ንኢየሱስ ምስዓብ ዋጋ የኽፍል እዩ! ር.ሊ.ጳ ኣብ ቅዳሴ ማዳጋስካር

ሰንበት ዕለት 8 መስከረም 2019 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሶማንድራኪዛይ ኣብ ዝበሃል ጐልጐል ዋና ከተማ ማዳካስካር ኣንታናናሪቮ ከምዘዕረጉን ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም እቲ ኢየሱስ ክስዕበኒ ዝደሊ እንተሎ መስቀሉ ተሸኪሙ ይስዓበኒ ዝብሎ መደብ ድሕነት እግዚኣአብሔር ከተግብር ምዃኑ ነዚ ኸኣ ንዓና እውን ከምዝብለና ገሊጾም።

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ዕለቱ ግጽው ወንጌል ሉቃስ 14.25 ኮይኑ ‘ንኢየሱስ ምኽታል መሥዋዕቲ ከምዚሓትትን ምቐረቱ ዘጥፍኤ ጨው ከምዝጐሓፍን` ዝገልጽ ኰይኑ ንኢየሱስ ንምስዓብ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ሓዲግካ ዕለት ዕለት መስቀልካ ተሰኪምካ ኣሰሩ ምኽታል ከምዘድሊ ዘመልክት ክፍሊ ወንጌል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ኩነታት ኢየሱስን ሕዝብን ዘዘንትዎ ማለት ‘ሽዑ ብዙኃት ሕዝቢ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ እሞ ግልጽ ኢሉ ከምዚ በሎ’ ንዝብል መበገሲ ብምግባር ስብከቶም ‘ንስኹም ኣውን ሎሚ ኣብዚ ንኢየሱስ ክትቅበሉ ብቃሉን ብሥጋኡን ብደሙን ብብዙሕ ቊጽሪ መጺእኩም ኣሎኹም’ ክብሉ ይጅምሩ እሞ እዚ ግን ቀሊል ከምዘይኮነ እውን ትፈልጡ ኢኹም። ከመይ ኣሰር ኢየሱስ ክትክተል ምውሳን ዋጋ የኽፍል እዩ። ተወፋይነት ይሓትት! መሥዋዕትነት ይሓትት’ ምስ በሉ ንምዃኑ ኢየሱስ ብቀዳምነት ዝሓታ እንታይ እዩ ንትብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ናይ ኢየሱስ ቀዳመይቲ ሕቶ ይብሉ።

ኢየሱስ ብቀዳምነት ካባና ዝደልዮ!

ኢየሱስ ካባና ዝደልያ ቀዳመይቲ ጉዳይ ምስ ሥድራቤትና ዘሎና ርክብ ፈጺምና ክንበትኽ እዩ። ከመይ እቲ ኣብ ሕይወትና ሕማቅ ወይ ጽቡቅ ኢልና እንፈርዶ ነገራት ብሥድራቤትና ስለዝጽሎ ምሳኦም ዘሎኣን ርክብና ኣቋሪጽና ፈጺምና በቲኽና ምስኡ ጥራይ ክንራኸብ ነቲ ብዝምድናን ካልእ ርክባትን ዝኽሰት ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝስዕቦ ብልሽውናን ካልእ ጸገማትን ቊርጽ ኣቢልካ ብምብታኽ እንተዘይኮኑ ካልእ መድሓኒት የብሉን ኢሎም።

ኢየሱስ ኣነጺሩ ዝእዝዘናኸስ ‘ንኩሎም ደቂሰባት ከም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክርኢ ዘይክእል መን ምዃኖምን ካበይ ከምዝመጹን ብዘየገድስ ሥድራኦምስ ይኹን ድሕሪ ባይታኦም ባህሎም ሃብቶም ኩነታቶም ብዘየገድስ ንኩሎም ከም ሓውን ሓፍትን ክርኢ ዘይክእል ንኣይ ዝተገብኤ ኣይኮነን ረድኤይ ኣይኮነን ይብለን’ እንክብሉ እታ ቀዳመይቲ ውዑል ኢየሱስ ዘቅርበልና ምስ ገለጹ ናብ ካልአይቲ ይሰግሩ።

ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ ካልኣይ ጉዳይ!

ካብዚ ሕልፍ ኢሎም ቅዱስነቶም እታ ካልአይቲ ጉዳይ እንታይ ምዃና ከምዚ ክብሉ ይገልጹ ‘ናይ ገዛእ ርእሳ መርሓ ግብር ኣሰናዲና ወይውን ሓንጐልና ዝኣዘዞ ነገራት ኣብ ግብሪ ክነውዕል ዓንቂድና ንእግዚኣአብሔር ከይንርስዕ እሞ ክንዲ ናይ ጐይታ መደብ ናትና መደብ ሒዝና ብከንቱ ከይንደክም ዝገደደ ከኣ ብስም እግዚኣአብሔርን መንግሥቱን ናትና ተግባራት ምናልባት ናይ ዓመጽን ራዕድን እውን ክኸውን ስለዝኽእል በዚ ንስም እግዚኣአብሔር ከይነዋርድ ንሕተት። በዚ ከኣ ከኣ ብዙሕ ዓመጻትን ምፍልላያትን ቅትለትን ስደትን ራዕድን ወገነይ ወገንካን ብስም እግዚኣአብሔር እናተገብረ ብዙሕ ጸገም ዝረኤ ምስ በሉ። ‘ነዛ ካልአይቲ ጉዳይ ንምግባር ካብቲ ናይ ቀዳማይ ዘይንእስ ትብዓትን ጽንዓትን የድሊ እንተዘየሎ ንመልእኽቲ ወንጌል ብኣተሓሳስባና ክንጅልሖን ክነጽብቦን ይከኣል። ነዚኣ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕል ግን ታሪኽ ሕወነት ታሪኽ ምድግጋፍ ክንሃንጽ ንኽእል። ነዚ ከኣ ነታ ክንጥቀመላን ክንሕልዋን ዝተዋበትና መሬትን ጸጋታታን እናተንኸብኻብናን ንዝኾነ ናይ ምዝመዛ ተግባር እናተቋመናን ክንገብሮ ኣሎና’ ምስ ናብታ ሣልሰይቲ ጉዳይ ይሳገሩ።

ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ ሣልሳይ ጉዳይ!

ብሣልሳይ ደረጃ ይብሉ ቅዱስነቶም! ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዘይተቀበልካዮ እንታይ ኣሎካ ዝብሎ ኣብ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ስለ እቲ ዝተቀበልናዮ ነገራት ንእግዚኣአብሔር ክነመስግን እዚ ከኣ ዝተቀበልናዮ እምበር ንንየተሉ ናይ ግልና ጉዳይ ከምዘኮነ ማለት ሕይወትና ብዓንዲ ርእሱ  ኣሎና እንብሎ ጸጋታትን ክእለታትን ብእግዚኣአብሔር ዝተዋህበና ስለዝኽዕነ ምስቶም ጽባሕ ንግሆ ኣብ መንግሥቲ ኣማልኽ ኣሽማቶም ተመዝጊቡ ክንርእዮም ዘሎና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንደጋገፍ ክነፍሪ ክነመስግን ንሕተት’ ኢሎም።

በዘን ሠለስት ወርቃውያን መምርሒታት ምስ እንምራሕ ካብቲ ናይ ዓለምና ዝኸፍኤ ዕንቅፋት ወይ ባርነት ንድሕን። እዚ ዕንቅፋት እዚ ወይ ባርነት እዚ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ጥራይ ምንባር ማለት ንገዛእ ርእስኻ ዕላማ ምንባር ሕይወትካ ገርካ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣምር ብጣዕሚ ጐዳኢ ምዃኑ ገሊጾም ኣብ መወዳእታ ከም መዛዘሚ ነዚ ሕማም እዚ ኣሸኒፍና ቀዳምነት ንእግዚኣአብሔር ክንህብ እሞ ነቲ ንዓይ ጥራይ ዝብል መንፈስ ምስ ትዕቢቱን ሸለልትነቱን ኣሊና ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣአብሔርን ኣሕዋትን እንክንጽመድ ብሓቂ ንኢየሱስ ንስዕብ ኣሎና ክንብል ከምእንኽእል እዚ ግን ዋጋ ከምዝሓትት መሥዋዕትነት ከምዝሓትት ኣዘኻኺሮም። በዚ ከኣ ከም ኣመንቲ ዕላማ እግዚአብሔር ዕላማና ይኸውን ነዚ ንምግባር የብቅዓና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ምስቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾነ ዝቀደሱን ዘቀደሱን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ነዚ ሓጺር ሰላምታ ኣቅሪቦም።

‘ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብ ፍጻሜ እዙይ ሥርዓተ ቅዳሴ ንዓኹም ንኩሉኹም ልባዊ ሰላምታይ ከቅርበልኩም እፈቱ። ንብፁዕ ኣቡነ ራዛናኪሎና ስለ እቲ ዘቅረቡለይ ሠናይ ቃላት ብልቢ እንከመስግን ኣተሓሒዘ ከኣ ንኩሎም ኣሕዋተይ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰብሓዳር ምስ ቤተሰቦምን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ንኩሎም ምእመናንን አመስግን።

ከምኡ እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንክቡር ፕረሲደንት ረፓብሊክን ኩሎም ሰበሥልጣን እዛ ሃገርን ስለ እቲ ዝገበሩለይ ልባዊ ኣቀባብላ እንከመግን ንኩሎም ነቶም ብዝተፈላለየ ኣገባብ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ክኸውን ግደኦም ዘበርክቱ ንነፍሲወከፎም አመስግን። ብኣማልድነት እቲ ቅዱሳት ቅርያቱ ኣብዚ መንበረ ታቦት ዘሎ ብፁዕ ራፋኤል ልዊ ራፊሪንጋን ብፅዕት ቪክትዋር ራሶማናሪቮን ጐይታ ኣኻዕቢቱ ይፍደኹም ይባርኽኩም።

ሕጂ እምበአር ናብታ ወጋሕታ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝኾነ ናብታ ዕለተ ልደታ ሎሚ እንዝክር ዘሎና ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ብጸሎት ንቅረብ። እዛ ከም ኣደኹምን ጠበቃኹምን እተፍቅርዋን እተኽብርዋን ንፅሕት እምንፁሓን ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብቲ ማዳጋስካር ንሰላምን ንተስፋን እትገብሮ ጉዕዞ ወትሩ ተሰኒኹም።’ ብማለት ሰላምታኦም ኣቅሪቦም ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 September 2019, 16:49