ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”ንኣኣቶም ተኸፍተሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”ንኣኣቶም ተኸፍተሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”ንኣኣቶም ተኸፍተሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ

እንከሎ፡ ነቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም (ሉቃ. 24.45) ብዝብል ቃለ ወንጌል ኣንቂሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ከምዝወሰኑን ተሓቢሩ። ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ብኣጽንዖት ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተጐመ ቅዱስ ሄሮኒሞስ እተብዕለሉን ናይዚ ቅዱስ’ዚ መበል 1600 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ተሰኒዱ ንንባብ ከምዝበቕዔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዝሕብርዎ፡ ካብ ብዙሓት ምእመናን  ኣብ ቤተ ክርስቲያን በዓለ ቃል ኣምላኽ ንኽበዓል ዝብል ዝቐረበሎም ሓሳብ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም (ሉቃ. 24.45) ብዝብል ቃለ ወንጌል ኣንቂሎም፡ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሲኡን ምስ ደቀ መዛሙርቲ ሓቢሩ ህብስት ይፍትትን ኣእምሮኦም ንምስትውዓል ቃል ኣምላኽ ድማ ከፈተሎም፡ ነቶም ብፍርሒ ተዋሒጦምን ተደናጊሮምን ንዝነበሩ ምስጢረ ፋሲካ ይገልጸሎም፡ ከም መደብ ኣቦ፡ ኢየሱስ ሓሳረ መከራ ኺቕበል ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእን በስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን የወፍይ፡  ናይዚ ነገራት እዚ መሰካኽር ንኽዀኑ ካብ ላዕሊ እቲ ሓይሊ ዝዀኖም መንፈስ ቅዱስ ከምዝልእኸሎም ቃል ይኣትወሎም።

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ሃምነናዊ ድንጋገ መለኮታዊ ክስተት ኣብ ዝምልከት ውሳኔ ቃል ኣምላኽን ስዒቡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2008 ዓ.ም. ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕይወትን ተልእዀን ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽመክር ዝጸውዕዎ ሲኖዶስን ዝደረስዎ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ዘርእስቱ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያው ምዕዳንን፡ ንዳግማይ ርኽበትን ኣስተውዕሎን ቃል ኣምልኽ ዓቢይ ድርዀት ከምዝዀነን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝለገስዎ ድህረ ዲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን፡ ቃል ኣምላኽ ንማሕበረሰብና ኣዚዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ቢሎም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ ስርዓት ሊጡርጊያ ዘለዎ ቅዱስ ምስጢራውነት ባህርዩ ይገሃድ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተሰርተ ሕንጸት ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዘድሊ የዘኻኽሩ።

ሰንበት ቃለ እግዚኣብሔር ይብሉ ቅዱነቶም፡ ምስ ኣይሁዳውያን ዘሎና ምትእስሳር ዘሐይልን ምእምንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ንምጽላይን ዘተባብዕን እዩ፡ … ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት እውን እዩ።

ስለዚህ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ዓቢይ በዓል ኰይኑ ክበዓልን … ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ንምሕባርን ንምርግጋጽን ቅዱስ መጽሓፍ ንጉባኤ ምእመናን ብዝረአይ ኣገባብ ጐሊሑን ክብ ቢሉን ክቕመጥን … ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጳጳሳት ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ ምብሳር ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ንኽስትውዓል ስነ ስርዓት ነባቤ ይፍጽሙ። ምእመናን እውን ቃል ኣምላኽ ንምብሳር ብቑዕ ሕንጸት ንኽረኽቡ ክቀራረቡ ከዘለዎምን እዚ መሰረታዊ ጉዳይ’ዚ ከይዝንጋዕ ዘተሓሳስብ ዕለት እውን ክኸውን ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ይሕብሩ፡ … ብፍልዩ ውካሴ ኣብ መለኰታዊ ንባብ ዕለታዊ ምንባብ ቃል ኣምላኽን ምዕሟቕን ቃል ኣምላኽ ዘማእከለ ጸሎትን የተሓሳስቡ።

ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ውሑዳት ናይ ውርሲ ንብረት ወይ ውን እኩብ መጽሓፍ ንውሑዳት ኣይኰነን … ብዙሕ ግዜ ንሓደ ጉጅለ ወይ ውን ንውሑዳት ምሩጻት ከምእተዓደለ ብዘምስል ኣገባብ ክብሕትዎ ዝደልዩ ኣለዉ፡ ከምዚ ክኸውን የብሉን፡ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ። ካብ ምብትታንን ምግምማዕን ናብ ሓድነት ዘሰንይን ኣማንያን ዘዋህድን፡ ሓደ ሕዝቢ ዝገብርን እዩ።

ስብከትን ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽን ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ብምስትውዓል፡ ዝጠልቦም መቅርራብባትን፡ ኩሉ ቅዱስ መጽሓፍ ንኽርዳእን … ኵሉ ክርድኦ ዝኽእል ቋንቋ ዝጥቀም ስብከትን፡ … እታ ዕለት እቲኣ ምእመናን ጽባቔ ቃል ኣምላኽን ቃል ኣምላኽ ንዕለታዊ ሕይወቶም ዝምልከት እውን ምዃኑ ንኸስተውዕሉ ዝተባብዕሉን። … ከይተቐረብካን ከምዝመጻልካን ህሩግ ዝብል ስብከት ካብ ምቕራብ ምጥንቃቕን ሰባክንያን ዘሰልክይ ነዊሕ ስብከት ካብ ምቕራብ ንኽቑጠቡን … ዝተስተንተነን ዝተጸለየን ቃል ኣምላኽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ንልቢ ሰማዕቲ ዝዛረብን ዝትንክፍን ስብከት የህልው።

ቅዱነቶም ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ተወኪሶም፡ ኣብ መንጐ ቃል ኣምላኽን ቅዱስ ቁርባንን ዘይገሃስ ምትእስሳር ከምዘለሎ ኣብሪሆም፡ ቃለ እግዚኣብሔር ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍጻሜ ቃል ኣምላኽ ድሕነት ዝብል ኰይኑ፡ መንፈሳዊ ማዕቀኑን ትስብእትን ዘብርህ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ታሪኽ መጻሕፍትን ዜና መዋዕላትን እኽብካብ ዘይኰነስ ንናይ ኵለንተናዊ ድሕነት ሰብ ዘቕንዔ እዩ። ኣብ ታሪኽ ዝተሰርተ ምዃኑ ዘይከሓድ እውን እተዀነ ንድሕነት ሰብኣዊ ፍጥረት ዝብል ሸቶ ዘለዎ ከምዝዀነ ክዝንጋዕ የብሉን። …. ኵሉ ካብ ክፍኣተ መንፈስን ሞትን ንኸድሕንን ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ንኽራብን ዝወጽእ መደብ ድሕነት እግዚኣብሒር ዘረጋግጽ እዩ።

እዚ ሸቶ’ዚ ተበጻሒ መታን ክኸውን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እቲ ሰባት ብኣገባብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኸተምዎ ቅዱስ ምጽሓፍ ናብ ቃል ኣምላኽ ይልወጥ። ግደ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረታዊ እዩ። ብዘይ ተግባር መንፈስ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ሓደ ሰነድ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ … ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጸሓፎ ካልኣይ መልእኽቱ ጽሑፍ ይቐትል መንፈስ ግና ሕይወት ይህብ (2ቆር. 3,6) ከምዝብሎ።

ሲኖዶስ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ሃምነናዊ ድንጋገ ብዛዕባ መለኮታዊ ክስተት፥ ውሳኔ ቃል ኣምላኽ ኣብ ፍቕዲ 12 ቅዱስ መጽሓፍ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደርሰ ብምዃኑ ብሓገዙውን ክንበብ ኣለዎ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ግልጸት እግዚኣብሔር ፍጹምን ምልኡን እንተዀነ መንፈስ ቅዱስ ተግባራቱ (ዕዮኡ) ይቕጽል። ... ከምዚ እንተዘይከውን ግና ቅዱስ መጻሓፍ ናይ ዝተጸሓፈሉ ግዜን ናይ ጸሓፍቱን መጽሓፍ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። … ኣብ ተግባር መንፈስ ቅዱስ እምነት ክህሉን … ቤተ ክርስቲያን ብዘለዋ ስልጣን ክትትርጐሞን ክተስተምህሮን እንከላን ነፍሲ ወከፍ ምእመን ናይ መንፈሳውነቱ መምርሒ ገይሩ ክነብሮን ኣዚ ዅሉ ናይመንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። …

እቲ ኣብ መጐ ቃል ኣምላኽን ቋንቋ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሎ ርክብ ቅርጽን ትርጉምን ዝህብ ትስብእቲ ቃል ኣምላኽ እዩ። ብዙሕ እዋን ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ብሓድነት ናይ ግልጸት እንኰ ምንጪ ምዃኖም ካብ ዘይምርዳእ ፈላሊኻ ናብ ምርኣይ ፈተና ተብል፡ … ኣምነት ኣብ ቃል ኣምላኽ … ኣብ ሕያው ቃል እምበር ኣብ መጽሓፍ ኣይኰነን ዝስረት። ቅዱስ መጽሓፍ በቲ ዝጸሓፎ መንፈስ ቅዱስ ክንበብ እንከሎ ወትሩ ሓድሽ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። በዚ ኣገባብ’ዚ ናይ እዋንና ሰብ ምስ ኢየሱስ ንኽራኸብ ዕለት ብዕለት ቃል ኣምልኽ ዝምገብ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ምንፋቕን ኣብ ዘይተሰብአ ጦቢያዊ መጻኢ ፈተና ንኽይወድቕ  መታን ዕለት ብዕለት ቃል እምላኽ ይምገብ። ቃል ኣምላኽ ወትሩ ብሓድሽ መንፈስ ደቃቱ ኣብ ፍቕሪ መታን ንኽነብሩ ናብ ዝሓትት ናብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ፍቕሪ ዝጽውዕ ብምዃኑ ፍጹም ብተለምዶ ክንበር ከምዘይግባ ይምዕዱ። ቃል ኣምላኽ ካብቲ ዓጸባ ኣየርን መኻንነትን ወጺእካ ናብቲ ምክፋልን ምትሕብባርን ምንባር ዝብል ጐደናታት ንኸተምርሕ መታን የዕንቲ ይኸፍት።

እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ቅድስተ ማርያም ነቲ ናይቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰምዑን ዝዕቅቡን ቅዱስ ሕይወት እናመሃረት ቃል ኣምልኽ ኣብ ምእንጋድ ተሰንየና ብዝብል ናብ ማርያም ብዝውከስ ሓሳብ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ የጠቓልሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”ንኣኣቶም ተኸፍተሎም” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ
30 September 2019, 17:20