ወግዓዊ ኣቀባብላ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ናብ ሃገረ ሞዛምቢክ ከምዝነቐሉን ብናይ ሞዛቢክ ሰዓት ኣቆጻጽራ እቲ 7,866 ኪሎ ሜትር ዘጠቓልል ናይ 10 ሰዓትን ፈረቓን ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ፈጺሞም ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ከምዝኣተዉ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘጠቓልል እዩ

ቅዱስ ኣቦ ናር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞዛምቢክ ርእሰ ከተማ ማፑቱ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብርእሰ ብሔር ፊሊፐ ዣቺንቶ ንዩሲን ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ተሰንዮም ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎምን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ኣብ ሞዛምቢክ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተረኸቡን ምእመናን ብመዛሙርን ብባህላዊ ሸብሸቦን ነቲ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ከምዘማዕረገዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዝተገበረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ንምሕዳሮም ማፑቶ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ከምዝኸዱን ኣብቲ ሕንጻ ምስ በጽሑ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ንዘገልግሉ ኣባላት ልኡካን ቅድስቲ መንበርን ሰራሕተይናታን ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ኣኩይሊኖ ገሊጸን። 

05 September 2019, 10:08