ናጻ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ ኣባላት ዕዮ ወንጌላዊ ክብሪ ኣለዎ

እዚ ቤት ሕክምና’ዚ እቲ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ብኹሉ ዝተጠንጠነ ሓው ንኽኣልይ ደው ዝበለን ሓደ እኳ ዝግበር የለን ዘይበለ ሰብ እዩ ዝመስል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቲ ናይ ሞዛምቢክ ውዕሎኦም ብዝተነብረ መርሓ ፍጻሜ መሰረት ናብቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ብሓልዮት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናብ ዝተመስረተ ድሪም ወይ ሕልሚ ብዝብል መጸውዕ  በሸሓት ንዝቁጸራ ብሕማም ኤይድስ ዝተጠቕዓ ኣዴታትን ጸረ ሕማም ኤይድስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝወሃበሉ ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡ ብእምነት ወይ ውን ብሰብኣዊ ሓልዮት ብምንቕቓሕ ውፉይ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ቤት ሕክምና እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ቤት ሕክምና’ዚ ዝግበር የሎን ንዝብል ህሙማን ድኻታትን ዝንጽል፡ ሕማም ኤይድስ ንምውጋድ ወይ ውን ንምውጋእ ዝግበር ነገር የሎን ንዝብል ኣመለኻኽታን ባህልን ዝገጥም ምዃኑን በሸሓት ዝቑጸሩ ህሙማን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረኽብሉ ስፍራ እዩ፡ እዚ ናይ ጸረ ኤይድስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ 2002 ዓ.ም. ዝተበገሰ መደብ ክኸውን እንከሎ፡

ሓኻይምን ወለንተይናታትን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ፡

ብናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርቡ ሓኻይምን ዝተፈላለየ ኣብ ጨንፈር ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታት ሰብ ሙያን ምስቲ ቤት ሕክምና ብመረብታዊ ስነ ሕክምና ርክብ ብምክያድ ብጠቕላላ ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመቱ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዘሳተፈ እዩ፡ የሳትፍ እውን ኣሎ፡ ብቝምስናታት ደረጃ ይኹን ብሰበኻታት እውን ኩሉ ብምትሕብባር ብናይቲ ሕክምና ናይ ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ኣወሃሃዲ ጉጅለ ተመሪሑ ኣገልግሎት ይህብ፡ ብሓቂ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብውሽጡ ወንጌላውን ሰብኣውን ክብሪ ዝተነብሮ እዩ

ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግልት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

እቲ ቤት ሕክምና ብወግዒ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ይዅን ደኣ እምበር ድሪም ብዝብል መደብ መሰረት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጸረ ኤይድስ ካብ 2002 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምዃኑ ይፍለጥ፡ ናይቲ ድሪም ዝብል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣወሃሃዲት ኣብ ሓደ ወቕቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኤን በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ሎሚ በቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተደጊፈን ክሳብ ሎሚ ብዘይ ናይ ጥዕና ጸገም ዝነብራ ዘለዋ ሞዛምቢካዊት ካሲልዳ ኣወሃሃድነት ዝቐርብ ክኸውን እንከሎ፡ ንሰን ኣብ ዘስምዐኦ ቃል፡ እቲ ቤት ሕክምና ብሕማም ኤይድስ ዝተጠቕዓን ነፍሰ ጹር አዴታት ዝወልድኦም ዕሸላት ብዘይ ሕማም ኤይድስ ክውለዱ ዝድግፍን እተን ኣዴታት ናይ ጸረ ኤይድስ ክንክን ኣገልግሎት ጥዕና ዝረኽባሉ ከምዝዀነ ገሊጸን፡ ካብ ሞዛምቢክ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጻ ህሙማን ነፍሰ ጹር ኣዴታት ናጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ምዃኑ ከምዘመላኸታ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ እተን ኣብ ሓደ እዋን ህሙማን ዝነበራ ኣብቲ ቤት ሕክምና ክንክን ጥዕና ዝረኻባ ሎሚ ኣብቲ ቤት ሕክምና ብወለንተይናነት ንኻልኦት ህሙማን ኣብ ዝወሃቦም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና የሰንያ ከምዘለዋ እውን ገሊጸን፡ ኣብ ሓደ እዋን ብኤይድስ ሕማም ስለ ዝተጠቓዕኹ ተነጺለን ኵሉ ርሒቑንን ዝነበርኩ ሎሚ እቲ ቤት ሕክምና ሕልሚ ብዝብል ብዘካይዶ ዘሎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጥዕናይን ሰብኣዊ ክብረይን ረኺበ፡ ኣነን ደቀይን መጻኢ ክህልወና ዝገበረ ቤት እዩ፡ ካልኦት ከማይ ዝኣመሳላ እውን ብዙሓት እያተን ከምዝበላ ገሊጾም።

ብሓደ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝእለይ መንእሰይ ካብቲ ኢዳይን እተሰምየ ህቦብላን ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይን ኣብ ከባቢ ባይራ ካብ ዘስዓቦ መዕነውቲ ብዝረኸቦ ዕንጸይቲ ዝቐረጾ ግብረ ኖላዊ መስቀል ንቕዱስነቶም ከምዝለገሰን፡ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፐሩጃ ኣብ እትርከብ ከተማ ደሩታ ብካይላይ ዝተቐርጸ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ምስ ሕጻነ ኢየሱስ ነቲ ቤት ሕክምና ከምዝለገሱ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሞትን ስቓይን ዝሰፍሓሉ ኵሉ እግዚኣብሔር ሕይወትን ተስፋን የንብር

ቅዱስ ኣቦና እቲ ቤት ሕክምና ኣብቲ ሞትን ስቓይን ዝሰፍሓሉ ስፍራ ኵሉ ሕይወትን ተስፋን የስተንፍስ ቢሎም፡ ነቲ ቤት ሕክምና ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መግለጺ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ሕማም ኤይድስ ንምውጋእ ዝከኣል ኣይኰነን ንዘይበሉ የቐንየለይ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ሕያዋይ ሳምራዊ ጠቒሶም፡ ኵሉም እቶም በዚ ቤት ሕክምና ዝሓለፉን እቶም ካብ ተስፋ ቑርጸትን ከቢድ ስንባደን ተደሪዀም ናብዚ ቤት ሕክምና ዝመጹን ነቲ ኣብ ጠርዚ መገዲ ወዲቑ ዝነበረ ብብዙሓትን ብናካህንን ብሌዋውን ተጐስዩ ዝተሓልፈ ጽጉም ሰብኣይ ተቐባልነት ዝረኸበሉ ዘይተጉሰየሉ ከምዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፥

እዚ ቤት ሕክምና’ዚ እቲ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ብኹሉ ዝተጠንጠነ ሓው ንኽኣልይ ደው ዝበለን ሓደ እኳ ዝግበር የለን ዘይበለ ሰብ እዩ ዝመስል፡ መፍትሒ ክርከብ ዝጸዓረ፡ ንስኻትኩም ኣብዚ ቤት ሕክምና እተገልግሉ ከምቲ ካሲልዳ ዝበለቶ፡ ነቲ ብጽሞና ክብደት ስቓይ ዝግዕር ዘስተውዕሎ ዝሰኣነ ልክዕ ከምተን ብዙሓት ደቀንስትዮን ናይ ብዙሓት በቲ ዝወረዶም ሕማም ሰንቢዶምን ሓፊሮምን ተነጺሎምን ብኻልኦት እናተፈረዱ ዝሳቐዩ ዘአንገድኵም ኢኻትኩም፡

ከምዝበሉ ገሊጾም።

እዚ ቤት ሕክምን’ዚ ብሕማም ኤይድስ ንዝተጠቕዑ ኣብ ምእላይ ከይተሓጸረ ሎሚ እውን ብመንሽሮን ብዓባይ ሰዓልን ንዝሓመሙ ስኡናትን ብዋሕዲ ዝተመጣተነ መግቢ ንዝሳቐዩን ብፍላይ ሕጻናትን መንእሰያትን ድኻታት ይኣልይን ይድግፍን ከምዘሎ ዝገለጹ ቅዱስነቶ ኣስዒቦም፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ዘይኰነ ካብኡ ሓሊፉ እውን ከምቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ ድኻታት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዛዕባ ድኻታት ብውክልና ዘይኰነስ ነቲ ስቓዮምን ገዓሮምን ናቱ ዝገብርን ምስኦም ኰይኑ ቀሪቡ ዝድግፎም የድልዮም ዝበልዎ ቃል ዘኪሮም፥

ነቲ ናይ ድኻታት ናይ ስቓይን ሕማምን ገዓር ምስማዕን ዘድልዮም ክንክን ጥዕና ብምልላይ ዘድሊ ክንክን ጥዕና ምቕራብ እዅል ከምዘይኰነ ኣስተውዒልኩም ሰብኣዊ ክብሪ ብኵለንተናውነቱ ክኽበርን ብሉጹ መጻኢ ክህልዎም እተገልግሉ ኢኻትኩም

ከምዝበሉ ዲ ቦሶሎ ይሕብሩ።

ምትሕብባርን ምድግጋፍን ወሳኒ እዩ፡ በይንኻ ውሱንነት እዩ፡ ስለዚህ ምትሕትብባር የድሊ፡ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ፡ ብናይ እምነትን መዝነት ዝመልኦ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ተደሪኽናን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ካልእ ዓይነት ናይ ምትሕብባርን ሓገዝን ኣገባብ ከምዘሎ ነለልይ።

መሬት ሓሚሙ፥ ምዝባዕ ምህዳርን ከባቢ ኣየርን

ነቶም ንሕሙማንን ድኻታትን ተኣፈፍትን ጽን ምባል ምስ ካልእ ዓይነት ናይ ዓለም ተኣፋፍነት ንምርኻብ ከምዝድርኽ ዝሓበሩ ቅዱስነቶም ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቶም ጠቒሶም፡ ኣብ መንጐ እቶም ዝተጠንጠኑን ክፋእ ዝወርዶምን ድኻታትን ካልእ ዓይነት ብተግባራትና ናይ እትጭቆንን እትዓንውን መሬት፡ ልክዕ ከም ሕማም ሕርሲ ከቢድ ስቓይ እትግዕር፡ ኵላትና ናይ ሓደ ጨንፈር ኣካል ከምዝዀንና ንዘክር ኣንክብሉ ጻዎውዒት ኣቕሪቦም፡

ንስኻትኵም ጽን ንምባልን ንምስትውዓልን ዝበቓዕዅም ኢኻትኩም፡ እዚ ጽን ምባል’ዚ ጸዓት እውን ንምንዳይ ተቐባልነት ዘለዎ መጋበርያ ንኸተናድዩ ሓይሊ ንኽትረኽቡ ኣኽኢሉኩም እዩ፡ ሃብቲ ማይን ናይ ተፈጥሮ ሃብትታት ንምክንኻንን እውን፡ እትስዕብዎ ኣገባብ ኣልቦ ወጻኢ (ሃብቲ ገንዘብ ዘየድልዮ) እዩ፡ እዚ ክቡር ኣብነትን ነቲ ንእንነብረላ መሬት ዘዕንው ዘሎ ኵነት ንምቕያር ዘኽእል ክሰዓብ ዘለዎ ሕጹጽ ኣገባብ እዩ

ቢሎም ዝለገስዎ ቃል ኣብ ምዝዛሞም፡ ሕያዋይ ሳምራውነት ምንባር ከምዘድልን፥ እቶም በቲ ቤት ሕክምና ዝተኣልዮ ኵሎም ህልዋትን ጸጋን ንኽኰኑን ከምእተደገፍካዮን  እተጸገኻዮን ጸጋ ምዃን፡ … ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልክዕ ከም ካሲልዳ ኣብ ገጾም ፍሽኽታ ተመሊሱሎም ንርእይ ኣሎና፡ ቢሎም ኣብቲ ዝተካኻየደ ርክብ ንኽሳተፉን ዘይከኣሉ ዕስራ ዝዀኑ ሕሙማን ነናብ ክፍሎም ብምኻድ በጺሖምን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡  እቲ ቤት ሕክምና ንዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መሳለጢ ዝኸውን ህያብ ለጊሶም ከምእተሰናበቱ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ናጻ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ ኣባላት ዕዮ ወንጌላዊ ክብሪ ኣለዎ
06 September 2019, 17:18