ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ፥ ርህራሄ ቋንቋ እግዚኣብሔር እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ፥ ርህራሄ ቋንቋ እግዚኣብሔር እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ፥ ርህራሄ ቋንቋ እግዚኣብሔር እዩ

ቡቕባቔን ለውሃትን ናይ ልቢ መንጽር ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ማዕቅን ንኽነስተውዕል ዘብቅዕ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ እዩ

ቡቕባቔን ለውሃትን ናይ ልቢ መንጽር ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ማዕቅን ንኽነስተውዕል ዘብቅዕ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ቋንቋ ሰብኣዊ ፍጥረት ሸለልተይናነት ኰይኑ ንረኽቦ፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኦቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልባትና ንለውሃትን ድንጋጸን ምርሃው እምበር ኣብ ዘይተገዳስነት ኣይንዕጸዎ፡ ድንጋጸ ካብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ምዃን ዘናግፍ ናብ እውነተይና ፍትሒ ዘሰንይ መገዲ እዩ። ቅዱስነቶም ብናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 1-13ን ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 11-17  ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ብፍላይ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ርህራሄ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ ግዳይ ርህራሄ እዩ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ነታ ወዳ ዝሞታ መበለት የሰንያ፡ ኢየሱስ ግና ናታ ጭቡጥ ኵነት ዝጥምት ይኸውን፡ በይና ዝነበረት፡ መበለት፡ እቲ ሓደ ዝርካባ ወዳ እውን ዝሰኣነት፡ ኣብ በይናውነት እትርከ፡ ኢየሱስ ደንገጽላ፡ ጭቡጥ ኩነታታ ብጥልቂ የስተውዕል።

ቡቕባቔን ለውሃትን ናይ ልቢ መንጽር ነቲ ጭቡጥ ኩነታት ማዕቅን ንኽነስተውዕል ዘብቅዕ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ እዩ፡ ወንጌላውያን ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ርህራሄ ኢየሱስ የዘንትዉ፡ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 3 ፍቕዲ 7 እግዚኣብሔር ናይ ሕዝቡ ስቓይ ርኣኹ ቢሉ ንሙሴ ይዛረቦ፡ ናይ እግዚኣብሔር ርህራሄ ሙሴ ንሕዝቡ ከድሕን ይልእዀ። ኣምላኽና ናይ ርህራሄ ኣምላኽ እዩ። ርህራሄ ድኻምነት እግዚኣብሔር ቢልና ክንገልጾ እውን ዝከኣል እንተዀነ ሓይሊ እግዚኣብሔር እውን ንሱ እዩ፡ ወዱ ናባና ንኽልእኽ ዝደረዀ ርህራሄ እዩ፡ ርህራሄ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ እዩ።

ርህራሄ ስለ ካልእ ዝስምዓኻ ናይ ሓዘን ጦብላሕታ ኣይኰነን፡ ንኣብነት ሓደ እንስሳ ኣብ መገዲ ሞይቱ ምስ እትርእይ ከምቲ ዝስምዓካ ናይ ሓዘን ስምዒት ኣይኰነን፡ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኔ ክህልወካ ዝገብር እዩ፡ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ምስታፍ፡ ኢየሱስ ንደቀ መዝሙር፥ ነቲ ህዝቢ ዝብላዕ ሃብዎም እንክብል ይእዝዞም፡ ደቀ መዝሙር ግና ዝብላዕ የብላን ይብሉ፡ እዚ መልሲ’ዚ ንኢየሱስ ከምዘቖጠዖ ፍሉጥ እዩ፡ ዝብላዕ ንስኻትኵም ሃብዎም እዩ ዝብሎም፡ እዚ ኸኣ ናይ ሕዝቢ ስቓይ ናትኵም ግበርዎ ማለት እዩ፡ ኢየሱስ ከም ኣባግዕ ብዘይ ጓሳ ዝነበረ ሕዝቢ ርአየ እሞ ደንገጸሉ፡ ደቀ መዝሙር ግና ኣክንዲ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ናቶም ገይሮም ዝዓዩ፡ ባዕሉ ዝብላዕ ይድለይ እዮም ዝበሉ።

ርህራሄ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ ክኸውን እንከሎ ብዙሕ እዋን ናይ ሰብ ቋንቋ ኸኣ ዘይተገዳስነት ኰይኑ ይርከብ። ናይ ካልእ ስቓይ ናትካ ምግባር። ዘይተጋዳስነት፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ብጩቡጥ ዝሕብር ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ሓደ እዋን ዘውጸኦ ስእሊ ሎሚ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዘሎ፡ ሓንቲ ግዳም ሓደር ኣብ መገዲ ወዲቓ ኣእዳዋ ዘርግሒ ርድኡኒ እትብል ብቑርን ኣስሓይታን ክትሳቐይን ሓንቲ ሰበይቲ ከኣ ጽቡቕ ለቢሳብ ቁሪ ከይሃርማ ተሸፋፊና ብጥቓኣ ክትሓልፍ እንኰላ ዘርእይ ስእሊ። እዚ ቋንቋ ዘይተገዳስነት እዩ፡ ክንደይ ሳዕ ሑቖና ሂብና ገጽና ጠዊና ንሓልፍ፡ … በዚ ኣገባብ’ዚ ንርህራሄ ገዛእ ርእስና ንዓጽው። ናይ ሕልና መርመራ ንግበር። ገጸይ ከዊለ እሓልፍ ዶ? ወይ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ ናብ ዝዀነ ናይ ርህራሄ ጐዳና ክመርሓኒ እፈቕድ?  ቢልና ንገዛእ ርእስና ንሕተት፡

ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ነታ ወዳ ዝሞታ መበለት ኣይትብከዪ ዝበላ ቃል ልቦም ከምዝተንከፎም ዝሓበሩ ቅዱስነቶም፡ እዚ ቃል’ዚ ናይ ርህራሄ ቃል እዩ፡ ኢየሱስ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ቃሬዛ ብኢዱ ይትክፍ እሞ ኣታ ጐበዝ ተንስእ ይብሎ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካብ ሞት ተንሲኡ ኰፍ ይብል እሞ ምዝራብ ይጅምር፡ ኢየሱስ ነቲ ካብ ሞት ዘተንስኦ ጐበዝ ንወላዲቱ የረክቦ።

ብኣገባብ ፍትሒ፡ ንወላዲቱ የረክቦ፡ ፍትሒ ዝብል ቃል መለሰ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ርህራሄ ናይ ፍትሒ መገዲ እዩ፡ መሰሎምን ግቡኦምን ስለ ዝኸነ ይምለሰሎም፡ እዚ ምሃብ ወይ ምምላስ ዝብል ቃል ካብ ኢጐነትን ዘይተገዳስነትን ካብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጹው ምዃን ዘድሕን እዩ፡ “ጐይታ ብዓቢይ ርህራሄ ተመሰጠ፡ ርህራሄኡ ብዙሕ የድልየና እዩ እሞ ንነፍሲ ወከፍ ይራህርሃልና”

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ፥ ርህራሄ ቋንቋ እግዚኣብሔር እዩ
17 September 2019, 17:55