ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ንመንግስታት ምጽላይ፡ ንሳቶም እውን ብተራኦም ስለ ሕዝቢ ክጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ንመንግስታት ምጽላይ፡ ንሳቶም እውን ብተራኦም ስለ ሕዝቢ ክጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ንመንግስታት ምጽላይ፡ ንሳቶም እውን ብተራኦም ስለ ሕዝቢ ክጽልዩ

ናይ ፖለቲካ ኣካላትን፡ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ብግብእ መታን ክጥቀምሉ ምጽላይ የድሊ

ሎሚ ዕለት 16 መስከረም 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፡  ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 8ን ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 10 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ብፍላይ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣማእኪሎም፡ ቅድሚ ኵሉ ምህለላን ጸሎትን ኣተሓሳሲቦም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን’ዚ ምእንቲ ካልእ ካብ ምጽላይን ናብ እግዚኣብሔር ካብ ምቕራብን ምጽራፍን ምውራድን ዝቐለለ ኰይኑ ኣሎ፡ ጸርፍን ውርደትን ይግብኦ እዩ ዝብል ኣዘራርባ ዝስመዓሉ ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ምእንቲ መንግስታትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን፡ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ብግብእ መታን ክጥቀምሉ ምጽላይ የድሊ፡ በዘይ ቁጣዔን ክርክርን ምእንቲ ኵሉ ምጽላይ፡ ክሳብ ንእግዚኣብሔር ዝተወከፈ ክቡርን ርጉእን ሰላማዊ ሕይወትን ክንበር፡ ንሓድ ሕድ ምጽልላይ።

ምእንቲ እቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ምጽላይ

ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ኣካላላት ገለ ገለ ካህናትን ጳጳሳትን እውን ኣደዳ ጸርፊ ዝዀኑ ኣለዉ፡ ጸርፊ ግብኦም እዩ ዝበሃሉ። … ስለ መንግስታት ካብ ምጽላይ ጸርፍን ወቐሳን ጥራሕ ምቕራብ ልሙድ ከይኑ ኣሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ስሌኦም ጸልዩ ይብል።

ምልዋጥ

ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ሉቃስ፥ ብዛዕባ እምነት ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዝብሎ ጠቒሶም፡ ጸላይ ምዃንን ጸሎት ዘለዎ ሓይልን ኣብሪሆም፡ ፖለቲካ ረሳሕ እዩ ካብ ምባል ምቑጣብ የድሊ፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝብለዎ ፖለቲካ ዝለዓለ ናይ ፍቕሪ ስራሕ መግለጺ ስለ ዝዀን፡ ስለዚህ ምእንቲ መንግስታት ምጽላይን መንግስታት እውን ስለ ሕዝቦ ክጽልዩ ይግባእ ቢሎም ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ ማርታ፥ ንመንግስታት ምጽላይ፡ ንሳቶም እውን ብተራኦም ስለ ሕዝቢ ክጽልዩ
16 September 2019, 18:37