ድለ

ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ዝተፈጸመ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ውሳኔ ንር.ሊ.ጳ. ሓጐስ ከምዘሕደረሎም ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ዝተፈጸመ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ውሳኔ ንር.ሊ.ጳ. ሓጐስ ከምዘሕደረሎም 

ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ዝተፈጸመ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ውሳኔ ንር.ሊ.ጳ. ሓጐስ ከምዘሕደረሎም

ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ መንጐ ፈደራላዊት ሩሲያን ኡክራይንን ዝተበጽሔን ኣብ ግብሪ ዝወዓለን እሱራት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምኽንያት ሓሴት ከምዝዀኖም ይገልጹ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረም 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ዝተኻየደ እስረይናታት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ሓጐስ ከምዘሕደረሎም ገሊጾም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ዕለት 7 መስከረም 2019 ዓ.ም. 33 ሩሲያውያን እሱራት ዘሳፈረት ነፋሪት ካብ ኪየቭ ነቒላ ሞስኮ ከምዝኣተወትን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን 35 እሱራት ተወለድቲ ኡክራይን ዘሳፈረት ነፋሪት ካብ ሞስኮ ነቒላ ኪየቭ ከምዝኣተወት ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ መንጐ ፈደራላዊት ሩሲያን ኡክራይንን ዝተበጽሔን ኣብ ግብሪ ዝወዓለን እሱራት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምኽንያት ሓሴት ከምዝዀኖም ይገልጹ፡

ኣስዒቦም እውን ዕለት 14 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፎርሊ ኣብ መበል 28 ዓመት ዕድመኣ ኣብ 1964 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት መላእ ሕይወታ ስቓይ ዘይተፈልያ፡ ነቲ ስቓያ ናይ እምነትን ፍቕር ምስክርነት ለዊጣ እምነትን ፍቕርን ዝነበረት ናይ ስነ ሕክምና ተመሃሪት በነደታ ቢያንኪ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕቲ ቢላ ዝኣወጀትላን ከምኡ እውን ኣባ ሪካርዶ ሀንከስ፡ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዳካው ኣብ ዝርከብ መዳጐን ሰፈር በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ናዚ ዝተቐትለን፡ ክሳብ ዝተቐትልላ ዕለት ነቲ ስርዓት ዝተቓወመን እነሆ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕና ከምዝኣወጀትሉ ዘኪሮም፡ ናይዞም ክልተ ሓደስቲ ብፁዓን ናይ ሕይወት ምስክርነት ኣብ ቅድስና ጉዕዞና ይደግፈና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይንን ዝተፈጸመ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ውሳኔ ንር.ሊ.ጳ., ሓጐስ ከምዘሕደረሎም
16 September 2019, 18:23