ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማውን

ሲኖዶሳውነት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ልዑል ስፍራ ገሊጾም ንመማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ጸሎቶም ከምዘረጋገጹሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ከምእተራኸቡን እቲ ርክብ ሕውነታዊ ሃዋሁ ዝተራእየሉ እውን ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ገጸ በረኽት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ዝተፈጸመሉን ቅድሚ ናይ ምሳሕ መኣዲ ፓትሪያክ በረጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ካዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሰመራሮ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት  ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሰንዮም ምስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ መማክርት ካዲናላት ተራኺቦምን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሲኖዶሳውነት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ልዑል ስፍራ ገሊጾም ንመማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ጸሎቶም ከምዘረጋገጹሎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ቅድሚ ኣዚ ርክብ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዕለት 29 ሰነ 2019 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝለገስዎ ጭራም ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ ኣብ ዘሎ ናይ መቓብር ስፍራ ካብ ዝተዓቀበ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓጽም ምእንቲ ንውህደት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዕለት 12 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይቲ ገጸ በረከት ክፍሊ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽንያት ንበርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ  መልእኽቲ ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ጭራፍ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ዓፅም ኣብ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ እንድሪያስ ቅዱስ ዓጽም ጐድኒ ከምእተነበረን እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ወስታ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስትያን ናብቲ ንውህደት ኣሚተን ዝግበራኦ ጉዕዞ ዝመርሕ ንዝተበገሰ ምቅርራብ ዘጽንዕ ምዃኑ ብወገን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ይግለጽ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማውን
18 September 2019, 18:18