ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም.

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግዝኣተ ንጉስ ታይላንድ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ታይላንድን ጃፓንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ኣብተን ክልተ ሃገራት ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ኣፍሊጦም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብዘን ክልተ ሃገራት ምብጻሕ ዘካይዱ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. ምዃኖም ብሩኒ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግዝኣተ ንጉስ ታይላንድ ካብ ዕለት 20 ክሳብ ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ካብ ዕለት 23 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ እዮም።

ታይላንድ፥ ናይ ክርስቶስ ሓዋርያት፡ ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌል

ር.ሊ.ጳ. ናይቲ ኣብ ታይላንድ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መርሕ ቃል፡ “ናይ ክርስስቶስ ሓዋርያት፡ ሓዋርያት ልኡካነ ወንጌል” ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ኣብ ሲያም ዝኽሪ መበል 350 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣብ ዝበዓለሉ ዓመት ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ እቲ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣብ ሲያም ኣብ 1669 ዓ.ም. ከምዝቖመ ይዝከር። ነዚ ሓሳብ እዚ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናብ ታይላንድ ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ መለለይ ምስሊ ዝሕብሮ እዩ።

እስያ፡ ሰፊሕ ህብረ ቅርጽን  ክፍሊ ዓለምን

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባንግኮክ ናይ እሲያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓልዮ ሰረተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድርገት ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ እዋን በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ልኡካን ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ ብህብረ ሃይማኖትን ቋንቋን ባህልን ዝልለይ ክፍሊ ዓለም ኣብ ካቶሊካዊ እምነት ሓድነትን ኵላውነትን ንምርጋጽን ከምኡ እውን ኣብዚ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ኣብ ዘለሉ እዋናዊ ዓለም ወንጌል ንምምስካር ዘብቕዑ ሓደስቲ መጋበርያታት ንምልላይ ዘሎና ናይ ሓባር ሓላፍነት ንኸተረጋግጹ ትእከቡ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ጃፓን፡ ዝዀነ ይኹንሕይወት ምክልኻል

እቲ ኣብ ጃፓን ዘካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ “ዝዀነ ይኹን ሕይወት ምክልኻል” ዝብል ኰይኑ ብሓፈሻኡ ሕይወትን ተፈጥሮን ምክልኻል ንዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ፡ “ጸሎት ክርስትና ምስ ፍጥረት” ዝብል ምዃኑ ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘቃልሖ ጃፓን ናይ ኑክሊየር ኣጽዋር ሳዕቤን ብቐረባ እትፈልጥ ሃገር ከምዝዀነትን፡ እዚ ስግኣት’ዚ ሎሚ እውን ኣብ ዓለም የዘንብይ ምህላው ብምምልካት ኵሉ ኣብ ምክልኻል ሕይወትን ተፈጥሮን ክተግህ ዘተሓሳስብ ክኸውን እንከሎ እቲ ናይዚ መገሻ እዚ መለለዪ ምስሊ ነዚ ሓሳብ እዚ የጉልሕ።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 12 መስከረም 2018 ዓ.ም. ናይ ጃፓን ናይ ተንስሆ ከኖህ ሺሰዙ ከንሹካይ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ጃፓን ንምብጻሕ ዘለዎም ዓቢይ ሃረርታ ገሊጾም፡ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ኣብ 2019 ዓ.ም. እውን ክኸውን እትስፈው እንክብሉ ከምዝገለጹን ክዝከር እንከሎ እነሆ እዚ ድላዮም’ዚ ጭቡጥ ክኸውን እዩ።

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብ ታይላንድን ጃፓንን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም.
13 September 2019, 19:22