ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሞሪሸስ ተሰናቢቶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለት 9 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይ ሞሪሸስ ወግዓዊ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናይ ማውሪሸስ ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ድሕሪ ዝገበሎም ስንብታን ናይ ወተሃደራዊ ክቡር ሰላምታ ስነ ስርዓት ተፈጺሙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፖርት ልዊስ ናይ ሞሪሸስ መራሔ መንግስቲ ፕሪቪንድ ኩማር ዡግናውት ምምዝገበሩሎም ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ብናይ ማውሪሸስ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ብነፋሪት ተጓዕዞም ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ  ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝኣተዉን ንምሕዳሮም ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልእኽ ሕንጻ ከምዝኸውዱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣንታናናሪቮ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ንናይ ሞሪሸስ ርእሰ ብሔርን ንመላእ ፍቱው ህዝቢ ሞሪሸስን ዘለዎም ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝገለጽ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም፡ ስለ እቲ ዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላን እንገዳ ኣመስጊኖም፡ ንናይ ሃገረ ሞሪሸስ ሰላምን ስኒትን ምዕባለን ወትሩ ጸሎቶም ምዃኑ ከምዘረጋገጹን ብደሴት ላ ረዩንዮን ናይ በረራ ዶብ ኣብ ዝሓለፉሉ እዋን ንናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ካስተሊ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሞሪሸስ ተሰናቢቶም

 

 

10 September 2019, 14:16