ር.ሊ.ጳ፡ ድኻታትን ከባብን ዘዕድይ ጣዖታዊ ኤኮኖሚ ኣይፋል ምባል

ምዕሩይ ምብጻሕ ሃብትን እቶትን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ናይ ኵሉ ብፍላይ ናይ ድኻታት ኵለንተናዊ ምዕባለ ዝድግፍ ናብዚ ዓይነት ዕላማ ዘመስረቐ ኤኮኖሚ ምምዕባል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 9 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ሞሪሸስ ኣብ ዘካየድዎ መገሻ ኣብታ ናይታ ሃገር ንሕዝብን መንግስትን ክብሪ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይታ ሃገር ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ባርለን ቭያፖርይን ኣስዒቦም እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ፕራቪንድ ኩማር ጁግናውት ከምእተራኸቡን፡ ድሕሪ እዚ ርክብዚ ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሞሪሸስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ድሕሪ መራሔ መንግስቲ ዘስምዕዎ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ኣስዒቦም ዘስምዕዎ መደረ ምልዋጥ ናብቲ ንዅሉ ዝሓልይ ንኵለንተናዊ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ሰብኣዊ ሕይወት ናብ እቶት ጥራሕ ዝብል ከይዲ ዘነኣእስ ጣዖታዊ ኣገባብ ኤኮኖሚ ኣይፋል ክበሃልን ብዝሓነት ዘኽብር ባህሊ መሰረት እንገዳ ንስደተይናታት፡ እቲ ሓደ ናይ ሞሪሸስ መለለዪ ምዃኑ ዘመላኽቱ ቅዉም ሓሳባት ዘማኣከለ ከምዝነበረ ዶኒኒ ገሊጸን።

ሰብኣዊ ወጅሂ ዘለዎ፡ ንዅሉን ናይ ኵሉን ኤኰኖሚ ምምዕባል፡ ኣብ ምውሃድ ብዘተባብዕ መሰረት ስደተይናታት ምእንጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ከዘዘኻኸሩ እንከለዉ፥

ምዕሩይ ምብጻሕ ሃብትን እቶትን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ናይ ኵሉ ብፍላይ ናይ ድኻታት ኵለንተናዊ ምዕባለ ዝድግፍ ናብዚ ዓይነት ዕላማ ዘመስረቐ ኤኮኖሚ ምምዕባል የድሊ፡ ሕጹጽ መኽሰብ ናብ ዝብል ኣብ መንበረ ታቦት ምጽንጻንን መኽሰብ ጥራሕ ዝዓጦን ድኻታትን ዝተናዕቁን ምህዳርን ማለት ተፈጥሮን ሃብቲ ተፈጥሮን ዘዕድይ ሰብኣዊ ሕይወት ናብ ዘስውእ ጣዖታዊ ኤኮኖሚ ፈተና ንኸይውደቕ አተባብዕ።

ምልዋጥ ናብ ኵለንተናዊ ምህዳር፥ ናይ ፖርቲ ልዊስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማውሪሰ ፒያት እውን ከምዘዘኻኸርዎ፡ ናብ ኵለንተናዊ ስነ ምህዳራውነት ምልዋጥ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ዕንወት ምህዳር ጥራሕ ንምእላይ ዝድግፍ ዘይኰነ ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ንዅሉ ዝብልን ናብ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘየብጽሕ ናይ ሕይወት ኣገባብ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ፍኖት ክኸውን ኣለዎ ቢሎም፡

ሱታፌ ኣብ ብዝሓነት ብዘይ ምሕራግን ምንጻግን

ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ማውሪሸስ ዝተፈጥረ ኣብ ባህሊ ዘሎ ፍልልያት ዘኽብር ዘሳንይን ባህላውን ስነ ምግባራውን ሃማኖታውን ስኒት እናሓሰቡ፡ ህዝቢ ሞሪሸስ ኣብ መግዛእቲ ፈረንሳ ብዝነበረ ስርዓት ዴስነት ካብ ኣፍሪቃ ብዝመጹን ድሓር እውን ኣብ 1800 ዓመታ እንግሊዝ ብዝኸተሎ ዝነበረ ተመሳሳሊ ስርዓት ካብ ህንዲ ዝመጹን እዚኣቶም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እዞም ክልተ ክፍሊ ሕብረተሰብ እቲ 68 ሚእታዊ ክሽፍኑ እንከለዉ፡ እቲ 27 ዝተሓናፈጸን 3 ሚእታኢ ትውልደ ቻይናን 2 ሚእታዊ ትውልደ ፈረንሳን ዝውክል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ብዝሓ ትውልደ’ዚ ናይ ሞሪሸስ ባህልን ኣነባብራን ዘህብትም ሕውነት ክጸንዕ ዝገበረ ምዃኑ የዘዛኽሩ።

ሞሪሸስ ፍልልይ ትውልደ ይሃሉ ማሕበራዊ ሰላም ዝተረጋገጸሉ ሕብረተሰብ ምቛም ከምዝክኣል እትምስክር ሃገር እያ፡ ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ማንም ብዘይ ምሕራግን ብዘይ ምንጻግን ውጽኢታዊ ዝዀነ ሱታፌ ኣብ ውሽጡ ዝዓሰሎ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምቛም ተኻኣሊ ምዃኑ ዝተረጋገጸላ ሃገር እያ፡ ኵሉ ኣብ ብዝሓነት ውሁድ ዝዀነላ መሬት ምዃና ቅዱስነቶም የብርሁ።

ንኣናስራትኵም እሙናት ብምዃን ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ስራሕ ዕድል ንኽረኽቡን ንገዛእ ርእሰኦምን ስድራ ቤቶምን ዝተመሓየሸ መነባሮ ንምርካብ ንዝስደዱ ኣአንግዱ፡ ከምቶም ዘአንገዱ ናይዛ እዋናዊት ሞሪሸስ ተክለ ሃገር ዘብጽሑ ኣበው ሃገርኩም፡ እተእንግዱ ኰይንኩም ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዝኽበረሉ እውነተይና ናይ ምርኻብ ባህሊ ተዋሳእትን ጠበቓን ኩኑ!

ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ናይ ነፍሲ ወከፍ መንነት ኣብ ምኽባር ዝጸንዔ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ኣብ ሞሪሸስ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፥ ሂንዱን ክርስትናን ምስልምናን፡ ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ናይ ምርኻብ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ርክብ’ዚ ንኢዶም ንማሕበራዊ ሰላምን ነቲ ደረት ሰገር ዝዀነ ሕይወት ንዘናሽው ዘበለ ኵሉ ንምቅዋምን ወትሩ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ መንነት ኣብ ምኽባር ዝጸንዔ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክቕጽልን ሓደራ ምስ በሉ፡ ኣብዚ ፍርያም ከይዲ ዘተ’ዚ ተዋሳእነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሪሸስ ኣረጋጽ ቢሎም፡

ላዕለዎት ኣኣካላት ሞሪሸስ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣገባብ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዝዋግኡ ንመንእሰይ ወለዶ ኣብነት ኰይኖም ክርከቡ ኣተሓሳሲቦም፡ ካብ ኣለዳ ናጽነት ሞሪሸስ ዝተተባበዔን ዝቖመን ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ኣድኒቖም፡ እዚ ባህሊ’ዚ ንሞሪሸስ ናይ ሰላም ፍልፋል ንኽትከውን ከምዘብቅዓ ገሊጾም፡  እዚ ኣገባብ ደሞክራሲ ዝምዕብል ኵሉ ዓይነት ናይ ኣድልዎ ቅርጽታት ብምውጋእ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ፡ ድኻታትን ከባብን ዘዕድይ ጣዖታዊ ኤኮኖሚ ኣይፋል ምባል

Photogallery

ር.ሊ.ጳ፡ ድኻታትን ከባብን ዘዕድይ ጣዖታዊ ኤኮኖሚ ኣይፋል ምባል
10 September 2019, 14:00