ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኣልዛይመርን መንሽሮን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኣልዛይመርን መንሽሮን ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኣልዛይመርን መንሽሮን ይጽልዩ

ዕለት 21 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣልዛይመር

ሎሚ ዕለት 18 መስከረም 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነቶም በቲ ሰለይ እናበለ ኣእምሮ ናይ ዝካረ ብቕዓቱ ብዘጥፍእ ሕማም ዝተጠቕዑን ዕለት ብዕለት ኣብ ኣገልግሎት ምእላዮም ፍቕሪ ዝተግሁ ኣባይቲ ስድራኦምን ንጸልይ ቢሎም፡ እተሓሒዞም እውን ብዝተፈላለየ መንሽሮኣዊ ሕማም ንዝተጠቕዑ እውን ንጸልይ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህሙማን ብዙሕ ግዜ ናይቲ ኣብ እዋናዊ ዓለም ናይ ዝሰፍሕ ዘሎን ዝረአይን ብዙሓት ኣብቲ ምስቲ ናይ ኣህላኽነት ዝብል ቀኖና ዘይሰማምዑ ቢሉ ንዝሓስቦም ከም ጓሓፍን ውዳቕን ንዝርእዮም ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ዓቢይ ስፍራ ከምዘለዎም ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም፡ ህሙማን ኣብ ጸሎተይ ህልዋን ኢኻትኩም ቢሎም ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ዕለት 21 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣልዛይመር (ሰለይ እናበለ ኣእምሮ ናይ ዝካረ ብቕዓቱ ብዘጥፍእ ሕማም ዝተጠቕዑ)፡ ብዙሓት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞም ሕማም ኣደዳ ዓመጽን ንጽገትን ከይኖም ንሓደጋ ግህሰት ሰብኣዊ ክብሪ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፡ ስለኤምን ስለ እታ ብፍቕሪ እትሕብሕቦም ስድራ ቤቶምን ከምኡ እውን ስለ እቶም ብተፈላለየ መንሽሮኣዊ ሕማም ንዝተተቕዑ ንጸልይ፡ እግዚኣብሔር ምፍዋስ ክዕድሎም መታን፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ህሙማን ኣልዛይመርን መንሽሮን ይጽልዩ
18 September 2019, 18:23