ር.ሊ.ጳ.፥ ንቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ፡ ጸሎትን ዘተን ንትጽቢት ሰላም ር.ሊ.ጳ.፥ ንቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ፡ ጸሎትን ዘተን ንትጽቢት ሰላም  

ር.ሊ.ጳ.፥ ንቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ፡ ጸሎትን ዘተን ንትጽቢት ሰላም

ንናይ ሕዝብታት ሰናይ መጻኢ ብዝብል ምስምስ ኣሕዛብ ምግምማዕ ዶባት ምዕጻው፡ ሓደ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሕዝቢ ዘለዓዕልን ድጋፍን እንገዳን ንዘድልዮም ኣሕዋትን ኣባይቲ ስድራን በራትካ ንምዕጻውን ንዘይ ምእንጋድን እዩ ዝዳርግ

ክሳብ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ማድሪድ ዕለት 15 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ቕዱስ ኤጂዲዮ ምስ ናይ ማድሪድ ርእሰ ሰበኻ ብምትሕብባር ኣልቦ ዶብ ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ብመሰረት ናይ ኣሲዚ መንፈስ ናብ ዝተዳለወን ዝካየድ ዘሎን ዓውደ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ውግእን ሓደስቲ ፈላላይ መናድቕን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ዝዀነ ሰላም የሳቕይ ምህላዉ ኣብ መልእኽቶም ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ.፡ ሰላም ዝኣመተ ጸሎትን ዘተን ኣገዳሲ ከምዝዀነን፡ ውፅኢቱ ይቐልጥፍ ይደንጉይ ርጉጽ እዩ፡ ስለዚህ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝመሓላለፈ ናይ ዘተን ናይ ምርኻብን ባህሊ ክቕጽል ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፡

ንናይ ሕዝብታት ሰናይ መጻኢ ብዝብል ምስምስ ኣሕዛብ ምግምማዕ ዶባት ምዕጻው፡ ሓደ ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሕዝቢ ዘለዓዕልን ድጋፍን እንገዳን ንዘድልዮም ኣሕዋትን ኣባይቲ ስድራን በራትካ ንምዕጻውን ንዘይ ምእንጋድን እዩ ዝዳርግ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ሓባር ቤት ዘንዕንው ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን ይፍጸም፡ ስለዚህ ናይ ሓባር ቤትና ፍቕርን ምክልኻልን ምኽባርን እዩ ዝሓትት፡ ልክዕ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ፍጥረት ሰላምን ሕውነትን ይምሕጸን ኣሎ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ናይ ሓባር ቤትና ዝተኸፍተ በራት እዩ ዘለዎ፡ ሰላም ዶብ ኣልቦ እዩ

ምርኻብን ምቅርራብን ዘህልው ናይ ሓባር ቤትና ክፉት በራት እምበር ፈላላይ መናድቕ ኣይኰነን  ንምትሕብባርን ብሓባር ህብረኣውነት ብምኽባር ብሰላም ምንባር መታን ክህሉ ክፉት መዓጹ ክህሉ ይግባእ፡ ሰላም ወትሩ ብዘይ ዶብን ብዘይ ፍሉይነት።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብርዎ ሰነድ ጠቒሶም፡ እቲ ሰነድ ንዓለም ሓቆፍ ሰላም ፍኖት እዩ፡ ስለዚህ እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ናይ ማድሪድ ዓውደ ጉባኤ ንዘካይዶ ምይይጥ መርሕ ሓሳብ ምዃኑ ገሊጾም፡ ሃይማኖት ንዓመጽን ንውግእን ጽልእን ንጸንፈይናነትን መጋበርያ ዘይኰነ መጋብርያ ርክባትን ሰላም እዩ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ይሕብራ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዓቢይ ስግኣት ዝዓበልሎ ምዅኑ ዘኪሮም፡ ሰላም ብዘይ ዶብ ንምጭራሕ ዝፈላልዩ መናድቕ ምእላይ ወሳኒ እዩ፡ ናይ ሰላምን ሕውነትን ጦብላሕታ ኣብ ልቢ እዩ ዝዝራእ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ሳባቲነሊ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ንቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቃስ፡ ጸሎትን ዘተን ንትጽቢት ሰላም
16 September 2019, 18:31