ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምክንኻን ናይ ተስፋ ባህሊ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምክንኻን ናይ ተስፋ ባህሊ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምክንኻን ናይ ተስፋ ባህሊ እዩ

28 ኣረገውትዅም ሕልሚ ኺሓልሙን ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ማንም ዘይንጽል፡ ዓቢይን ዝልወጥን ሰብኣውን ዝገብር እዩ፡ ኣብ ስድራ ቤት ይዅን ኣብ ሕብረተሰብ ሕጻናትን ኣረጋውያንን ኣምረትቲ ሓይሊ ስለ ዘይኰኑ ዕሽሽ ምባሎም ምልክታ ንናይ ህላዌ እግዚኣብሔርን ህያው ምልክት ከምዘይኰነ ኣብ ዝገልጽ ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስተ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ፥ ካብ ትንቢት ዘካርያስ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 8፡ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 46 ክሳብ 50፥ ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ሕዝቢ ሽሕ እኳ ንእግዚኣብሔር ይኽሓድ ዕሽሽ እውን ይበል እግዚኣብሔር ግና ንሕዝቡ ካብ ምፍቃር ኣይቦክርን፡ ኣብ እግዚኣብሔር እቲ ንነፍሲ ወከፍና ዝተኣተወ ናይ ምድሓን ቃል ኪዳን ዝፍልፍለሉ ብርቱዕ ድላይ ወትሩ ህልው እዩ፡ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ንጽዮን ቀናእ እምላኽን ንኣኣ ዘለዎ ፍቕሪ ብርቱዕ ዕዩ፡ ናብ ጽዮን ክምለስን ኣብ ኢየሩሳሌም እውን ክነብር እዩ፡ ንፍቕሪ እግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ኢየሩሳሌም ናብ ሕይወት ክትምለስ እያ።

ኣረጋውያንን ሕጻናትን ምክንኻል ናይ መጻኢ ተስፋ እዩ

ምልክታ ህላዌ እግዚኣብሔር ከምቲ ነቢይ ዘካይርያስ ዝሕብሮ፡ ንሰብኣዊ ኣዚዩ ሰብኣውን በሳልን ዝገብርን ንሕይወት ምእዙዝ ምዃኑን፡ ብዝሒ ሕጻናትን ኣረጋውያንን፡ ከተማታትና ዚመልኡ ኣብ ኣደባባያትና ዚጻወቱን፡ ህላዌ ኣረጋውያንን ሕጻናትን፡ ኣብ  ሕብረተሰብን ስድራ ቤትን፡

ምልክታ ሕይወት፡ ሕይወት ኣብ ምኽባርን ምፍቃርን እዩ፡ ሕይወት ኣብ ምክንኻን ምዕባይ ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ማሕበረሰብና ይግለጽ። ሕዝቢ በሳል ይገብር፡ … ዕድመኦም ስለ ዝነወሐ ነፍሲ ወከፎም ብምርኩስ ኪኸዱ እዮም.. እዚ ምልክታ ህላዌ እግዚኣብሔር እዩ። እታ ከተማ ብሕጻናት ክትምላእ እያ፡ ብኣረጋውያንን ብሕጻናትን ትምላእ፡ ምልክታ ህላዌ እግዚኣብሔር፡ ካብ እግዚኣብሔር ናይ ሓደ መጻኢ ቃል ኪዳናዊ ምልክታ።

ከም ጓሓፍን ውዳቕን ምሕሳብ ዝብል ባህሊ ጥፍኣት እዩ

ቅዱስነቶምን ትምቢተ ኢዩኤል ምዕ. 2 ፍቕዲ 28 ኣረገውትዅም ሕልሚ ኺሓልሙን ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ ኣብ መንጐ እዚ ክልተ ናይ ሕይወት ደረጃ’ዚ ዘሎ ርክብ እናሓሰቡ፡ እዋናዊ ዓለም ብዙሕ ግዜ ሰብ ምንጻግን ከም ጓሓፍ ምጥማትን ዝብል ዓይነት ዝነብሮ ባህሊ ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ ዘስዕብ፡ ውላድ ዘይብሉ ዘኽታም ከዕብይ ዝደልይ፡ እንታይ ዓይነት ዘኽታም ሕጻን ክናብይ ከምዝደሊ መምዘንታት የቕርብ፡ እቲ ክናብዮ ዝደልዮ ሕጻን ነቲ ዘቕርቦ መምዘኒ ዘየማልእ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ሕጻን ከም ኣቕሓ ናብ ሰዳድኡ ክምለስ ይብል፡ ኣረጋውያንን ሕጻናትን ሸለል ዝብልን ዘይሓልን ባህሊ፡

ሓደ ሃገር ዝኣርግ፡ ተካኢ ትውልዲ ምስ ዘይህልዎ እዩ፡ …. ካብ ዝሰርሑ ሰብ ጡረተይናታት ዝበዝሑለን ሃገራት፡ ዓቢይ ሓደጋ እዩ፡ ቐዝሒ ትውልዲ ዘለወን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዝንጽልን ተካኢ ትውልዲ ዘይብሉ ሕብረትሰብን፡ ዘይሓንኽ ባህሊ’ዚ ፡ መጻኢ ዘይውሕስ፡ …. እዩ።

ኣረጋውያንን መንእሰያትን ናይ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ተስፋ

ሕመረት መልእኽቲ እግዚኣብሔር እንታይ እዩ? ናይ ተስፋ ባህሊ እዩ፡ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዝብል፡ ናይ ሓደ ሃገር ህልውና ውሕስነት፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን እውን፡ … ኣብተን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱለን ሃገራት፡ ብዙሓት ወለድን ኣደ ሓጐታትን ኣቦ ሓጐታትን ደቆምን ደቂ ደቆምን ሓፍ እናበሉ ዘሎኒ ንሱ እዩ ሃብተይ ንሱ እዩ ባርኹለይ ዝብልዎም ዘኪሮም

ብፍላይ ኣብ ሮማኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድክሉ እዋን፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ያሲ፡ እተን ኣደ ሓጐ ጥምት ኣቢለን ኣብ ሕቑፋአን ዝነበረ ወዲ ወደን ድዩ ጓል ጓለን ብዘየገድስ ሓፍ ኣቢለን፥ ብሓበን ዓወተይ ንሱ እዩ ዝብላ ዝመስላ ዝነበራን፡ ናይተን ኣደ ዓባይን ምስቲ ሕጻን ዘርእይ ስእሊ ብመራኸቢ ብዙሓ ኣብቲ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ተዘርገሔ፡ ካብ ሓደ ስብከት ንላዕሊ ዛዕባ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብተግባር ዝዛረብ ጭቡጥ ምስሊ፡ ካህናትን ቆሞሳትን ቅድሚ ምድቃሶም ናይ ሕልና መርመራ ክንገርብ ኣንዀለና፡ ንኣረጋውያንን ንሕጻናትን እንታይ ዓይነት ጠባይ እየ ዘርአኹ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተትት፡ እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ሕይወትናን ንሕይወትናን ዓቢይ ደገፍ እዩ፡

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዘራዞ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ምክንኻን ናይ ተስፋ ባህሊ እዩ
30 September 2019, 17:09