ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናብ ሮማ ካብ ማዳጋስካር ተፋንዮም

ብናይ ማዳጋስካር ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ኣንረይ ራጆኤሊናን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባብላ ተገርሎም ናይ ወግዓዊ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣንታናናሪቮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን 15 ደቓይቕ ካብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅድሚ ምስንባቶም ምስ ሓዋርያዊ ወኪል ሰራሕተይናታት ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ወኪልን ገበርቲ ሰናይን ምሕዝነት ብዝብል መደብ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዘካይዶ ግብረ ሰናይ ንዝድገፉን ሰላምታ ኣቕሪቦም ከምእተሰናበቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ብናይ ማዳጋስካር ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ኣንረይ ራጆኤሊናን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባብላ ተገርሎም ናይ ወግዓዊ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ፡ ንብፁዓን ጳጳሳት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ምንቃሎም ናብ ሮማ ከምዝገበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ካፐሊ ይሕብራ።

10 September 2019, 16:38