ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ዓበይቲ ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡክነ መንግስታትን

ብዙሓት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ሓደጋ ንላዕሊ ንእለቱ ናይ ሕዝቢ ዕለታዊ ናብራ ዝውሕስ ተግባር እዩ ዘገድሶም፡ ስለዚህ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ከይዲ ኤኮኖምን ናይ ኵሉ መነባብሮ ንእለቱ ዘይኰነ ብቐጻልነት ዝውሕስ ኣብ ምዕሩይ ምክፋል ሃብቲ ዝተመሰረተ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን፡

ሎሚ ዕለት 7 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቲ ዝዓረፉሉ ኣብ ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ንጐሆ ብናይ ማዳጋስካር ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ሰዓት ትሽዓተ ንኽብሪ ሃገረ ማዳጋስካርን ርእሰ ብሔር ኣንድረ ራጆኤሊናን ሕዝብን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ንኸካይዱ ነቒሎም፡ ድሕሪ ፍርቒ ሰዓት ኣብ ቤተ መንግስቲ ያቮሎሃ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ኣንድረ ራጆኤለና ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ኣብ ናይ ርእሰ ብሔር ናይ ግሊ ቤት ጽሕፈት ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶምን ምስ ናይ ርእሰ ብሔር ስድራ ቤት ተላልዮም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ኣብ ናይ ክብሪ ሃገረ ማዳጋስካር መዝገብ ክታሞም ኣንቢሮም ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከምእተፈጸመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሃገረ ማዳጋስካር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ኣብ ማዳጋስካር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም፡ ኣብቲ ርክብ ርእሰ ብሔር ኣንድረ ራጆኤሊና ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ሰላምታ መደረ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ንርእሰ ብሔርን ንዅሎም ብዝተፈላለየ ኣርእስቲ ንዝተረኽቡ ዕዱማትን ዝኸበረ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ናይ ኩሉ ኵለተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ውሑስ ክኸውንን ኣብ ናይ መጻኢ መደብ ሕንጸት ተዋሰእቲ ክዀኑ ናይ ዕድል ማዕርነት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ … ብዘይ ማሕበራዊ ፍትሒ ምክንኻን ኰነ ምኽባርን ተፈጥሮ ክህሉ ከምዘይክእልን፡ ስለዚህ ማሕበራዊ ፍትሕን ምክንኻን ምህዳርን ናይ ኵሉ ፍጥረትን ተፈጥሮን ፍሉይ ኣገባብ ሕይወት ምኽባር ተኻኣሊ ይገብሮ ከምዝበሉ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ እዚ ርክብ’ዚ ብርእሰ ብሔር ኣንድርይ ራጆኤሊና ተሰንዮም ኣብ ቅጽሪ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ኣፈት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ፈልሲ ከምዝተኸሉ ዶኒኒ ገሊጸን፡

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኵለንተናዊ ምዕባለ ኤኮኖሚያዊ መዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምዝብለዎ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ማዳጋስካር ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ኣዚየን ድኻታት ካብ ዝበሃላ 10 ሃገራት ከምዝዀነትን፡ ካብ ክልተ ሓደ ሕጻን ብኸቢድ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐየላ ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ ቅዱስነቶም ነዚ ከቢድ ድኽነት’ዚ ንምእላይ ዘይሕለል ሕርኵት ጻዕሪ ክካየድ ሓደራ ክብሉ፥

ነዚ ዅሉ ጸገም ግምት ብምሃብ ብጽንዓትን ብቖራጽነትን ነቲ ብዝተፈላለየ ቅርጽን ከይድን ስፉን ዝዀውን ዘሎ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን፡ ማሕበራዊ ኢማዕርነት ዘስፍሕ ምጽንጻንን ነቲ ዘይተረጋገጸ ኵነት ንምግጣምን ኢሰብኣውነትን ጽንኵር ድኽነትን ዘስፍሕ ጐናይን ነጻልን ኣገባባት ኵሉ ኣብ ምውጋዱ ንኽዕየ እላበው፡ በዚ ከይዲ’ዚ ናይ ኵሉ ብቑዕ እቶት ናይ ምርካብ መሰል መታን ውሑስ ክኸውን ሃብትን እቶትን ብማዕረ ናይ ምክፋልን ናይ ኵሎም ተቐማጦ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ብፍላይ ናይ ድኻታት ኵለንተናዊ ምዕባለ ተኻኣሊ ዝገብር ብዅሉ መዳይ ዝተዓረቐ መዋቕራት ምርግጋጽ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ዅሉ ንምርግጋጽ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ድሩት ምዃን ኣይግባእን፡ እቲ ዘድሊ ኣብ ናይ መጻኢ ሕንጸት ናይ ኵሉ ዜጋ ተሳታፍነት ዝብል ሰብኣዊ መሰል ውሑስ ምግባር እዩ፡ ናይቲ ድምጹ ከስምዕ ዘይኽእል ዜጋ ተሰማዒ ክኸውን ምድጋፍ፡ ማንም ዘይንጽል ወይ ካብቲ ናይ ምዕባለ ከይዲ ክተርፍ ዘይድርኽ ኣመሓድራ ኣድላዪ እዩ፡ ስለዚህ ምክፋልን ምትሕልላይን ሓድ ሕዳዊ ልግስን፡ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ እውን ለጋስነት ምንባርን የድሊ፡ ናይ ሃገር ማዳጋስካር ሃገራዊ ቅዋም ከም ዝብሎ፡ ናይ ሕዝቢ ማዳጋስካር ሕመረት ዝዀነ ይዅን ዓይነት ተጻብኦነት ብጽንዓት ንኽብዳህ ዝገበረ ናይ ከባቢ ባህሊ ምኽባር ማለት እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ከም ሞዛምቢክ ኣብ ማዳጋስካር እውን ብዛዕባ እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ክንክን ተፈጥሮን ከባብን ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ኵለንተናዊ ኣቀራርባ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቶም ዝበለዎ ማሕራውን ናይ ተፈጥሮን ቅልውላው ዝብል ሓደ ዓይነት ቅልውላው ከምዘሎ ገሊጾም። ናይ ተፈጥሮ ባህርያዊ ሜላታትን ማሕበራዊ ኣገባባትን ተደራራኺ ወይ ተጸላላዊ ምዃኑ ግምት ምሃብ ከምዘድሊ የመላኽቱ።

ማዳጋስካር ካብ ጠቕላላ ኣብ ዓለም ምዝጉብ ካብ ዝዀነ ናይ ተፈጥሮ ሓምላይ ሃብቲ እቲ 5 ሚእታዊ ዝግመት ሃብቲ ዝተዓደለት እያ፡ እዚ ሃብቲ’ዚ ብሓቂ በቲ ልሙድ ዝኸውን ዘሎ ኣግራብ ናይ ምብዳምን ምጥፋእን ተግባር ንሓደጋ ዝተቓልዔ ከምዝዀነን እዚ ንገዛእ ርእሱ ንብርሰት ብዝሓ-ሕይወታውነት ዝዳግርግን ንዘይሕጋዊ ንግድ ብዝሓ-ሕይወታውነት ዘቃልዕ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ኵሉ ጭቡጥ ኵነት ግምት ዝህብ ኵለንተናዊ ኣገባብ ኣገዳሲ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ብዙሓት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ሓደጋ ንላዕሊ ንእለቱ ናይ ሕዝቢ ዕለታዊ ናብራ ዝውሕስ ተግባር እዩ ዘገድሶም፡ ስለዚህ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ከይዲ ኤኮኖምን ናይ ኵሉ መነባብሮ ንእለቱ ዘይኰነ ብቐጻልነት ዝውሕስ ኣብ ምዕሩይ ምክፋል ሃብቲ ዝተመሰረተ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን፡ ዜጋታት ካብ ድኽነት ከላቕቑ ዘኽእል ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘኽብር ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ምርግጋጽ የድሊ፡ ብዘይ እቲ ናይ ሓባር ሃብቲ ንዅሉ ክባጻሕ ዝብል መሰልን ክብርን ግቡእነትን፡ ብዘይ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምህዳርን ኣካባብን መጻእን ዘኽብር ኣገባብ ክህሉ ማለት ዘይሕሰብ እዩ፡  ማሕበራዊ ፍትሒ ምስ ምህዳራዊ ፍትሒ ዝተሞራዀሰ እዩ!

ንናይ ማዳጋስካር ምዕባለ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘበርክቶ ሓገዝ ቅዱስነቶም ንኢዶም፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ሓገዝ’ዚ ማዳጋስካር ናይ ሕዝቢ ባህሊ ንዘስተናዕቕን ዝዕፍንን ኵላዊ ባህሊ ክፍቲ ንዝገብራ ሓደጋ ዘቃልዓ ክይኸውን ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ከመላኽቱ እንከለዉ፥

ዓውሎማዊ ኤኮኖሚ ንሓደኣዊ ባህሊ ግዙእ ናብ ምዃን ደራኺ ውስንነት ዘለዎ ከይኸውን ምጥንቃቕ የድሊ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ ዘቕርቦ ሓገዝ ፍሉይን እንኰን ናይ ምዕባለ መሳለጢ ዘይገብር ናይ ዜጋታት ትጽቢታት ዘኽብርን ናይ ኵሉ ከባቢ ፍልዩ ኣገባብ ሕይወት ብዘይ ቅድመ ኵነት ምኽባር የድሊ፡ ሕዝቢ ደረጃ ብደረጃ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ትዕድልቲ ሓላፍነት ዝወስድ ናይ መጻኢ ዕድሉ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ኣለዎ።

ቪክቶሬ ሮሶኣማናሪቮ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ማዳጋስካር ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብፅዕና ዝተኣወጀላ ብፅዕቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ናይ ምፍቃር ኣብነት እያ ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስነቶም ናይ ራሶኣማናሪቮ ቅዱስ ኣጽም ናብ ዝተነበረሉ ስፍራ መንፍሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጠን።

ምልስ ቢለን ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ መደረ ከጠቓልሉ እንከለዉ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማዳጋስካር ንዘተ ስንድውትን ናይ ዘተ ባህሊ እተስፍሕ መታን ክትኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ኸኣ ወትሩ ንማንም ዘይንጽል ንዅሉ ንናይ ኵሉን ዝብል ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘረጋግጽን ንናይ ኵሉ እውነተይና ሕውነት መጋበርያ መታን ክትከውን ከምዝበሉ ዲኒኒ ኣመልኪተን።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ዓበይቲ ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡክነ መንግስታትን
07 September 2019, 17:07