ር.ሊ.ጳ.፥ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ኣብ ዑቕባ ሰማየ ቤት ሓድሽ ኣድማስ ምብጻሕ ኣካይዶም ር.ሊ.ጳ.፥ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ኣብ ዑቕባ ሰማየ ቤት ሓድሽ ኣድማስ ምብጻሕ ኣካይዶም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ኣብ ዑቕባ ሰማየ ቤት ሓድሽ ኣድማስ ምብጻሕ ኣካይዶም

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ማእከል ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን በጺሖም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓድሽ ኣድማስ ከምዝበጽሑ ምስ ተሰምዔ ኣብ ኣፈት እቲ ቤት ዑቕባ ሰማየ ሕዝቢ ተኣኪቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብኪያራ ኣሚራንተ ዝተመስረተ ዑቕባ ሰማየ ሓድሽ ኣድማስ ማሕበረሰብ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ማሕበረሰብ ምኽንያት ዓቢይ ሓሴት ከምዝዀኖ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ከተማ ፍሮሲኖነ ናብ ዝርከብ ኣብ 1993 ዓ.ም. ብኪያራ ኣሚራንተ ኣብ ጸገምን ከበድ ሕይወትን ንዝርከቡ ጽን ዝበሃለሉን ድጋፍ ሕይወት ዘቕርብን ዘኽታማት ስድራ ቤታዊ መንፈስ ንኽረኽቡ ዝድግፍ ነዞም ኣሕዋት ምሉእ ድጋፍ ብምቕራብ ኣብ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ ስፍራኦም ተዓዊቶም ሕይወቶም ንኽመርሑ ዝድግፍ ቤት ዑቕባ ሰማየ ሓድሽ ኣድማስ ማሕበረሰብ ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ እዚ ነቶም ብስጋን ነፍስን ዝቖሰሉ ፈውሲ ቅብኣት ዘቕርብ ብኣደንዛዚ እጽዋት ድዩ ብጠላዕን ዝተለኽፉን ጽግዕተይና ዝዀኑን ኣብ ኣመንዝራነት ሕይወት ዝርከባን ዝርከቡን እቶም ከም ጓሓፍ ዝሕሰቡን ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ዝነብሩን ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ስድራ ዝተጠንጠኑን ሰብኣውን መፈሳውን ድጋፍ ዘቕርብ ማሕበረሰብ ከምዝዀነ ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ማእከል ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን በጺሖም፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓድሽ ኣድማስ ከምዝበጽሑ ምስ ተሰምዔ ኣብ ኣፈት እቲ ቤት ዑቕባ ሰማየ ሕዝቢ ተኣኪቡ ንኽራኸቦም ይጽበይ እውን ከምዝነበረን፡ ናብቲ ቤት ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘሰነይዎም ኢጣልያዊ ህቡብ ድምጻዊ ውሁድ ቅንይት ኣንድረያ ቦቸሊ ከምዝዀኑን ሰፒያ ገሊጸን።

ቅዱስነቶም ምስቲ ማሕበረሰብ ዘለዎም ቅርበትን ምትሕብባርን ጽኑዕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 8 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያ ናይቲ ማሕበረሰብ ዝኽሪ መበል 25 ዓመ ምስረታ ብስልኪ ንኣባላት እቲ ማሕበር እንቋዕ ንመበል 25 ዓመት ዝኽሪ ኣብቅዓኩም ከምዝበሉን ብምኽንያት እቲ በዓል ምስረታ ፍሮዚኖነ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ሰለስተ ሺሕ ምዕመናን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም ሓዋርያዊ ቡራኬ እውን ከምዝሃቡን፡ ብስልኪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ብመጸውዕ ስሞም ንኡሳን ሓሴት ብዝብል ብምጥቃም ቅርበቶም ድጋፎምን ገሊጾም ከምዝነበሩ የዘኻኽራ። 

ር.ሊ.ጳ.፥ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮም ኣብ ዑቕባ ሰማየ ቤት ሓድሽ ኣድማስ ምብጻሕ ኣካይዶም
24 September 2019, 16:15