ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ 

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ መበል 31 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ሎሚ ዕለት 3 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምንቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፍጸሙ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ከምዘዕርጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ
03 September 2019, 17:39