ር.ሊ.ጳ.፥ ንሓልዮ ፍጥረት ዝኣመተ ሓድሽ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ

እቲ ናይ እነብረሉ መሬት መጻኢ ሕንጸት እንስዕቦ ኣገባብ ንምሕዳስ ሓይልናን ዓቕምናን ንኸነዛትይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣድልዎ፡ ሕውነት ብምስፋሕ እንነብረሉ መሬት ምንጻሕ ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም፡ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም.  ፍጥረት ንምክንኻን ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ዝረጋገጽሉ ዕለት ክኸውን ዘተባብዕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ብህብረ ቅልውላው በቢ ዕለቱ ምቅይያራት ዘስዕብ ብድሆ ንምግጣም ንዓለም ለኻዊ ማለት ንኵላዊ ምትሕልላይ ዝድርኽ ንሓልዮ ፍጥረ ዝኣመተ ሓድሽ ናይ ሕንጸት ውዕሊ ክረጋገጽን እዚ ውዕሊ እዚ ንምርግጋጽ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ከምዝዓደሙ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራቪያርት ኣስዒቦም፡

ናይ እነብረላ መሬት መጻኢ ንምሕናጽ

እቲ ናይ እነብረሉ መሬት መጻኢ ሕንጸት እንስዕቦ ኣገባብ ንምሕዳስ ሓይልናን ዓቕምናን ንኸነዛትይ ቅዱስነቶም ዓዲሞም፡ ሓላፍነት ዝስምዖን ዝበሰለ ዜጋ ንምሕናጽ መታን ክከኣል ንዅሉ ዝጥርንፍ ውዕሊ ሕንጸት ንምክልኻል ተፈጥሮ ክኽወን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ውዕሊ’ዚ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ሓባር ቤትና - መሬት ዝምልከት ክኸን እንከሎ፡ ንናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ንምኽርባን ዝድግፍ ውዕሊ ዝምልከት ከምዝዀነ ኣፍሊጦም።

በቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ ምዕባለ ዝተደረኸ ርቡፅን ሕዉኽን ዓይነት ኣነባብራ ኣብ ዝረኣየሉን እዚ ንገዛእ ርእሱ እንውከሶም ማእከላውያን ቅዉም ሓሳባት ዝቐያይር ሓድሽ ቋንቋ ዝፈጥር እዩ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ኣብ ቅድሚ እቲ ብቐጻልነት ዝኽሰቱ ምቅይያራት መንነት ወይ መለለዪ ከይተረፈ ዝጸልው ምዃኑ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም ኣብሪሆም፡

ዓለም ቁሸት እናዀነ ይኸይድ ከምዘሎ ንኹሉ ዘጠቓልል ናይ ሕንጸት ቁሸት፥ ክፉትን ሰብኣዊ ርክባት ዘተባብዕ መደብ ሕንጸት ንኽረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ራቪያት ገሊጾም።

ሰብኣውነት ክማእከለ

ንምኽባር ፍጥረን ተፈጥሮን ኣብ ዝብል ከይዲ ዓለም ሓቆፋዊ ኣራኻቢ፡ ኣብ መጐ ምርምራትን ሕይወትን ኣብ መንጐ ትውልድን መምሃራንን ተመሃሮን ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ ጥበብን ርክባት ዝብል ሰብኣውነት ዘማእከለ ከይዲ ሕንጸት ዘተባብዕ ጻውዒት ቅዱስነቶም፡ ብቕዓት ምህዞን ሓላፍነትን ክጣመሩ ዝድግፍ ከም ኢየሱስ ኣብራኹ ዓጺፉ እግረ ኣርድእቱ ብምሕጻብ ዘርኣዮ ፍጹም ናይ ምግልጋል መንፈስ ብምስዓብ ንማሕበረሰብ ንምግልጋል ዝብሉ ክህልዉ ኣተባቢዖም መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራቪያት ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ንሓልዮ ፍጥረት ዝኣመተ ሓድሽ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ
13 September 2019, 19:10