ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላን

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ልባዊ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን ዘሎ ርክብ ሰናይን ኣብ ሕዝቢ ማልታን ባህልን ሃይማኖታዊ ክብሪ ዘለዎ ልዑል ስፍራን

ዕለት 16 መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላን ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣቲ ክሌኣዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታ ናብ ኤውሮጳን፡ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብ ሃገረ ቫቲካንን ማልታን ኣስተዋጽኦ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማልታ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ክንክን ምህዳርን ህልው ኩነታት ከባቢ መዲትራኒያንን ኣብ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ቨላ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ልባዊ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማልታን ዘሎ ርክብ ሰናይን ኣብ ሕዝቢ ማልታን ባህልን ሃይማኖታዊ ክብሪ ዘለዎ ልዑል ስፍራን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸት እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዓቢይን ዝነኣድን ምዃኑ ከምእተሰምረሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ጸኣት ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳን ምክንኻን ስነ ምህዳርን ኣብ ዝብሉ እዋናውያን ብድሆታት ኣማእኪሎም ከምተመያየጡን ኣብ መጠቓለሊ እቲ ርክብ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ከባቢ መዲትራኒያን ኣደጊፎም ኣብ ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ተንከፍ ርእሰ ጉዳያት እውን ከምዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማልታ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ቨላን
17 September 2019, 17:51