ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዳጋስካር ኣትዮም

ናይ ማዳጋስካር ርእሰ ብሔር ኣንድረይ ራጆኤሊናን ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ተሰንዮም ወግዓዊ ኣቀባብላ ክምዝገበሩሎምን

ር.ሊ.ጳ. ናይ ሞዛምቢ ወግዓዊ መገሻኦም ልክዕ ሰዓት 11.45 ደቓይቕ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ፍርቂ መዓልቲ ንዝቕጽል ኣብ ማዳጋስካር ብዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መደብ መሰረት ማፑቱ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተጓዒዞም ፍርቂ መዓልትን ዕስራ ሓሙሽተን ደቓይቕ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ፊሊፐ ዣቺንቶ ንዩሲን ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ዓበይቲ ኣካላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ወተሃደራዊ ሰላምታን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ሞዛምቢክ ብሔራዊ መዛሙር ቀሪቡ ምስ ኣብቅዔ ንኹሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ልክዕ ፍርቂ መዓልትን 40 ደቃይቕ ብነፍሪት ነቒሎም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ 2 ሰዓትን ሓምሳን ደቓይቕ ኣብ ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ሰዓት ሰለስተን ሳላሳን ደቓይቕ ምስ በጽሑ፡ ናይ ማዳጋስካር ርእሰ ብሔር ኣንድረይ ራጆኤሊናን ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ተሰንዮም ወግዓዊ ኣቀባብላ ክምዝገበሩሎምን፡ ንኽብሮም ወተሃደራዊ ሰላምንታ ናይ ቅድስቲ መንበርን ማዳጋስካርን ሰንደቕ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ኣብቲ ንኽብሮም ኣብ ዝቐረበ ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓትን ምስ ዝተረኽቡ ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ማዳጋስካር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ተላልዮም ልክዕ ሰዓት ሰለስተን ሓምሳን ደቓይቕ ናብ ዝዓርፍሉ ኣብ ኣንታናናሪቫ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ነቒሎም ሰዓት ኣርባዕተን ሰላሳን ደቓይቕ ምስ በጽሑ ኣብ ኣፈት እቲ ሕንጻ ብዝተረኽቡ ልዕሊ ሓምሳ ብዝግመቱ መንእሰያትን ብመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣብ ማዳጋስካር ኣባላትን ሰራሕተይናታትን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። 

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማዳጋስካር ኣትዮም
06 September 2019, 17:37