ፍርሒ ኣይሃልዅም

ጉዕዞዅም መጻኢ ብሓባር ንኽትጥምቱ የሰንየኵም፡ ንገዛእ ርእስኹም ኣብ በይናውነት ምጥማት ዘይኰነ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዘስተምህረና፡ ህልው ይዅን መጻኢ ናትካ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ‘ንስኻትኩም ናይ ክርስቶስ ኢኻትኩም፡ ክርስቶስ እውን ናይ እግዚኣብሔር እዩ’፡ ንስኻትኵም ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት 11.40 ኣብ ፖቱጋል ናይ ኣባ ዳቪድ ደ ኦሊቨይራ ማርቲነስ ማሕበራዊ ማእከል ዝእንገዱ መንእሰያት ኣብ ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ርህራሄ ሰውራ ተሳታፍያን ኣብ ምዃን ፍርሒ ኣይሃልዅም ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ ቃለ ንዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሓምሳታት ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ብራጋ ዘኽታማት ዝዀኑ ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ኣልቦ ወለድን ስድራ ቤትን ዝዀኑ ንምእላይ ብዝብል ዕላማ ኣባ ዳቪድ ደ ኦሊቨይራ ማርቲንስ ዝተመስረተ መእለዪ ዘኽታማት ዝእለዩ ንምቕባል ካብ ዝብል ዓቢይ ድላይ ነቒሎም ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ንጐሆ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶምን ንዅሎም ሰላምታ ብምቕራብ ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥

ነዞም በቲ ናይቲ መእለዪ ዘኽታማት ዋና ኣመሓዳሪ ብኣባ ማኑኤል ዦኣኪም ንዝተሰነዩ 60 መንእሰያት፥

ካብ ሮማ ንዅሎም ነቶም በቲ መእለዪ ዘኽታማትን ብኻልኦት ተመሳሳሊ መእለዪ ንዝእለዩ ኵሎም ዘኽታማትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ድኻታትን ሰላምታይ ኣብጽሑለይ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ ልኡኻት ኢኻትኵም እሞ ንኣይ ብዘለኵም ፍቕሪ ነቶም ነኣሽቱ ናባይ ንኽመጹ ስለ ዝገበርኵም የቐንየለይ፡ የቐንየለ ኣባ ማኑኤል ዥዋኪም!

ክርስቶስ ህልውን መጻእን ንምግጣም መፍትሒ እዩ

ብኣባ ማኑኤል ዥዋኪም ተሰንዮም ንዝመጹ 60 መንእሰያት፡ ቅዱስ ኣቦና ከም ኣፍቃርን ጽኑዕን ኣቦ ነቶም መንሰያት ልባቶም ናብ መጻኢ ተስፋ ከርህዉን ናይ ሕይወቶም ትርጉም ንኽርድኡን ሓደራ ቢሎም፡ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ምሳና ዝጓዓዝን ዝመርሓናን ክርስቶስ ህልውን መጻእን ንምግጣም መፍትሒ ምዃኑ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፥

ጉዕዞዅም መጻኢ ብሓባር ንኽትጥምቱ የሰንየኵም፡ ንገዛእ ርእስኹም ኣብ በይናውነት ምጥማት ዘይኰነ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዘስተምህረና፡ ህልው ይዅን መጻኢ ናትካ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ‘ንስኻትኩም ናይ ክርስቶስ ኢኻትኩም፡ ክርስቶስ እውን ናይ እግዚኣብሔር እዩ’፡ ንስኻትኵም ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም፡ እዚ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ናታትኩም ጥልቂ ታሪኽ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ መጻኢ እትገጥምሉ መፍትሒ ንሱ እዩ፡ ኣብ ጸሎት ወትሩ ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም፡ ኣብ ምክንኻን ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ትሑታትን ናይ ክርስቶስ ኢኻትኵም፡ ኣብቲ ንሱ ኣብ ዝጽውዓኵም ናይ ርህራሄ ሶውራ ተሳታፍነት ንኽህልወኩም ኣይትፍርሑ፡ ክርስቶስ ምሳዅም ሓቢሩ ይጓዓዝን የሰንየኵምን!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ልኡኻት ምሕረትን ርህራሄን

ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳኖም፡ ሓደራ ብዝብል ናይ ኵሉ ክኸውን ዘለዎን ብተመሳሳልነት ኵሎም መንእሰያት ሕይወቶም ከወፍዩሉ ዝግብኦም፥

ሕሉፍ ታሪኽኵም ንሕይወትኩም ክውስኖ ኣይትፍቀዱ፡ ብዓቢይ ሓንቀውታ ሃረር ምባል፡ እቲ ሃረር እትብልዎ ንምዕታር ጻዕራማትን ተጋደልንትን ኵኑ፡ ሓደ’ኳ ካባኻትኩም በይናውነት ከይስምዖ፡ ነፍሲ ወከፍና ብክርስቶስ ኣምሳልን ኣርኣያን ዝተፈጠርና ንብጻይና ቀረባ ምዃን ስለ ዝግብኣና፡ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረቱን ርህራሄኡን ፍቕሩን ናብ ካልእቶ እተብጽሑ ንኽትኰኑ የብቅዓኩም

ቢሎም ሃዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ርህራሄ ሰውራ ንምስታፍ ፍርሒ ኣይሀልዅም
28 September 2019, 18:25