ር.ሊ.ጳ. ንቀርመለሳውያን፥ ኣይፋል ንዓለምነት ሓቅነት ንዘይብሉ ሰቂለ ሕልናውነትን

ንቤተ ክርስቲያንን ንኣና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባትን ዝሃስይ እቲ ሰላሕታዊ ናይ ዓለም ምዃን ኣባና ሰሪጹ ብዙሕ ማህሰይቲ ኣስዒቡ እዩ፡ እግዚኣብሔር ክድግፈናን ክድግፈኩምን ንእግዚኣብሔር እጽልይ

ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሰዓት 11.30 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ናይ ማሕበሮም ጠቕላሊ ዓውደ ዓኼባ ንዝሳተፉ ኣሃው ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘቀርመሎስ ገዳማውያን ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም፡ ካብ ፈተና ልቡጥነትን ናይ ዓለም ካብ ምዃንን ተቖጠቡ፡ ካብቲ ሓቅነት ካብ ዘይብሉ ተመስጦነትን ሰቂለ ሕልናውነትን ናብቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጥራሕ ብተፋረቕ ካብ ዝነበር ምትሕብባር ንኸይነብል ብሓልዮቱ ኣብ ቅድሚ ፊት እቲ ካብ ፈተናታት ዘናግፈና ስቑል ኢየሱስ ኣብራኽና ንዕጸፍ ዝብል ሓሳብ ዘማከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝተቐበልዎም ኣሃው ንጽህት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘቀርመሎስ ገዳማውያን፡ ብኣባታውነትን ብግልጽነትን መንፈስ፡ ነቲ ናይ ወንጌል ሓሴት ንዓለም መታን ንኽምስክሩ ክስዕብዎ ዝግብኦም መገዲ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ገዳማውያን ካብቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝተናዀልን ዘዕንውን ኣእጋር ዘልምስን ኣብ ልቡጥነት ዘንብርን… ኰታ ካብቲ ኣብ ኣሓት ዝግለጽ ቅንዋት ኣካለ ክርስቶስ ከርሕቐናን ጥራሕ ዝባንና ካብ ዘትርፍን ዘዋርደናን ጊላዎት ዝገብረናን ፈተን ክጥንቀቝን ሓደራ ከምዝበሉ ሰፒያ ገሊጸን።

ተመስጦን ተኣማንነትን

ቅዱስነቶም ንቀርመለሳውያን፥ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ናይ ውሽጢ ስርዓተ ሕጊ ዘመላኽቶ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝጠልቦ ተኣማንነትን ተመስጦኣውነትን ንዝብል ተልእዀ እሙናት ኩኑ፡ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ዝህልወኩም ግላዊ ርክብ ዝተተሓዘ ተልእዀ እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ተመስጦን ሰቂለ ሕሊናን ምንባር ጸዋዕታዅም እዩ፡ እዚ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ ናይ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንኸተገልግሉ ዘብቅዓኩም እዩ። … እቲ ምንባር ተመስጦን ሰቂለ ሕልናን ካብ ሓሴትን ካብ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ዘርሕቐኹም ከይከውን ኣስተዕልዎ፡ ስለምንታይ እውነተይና ተመስጦ ምስ እግዚኣብሔር ዘሕብር ጸዋዕታ ስለ ዝዀነ፡ ….

ናይ ዓለም ምዃኑ ሓደገይና ፈተና እዩ

ንእውነተይና ኣስፍሆተ ወንጌል መንፈሳዊ ኣሰንዮታን ጸሎትን ወሳኒ እዩ፡ ብዘይ እግዚኣብሔር ላዕልን ታሕትን ምባል ይውዓል ይሕደር ብዙሕ እዩ ዘኽፍል፡ ከምኡ እውን ልቡጥ ሕይወት ኣብ ውፉይ ሕይወት ጸዋዕታ ምንባር፡ ተኣዝዞን ንጽሕናን ድኽነትን ዝብል ወንጌላውን ምኽሮት ልማድ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ፡ እቲ ሰላሕታዊ ፈተና በዚ ጥራሕ ኣይኰነን ዝግለጽ፡ …

ንቤተ ክርስቲያንን ንኣና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባትን ዝሃስይ እቲ ሰላሕታዊ ናይ ዓለም ምዃን ኣባና ሰሪጹ ብዙሕ ማህሰይቲ ኣስዒቡ እዩ፡ እግዚኣብሔር ክድግፈናን ክድግፈኩምን ንእግዚኣብሔር እጽልይ፡ እዚ ጠቕላሊ ኣኼባዅም’ዚ ካብ መንፈስ ቅዱስ እቲ ሰላሕታ ዘበለ ኵሉ ንኽትቃለሱን ንኽትስዕሩን ዘብቅዓኵም ሓይሊ እትጽገውሉ ካብ ሓልዮት እግዚኣብሔር ዝተዓደለኵም ኵነት እዩ፡

ነቲ ዘይተገዳስነት ዘተኣታትው ልሙስነት ምስዓር

ካብ ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ ምንባር፡ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዝብሎ፡ ካብ ውሽጢ ኣብ ደገ ንኽትነብር ካብ ዝድርኽ ህዋስ ዘናግፍ ፈውሲ ምስ እግዚኣብሔር ምሕዝነት ምንባርን ናይ ሕይወት ኣንጠረይና ምዃንን እዩ

ንሕዝበ እግዚኣብሔር ጸሎት ምውህላል ምምሃር ዘይኰነ ናይ እምነት ሰባትን ኣዕሩኽ እግዚኣብሔርን ንኽዀኑ እዩ፡ ካብ ናይ ጽሞና ጸሎት ዝተለወጠ ማሕበረሰብን ሓቀይና ኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ይውለዱ፡

ውፉይ ተምሳጥ ዝነብር ኣብ ናይ ካእልእ ስቓይ ዝዋሳእ ልቢ ዘለዎ እዩ

ናይ ሓደ ቅርመለሳዊ ጸዋዕታ ካብ ሕያውነትን ደንጋጽን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሱእ ካብ ምዃን ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ዘይንጸል ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና፡ ተምሳጥን ሰቂለ ሕሊናን ዝነብር ደንጋጺ ልቢ ዘለዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሱ፡ ናይቲ ንበይኑ ዝተሓድገን ዝተጠንጠነን፡ ጽሞናን እግዚኣብሔርን ዝፍተት ፍቕርን ኣብ ስቓይ ተሳታፊ ምዃንን ነቲ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ንዝቖስል ሓው ቁስሊ መቕባእቲ ኰይኑ ዝርከብ ምዃኑ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ።

ናይ ሓልዮት ሰውራ

ካብቲ ደንጋጽን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሱእ ኣብ ምዃን ካብ ዘየዕብይ ዓይነት ሰቂለ ህሊናነት ምጥቓቕ የድሊ፡ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሱእ ንምዃን ዘይድርኽ ሰቒለ ሕልናውነት ሓቅነት ዘይብሉ ተምሳጥ እዩ።

ናይ ኢየሱስ ስቓይ ሎሚ እውን ህልው እዩ፡ ኣብ ናይ ኣሕዋት ኣካል ኣብቶም ዝዓረቑን ዝተዋረዱን ንግሊያነት ዝተቓልዑን ኣሕዋት ይድገም፡ ናይዞም ኣሕዋት ኣቑሳል ብምትንካፍ ነቲ ኣብ መንጐና ዝነብር እግዚኣብሔር ምምላኽን ምስትንትናን ምውዳስን ተኻኣሊ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ብሓቂ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋት ጸላምን ሓንደበትን ጡብሉሓት ንኽንከውንን ትውሳኤ ክህልወና መታን ሓደ ዓቢይ ናይ ለወሃትን ሓልዮት ሶውራ ኣገዳሲ እዩ፡

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ሰፒያ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ንቀርመለሳውያን፥ ኣይፋል ንዓለምነት ሓቅነት ንዘይብሉ ሰቂለ ሕልናውነትን
21 September 2019, 18:37