ብጐይታ ዝተጸዋዕኵምን ዝተጠመትኩምን ዝተማረኽኩምን ዝተደበስኩምን

ንስኻትኩም ብጐይታ ዝተጸዋዕኵምን ዝተጠመትኩምን ዝተማረኽኩምን ዝተደበስኩምን ኢኻትኩም

ዕለት 24 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተን ርብዕን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ከተማ ፍሮዚኖነ ናብ ዝርከብ ዑቕባ ሰማየ ሓድሽ ኣድማስ ማሕበረሰብ ማንም ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ኣብኡ ተረኺቦም እውን ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም በቲ ማሕበረሰብ ካብ ዝእለዩ መንእሰያት ቃለ ምስክርነት ከምዝቐረበሎም ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቶም በቲ ማሕበርሰብ ዝእለዩ ኣብ ሕይወት ካብ ዘጋጠሞም ዘገልውቶምን ዝተፈላለዩ ወልፍታን ዝተላቑ መንእሰያት፡ የዕንትን ድምጽን ኰታ ኵሉ በቲ ታሪዀም ዝንገር ኵነቶም ቅዱስነቶም ልቦም ተተንኪፉን፡ እቶም መንእሰያት ካብቲ ሰላሕታ መንፈስ ክፍኣት ሰብኣዊ ክብሪ ካብ ዘሕስሩ ምርጫታት ንምልቓቕ ወትሩ ነቒሖም ክርከቡ ሓደራ ኢሎም።  

ክንየው ቃል

ቅዱስነቶም ካብቶም መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶን ቃል ምስክርነትን ብቐጥታ ኣይመለሱን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ቃላት ምብዛሕ ዘይጠቕም ብምዃኑ እዩ፡ እቲ መልሲ ንገዛእ ርእሱ እቲ ካብ ዝተፈላለየ ጸገም ንኽላቐቑ ሓገዝ ረኺቦም ዝነብርዎ ዘለዎ ሓድሽ ሕይወት እዩ። ጠመቶም እሞ ኣፍቀረሮም ካብ ገሃንም ኣላቐቖም፡ ኢየሱስ በእዳዎም ሒዙ ነጻነቶም ከይቀንጠጠ ካብቲ ዝወደቕሉ ኣተንሰኦም።

ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ምጽባይና

ጥማቶ ኢየሱስ ዓቃልን ዕጉስን እዩ፡ ስለምንታይ ሕይወት ኣብ ምኻድን ምምላስን ስለ ዝዀነ፡ ምውዳቕን ምትንሳእን ዝበራረየሉ እዩ፡ ድሕሪ እታ ብኢየሱስ ምጥማትን ኣብ ልቢ ምእታዉን፡ ሓንሳብ ምስተፈቐርካ ንድሕሪት ምባል ከቢድ ይኸውን፡ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያት ዝገበሮ፡ ጐይታ ወትሩ ኣብ ምጽባይና እዩ። ዝሓለፈ ታሪኽ ሕይወትኩም ከሓዱ ዝብል ኣኰነን፡ ኣዳም ካብ ሓመድ ኰነ-ተፈጥረ፡ ስለዚህ ዝተለወጠ ሕይወት ነቲ ዝነበረ ኵነት ነበረ ኰይኑ ዝተርፍ ምኽሓድ ኣየድልን፡

ስዕረት እቲ ዝጸበቐ ቃልሲ እዩ

በቲ ዝቐረበሎም ቃል ምስክርነት ልቦም ዝተተንከፉ ር.ሊ.ጳ. ስዕረት እቲ ዝበለጸን ጽቡቕን ቃልሲ እዩ፡ ስዕረት ንቕድሚት ክትብል ይድርኽ፡ ንስኻትኩም ብጐይታ ዝተጸዋዕኵምን ዝተጠመትኩምን ዝተማረኽኩምን ዝተደበስኩምን ኢኻትኩም፡ ኣብ ሕይወት ንፈለማ ግዜ ሰብኣውነት ምሉእ ብምሉእ ዝስምዓሉ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ምጥማት ዝብል ዘይኰነ ካብ ላዕሊ ገዛእ ርእስ ካብቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወደቐሉ ኣዚዩ ኣትሒቱ፡ ነቲ ዝወደቐ ምትንሳእ ዝብል እዩ፡ እዚ ዕብየት እግዚኣብሔር እዩ፡ ጥቓናን ምሳና ሓቢሩ ዝጓዓዝን፡

ክንየወ እቲ ግና ዝብል ስነ ሞጐት

ሓንሳብ ንሓዋሩ ነቲ ዝነበርካዮ ሕሱር ሕይወት ሰጊርካ፡ ዝሓለፉ ጌጋታት ናብ ዘይምድጋም ደረጃ ምስ እትበርኽ፡ ዝተርፍ ናይ ሕሉፍ ተመክሮ ህልው እዩ፡ ኣብ ሕይወት ኢየሱስ፡ እቲ ዝተሸንከረሉ መሳምር ድዩ ሞት ዝሓድጐ ምልክታ ናብ ገሃነም ተደርቢዩ እዩ፡ ትእምርቲ ሞት ኵሉ ናብ ገሃንም ተደርበየ። እቲ ኵሉ ናይ ሞት ምልክታ ዘበለ ንኽወድቕ እንተድኣ ዘይትገብር ኰይንካ ስቓይን ስክፍታን ምንፋቕን ኣባኻ ክተርፍ እይ። እዚ ኸኣ ኢየሱስ ኵሉ ገይሩለይ እዩ ድሕሪ ዝብል ምስክርነት ግና ዝብል ቃል ምስ ዘስዕብ ስቓይን ስክፍታን ምንፋቕን ዝሓለፈ ሕይወት ምንባር እዩ ዝኸውን፡ ግና ዝብል ስነ ሞጐት፡ እዚ እውን ክእለይ እዩ ዘለዎ እንተዘይኰይኑ ኣብ ገዛእ ርእስካ ዕጹው እዩ ዝገብር፡ ዝተዓጸወ ገዛ መንፈስ ቅዱስ ኣትዩ ከጽርዮ ከመይ ገይሩ፡ ገዛእ ርእስኻ ክፈት መንፈስ ቅዱስ ክበጽሓካን ውሻጠኻ ከጽርን ነቲ ዝኣትው ጋሻ - ጐይታ ስንድው ይገብረካ፡ ጐይታ ንኽኣትው ይገብር።   

ካብ ምቕሉላት ሰይጣውንቲ (መስሓትቲ) ተጠንቀቑ

ፈተና ሓጢኣት ወትሩ ዘሎ እዩ፡ ምቑልላት ሰይጣውንቲ ናብታ ምስ እግዚኣብሔር ስለ ዝተራኸበትን እግዚኣብሔር ብምርካባ ንጽሕቲ ናብ ዝዀነትን ቤት ንኽኣትው ደወል ዘቃጭሉ ምቕሉላት ዲያብሎሳውያን ክመላለሱ እያቶም፡ ተጠቀቑ፡ እቲ ዓቢይ ስግኣት ነቲ ናይ ጥፍኣትን ሞትን ምልክታ ዝዀነ ዳግም ምቕባል እዩ፡ ከሃሌ ኵሉ ምዃን ካብ ምድላይ ምጥንቃቕ፡ ሕይወት ባዕልኻ ምእዛዝ ዝብል ትዕቢት፡ ጐይታ ዘሰንየናን ዝመርሓና ክኸውን እንከሎ ነጻነትና ዝሓክኽ ዘይኰነስ ነጻነትና ብፍቕሩ እዩ ዝማርኽ።

ፍርያማነት ፍቕሪ

ፍቕሪ ወትሩ ጸጋይን ፈራይን እዩ፡ ካብቲ ዝሰማዕናዮ ናይ ብዙሓት ቃል ምስክርነት፡ ገሊኣቶም ውላድ ዘለዎም እያቶም፡ ፍቕሪ መንፈሳውን ኣካላውን ሰብኣውን ፈራይ እዩ። እዚ ወለዲ ብምዃን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን፡ ብእግዚኣብሔር ምፍቓርኩም እትህብዎ ምስክርነት ንገዛእ ርእሱ ዘርኢ እዩ፡ ፍቕሪ ፈራይ እዩ።

ንበይንኻ ምሕናጽ ዝከኣል ኣይኰነን

ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መጽሓፈ እዝራ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 7-8 12. 14-20 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ ኣብ ዝሰማዕናዮ ምንባብ ብዛዕባ ሕንጸት ናይ ኢየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ዝዛረብ እዩ፡ ዕዮ ሕንጸት ምክልኻል የድሊ፡ ንበይንኻ ምሕናጽ ዝከኣል ኣይኰነ፡ ንሓድ ሕድና ምስቲ እንኰ ሰዓሪ ኣባና ዝዕወት ናይ ተስፋ ኣናስር ኣብ ዝዀነን ጸኒዕና ንደጋገፍን ንተሓባበርን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራቪያርት ኣስዒቦም፡ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ኵሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ሓድሽ ኣድማስ፡ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምግልጋልን ንቕዱስ ንጹሕ ልበ ማርያም ውፉይነትን ዝብል ጸዋዕታኦም ከምዝሓደሱ ገሊጾም።

ብጐይታ ዝተጸዋዕኵምን ዝተጠመትኩምን ዝተማረኽኩምን ዝተደበስኩምን
25 September 2019, 11:27