‘ብሓገዝ ሕክምና ዝካየድ ምሕልፍ ሕይወት(Euthanasia)፡ ኢሞራላዊ ሥነሓሳብ ምዃኑ` ር.ሊ.ጳ. ‘ብሓገዝ ሕክምና ዝካየድ ምሕልፍ ሕይወት(Euthanasia)፡ ኢሞራላዊ ሥነሓሳብ ምዃኑ` ር.ሊ.ጳ. 

ምሕካም መንሽሮ ሰብ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ. ንኪኢላታት ሕማም መንሽሮ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ንኢጣልያውያን ኣባላት ማሕበር ኪኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና መንሽሮ ረኺቦም ኣብ ዘዘራረብሉ፡ ‘ብሓገዝ ሕክምና ዝካየድ ምሕልፍ ሕይወት(Euthanasia)፡ ንወድ ሰብ ብዓይኒ ኣበርክትኡ ጠሚቱ ንህላዌኡ ዝውስን ኢሞራላዊ ሥነሓሳብ ምዃኑ` ኣዘኻኺሮምም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኢጣልያዊት ማሕበር ኪኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና ስነ-መንሽሮ ኣብ 1973ዓምፈ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ንሕሙማት መንሽሮ ንምሕካም ዝቖሙ ማሕበራት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ንማሕበር ሞያውያን ኪኢላታት ሕማም መንሽሮ፡ ኣብ ዝሃብዎ መልእኽቲ ʽነቲ ብቀጻሊ፡ ንሕማም መንሽሮ ብዝበለጸ ንምፍዋስ ብዝብል ሓሳብ እትገብርዎ ጻዕርን መጽናዕትታትን ኮነ፡ እተተኣታትውዎም ሓደስቲ ሜላታትን መድሃኒታትን እናመስገንኩ፡ ንወድሰብ ንምሕጋዝ እትገብርዎ ኩሉ ስራሓት አተባብዕ፡ ጻዕርኹም ብዝበለጸ ከተሕይልዎ ከኣ እላቦʼ ብምባል ናይ ምስጋናን ምትብባዕን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ምምዕባል ርክባት

ቅድስነቶም ብዛዕባ ሓባራዊ ረብሓን ጥቕምን ኣመልኪቶም ʽጽቡቕ ዝኾነ ርክብ ምምዕባል ሓደ ካብቶም ንሓባራዊ ጥቕሚ  ዘውሕስ ኣገባብ እዩ!ʼ ክብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰብ ሞያ ጥዕና’ቲ ሕማምን ግዳያቱን ኣብሪሆም። ንሶም ኣስዒቦም ʽኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ብሓባር ምስታፍ ማለት፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዓቢ ምልክትን ሓያል መልእኽትን ናይ ምሕዳስ ሕድሕዳዊ ሕውነትን ምትሕግጋዝን እዩʼ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ናይ ምሕረት ሥነፍልጠት መንሽሮ

ሃገራዊ ማሕበር ኪኢላታት ሰብ ሞያ ስነ-መንሽሮ ኣብ ዝገበርዎ ጉባኤ ʽዝበለጸ ሕክምና ንነፍስወከፍ ሕሙምʼ ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዘካየድዎ እንክንገር፡ ቅድንስነቶም ከኣ፡ ነቲ ከሳብ ኣብ ውልቀ ሰብ ደረጃ ወሪድካ ዝግበር ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ነቲ ሕማም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ግዳይ ወይ ሕሙም ምስ ኩሉ ምልክታቱ ከይተረፈ፡ ኣተኩሮ ስለዝህብ ʽናይ ምሕረት ስነ-ፍልጠት መንሽሮʼ ኢሎም ከምዝሰመይዎን፡ እዚ ዓይነት ስነ-ፍልጠት፡ ኪኖው መስርሕ ሓሊፉ፡ ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ኣብ ኣገልግሎት ደቂ ሰባት ምውዓል ከምዘስምዕ ገሊጾም።

ቴክኖሎጂን ምሕረተ-ቅትለትን

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ʽተክኖሎጂ ንወድሰብ ናብ ኣቕሓ እንተ ኣውሪድዎን፡ ወይ’ውን፡ ንደቂ ሰባት ክፍወሱ ዘለዎምን ዘይብሎምን ኢሉ ዝውስን ካብ ኮነ፡ ሰብ ድኣ’ዩ ንቴክኖሎጂ ዘገልግል ዘሎ’ምበር ተክኖሎጂ ኣይኮነን ንሰብ ዘገልግል ዘሎʼ፡ ምእንቲዚ’ምበኣር ʽሽሕ`ኳ ምሕረተ-ቅትለት ብኸፊሉ ንናጽነት ውሳኔ ወድሰብ ዘንጸባርቕ እንተመሰለ፡ እቲ ሓቂ ግን ነቲ ʽህላውነት ናይ ዝኾነ፡ ኣብ መንነቱ ዘይኮነ ኣብ ዝገብሮ ኣበርክቶ እዩ ዝውሰንʼ ዝብል ኢሞራላዊ ስነ-ሓሳብ ተገዛኢ ምዃን እዩ ዘስምዕʼ ኢሎም።

ጥዑይ ኣከባቢ

ኣብ መወዳእታ ንኣፈዋውሳ’ቲ ሕማም ኣመልኪቶም ቅድስነቶም ʽእቲ ዝበለጸ ፈውሲ`ምበኣር ጥዑይን ንጹሕን ዝኾነ ኣከባብን፡ ንኣካል ወድሰብ ዘኽብር ኣነባብራ ሕይወትን ሕግታትን ምስ እንኽተል እዩ።ʼ ንኣከባቢ ምክንኻንን፡ ኣንጻር ሕማም መንሽሮ ምቅላስን ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሽግር ኮይኖም፡ ተመላሊኦም ብምቅላስ ንሰብኣዊ ክብሪ ወድሰብን ምዕባሌኡን፡ ዝሕግዙ ዓበይቲ ረቛሒታት እዮም። ʽበዚ ምኽንያት ኢና’ምበኣር ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለም ክንከናኸናን ከነኽብርራን ዘሎናʼ ብምባል ሓሳቦም ኣጠቓሊሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 September 2019, 19:05