ሰላም ብፍትሕን ይቕረ ምብህሃልን፡ ንኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ዝምልከት ኣብነታዊ መገዲ እዩ ሰላም ብፍትሕን ይቕረ ምብህሃልን፡ ንኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ዝምልከት ኣብነታዊ መገዲ እዩ  ርእሰ ዓንቀጽ

ሰላም ብፍትሕን ይቕረ ምብህሃልን፡ ንኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ዝምልከት ኣብነታዊ መገዲ እዩ

ኣብሪሆም፡ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝተኻየደ ንናይ ብዙሓት ሞትን ምዝብልናን ምኽንያት ዝዀነ ኣብ መንጐ ማርክሳዊ መትከል ዝተሰረተ ናይ ሞዛምቢክ ናይ ናጽነት ግንባርን ረናሞ እተሰምየ ጸረ ስርዓት ዴስነት መትከል ዝኽተል ናይ ሞዛምቢክ ብሔራዊ ግንባር 15 ዓመት ዘቑጸረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንሰበ ስልጣናትን ናይ መንግስትን ፖለቲካን ላዕለዎ ኣካላትን ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ወጻኢ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝተረኽብሉ መድረ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ መደረ፡ ንዕርቂ ዝብል ሰላም፡ ኣልቦ ኵናት ማለት ዘይኰነ ናይ ሕዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዘረጋግጽ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ኵነት ምዃኑ ዝሕብር ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli)  ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣይፋል ንውግእ ሕራይ ንሰላም! ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ መደረ፡ ምልስ ቢሎም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ወጻኢ መንግስታት ልኡካንን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት መራሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣዳራሽ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ዘኪሮም፡ ውግእን ዓመጽን ናይ ኣሕዋት ምቕትታልን ብዓበይቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተደገፈ ምስሕሓብን ኣብ ዝካየደሉ ሰላም ዝብል ቃል ብልምዲ ዝንገር ጭርሖ ኰይኑ ከምዝተርፍ ናይ ሮማ ጳጳስ ኣብሪሆም፡ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝተኻየደ ንናይ ብዙሓት ሞትን ምዝብልናን ምኽንያት ዝዀነ ኣብ መንጐ ማርክሳዊ መትከል ዝተሰረተ ናይ ሞዛምቢክ ናይ ናጽነት ግንባርን ረናሞ እተሰምየ ጸረ ስርዓት ዴስነት መትከል ዝኽተል ናይ ሞዛምቢክ ብሔራዊ ግንባር 15 ዓመት ዘቑጸረ ሕድ ሕዳዊ ውግእ  ኣብ 1992 ዓ.ም. ብቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበርን ኣብ ሞዛምቢክ ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሽምግልና ብዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብቂዑ በቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ርእሰ ብሔር ንዩሲን ናይ ሮናሞ መራሒ ኦሱፎ ሞማደ ዝተበጽሔ ዕጡቓት ሓይልታት ዕጥቆም ክፈትሑን ዕለት 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ ዝብል ስምምዕ ትግቡር ክኸውን ዝብል ውጽኢት የርእይ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም ሰላም ተራን ተመክሮ ዕለታዊ መነባብሮን ንኽኸውን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንኢዶም ዕርቂ ጸገማትን ብድሆታትን ንምግጣም ቡሉጽ ጐደና ምዃኑ የብርሁ፡ ሰላም ብርቱዕን ዘይሕለልን ቀጻሊ ጻዕሪ ይሓትት። ስለዚህ ሰላም፥ ኣልቦ ኵናት ማለት ዘይኰነስ ሰብኣዊ ክብሪ ውሑስ ንምግባር ዝድከመሉን ማንም ዘይንጽል ኩሉ ንናይ ሓባር ጽሕፍቶ ተዋሳኢ ክኸውን ምዕያይ ዝብል ማለት ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ንእለቱ ነዚ ዘሕዝን ተግባር ጠቒሶም ሰላም ካብ ፍትሒ ተነጺሉን ብዘይ ይቕረ ምብህሃልን ዕርቅን ዘይብጻሕ እዩ ክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ናይ ዕድልን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ማዕርነት ክጐድል እንከሎ ንውግእን ዓመጽን ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ማለት ከምዝኸውን የብርሁ፡ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ማሕበረሰብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ምስ ዝንጽል ስርዓት ብሓይሊ ጸጥታ ይዅን ብናይ ውሕስነትን ደሕንነትን ኣካላት መዳይ እውን ይዅን ምርግጋእ ውሕስ ንምግባር ዘይከኣል ምዃኑ የመላኽቱ። ፍትሕን ዘይማዕርነትን ንምእላይን ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምስፋሕን ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን መንእሰያትን ኣረጋውያንን ከም ውዳቕ ዘይሓስብ ባህሊ ምስፋሕ የድሊ፡ እዚ ንኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ኣብነታዊ ጐደና ምዃኑ ቅዱስነቶም የመላኽቱ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

06 September 2019, 10:08