ር.ሊ.ጳ. ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም ር.ሊ.ጳ. ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም 

ር.ሊ.ጳ. ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየድዎ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንእግዚኣብሔር ንኸመስግኑ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም. ምሸት መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ዕለት 10 መስከረም 2019 ዓ.ም.  ነቒሎም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ሓምሳን ሓሙሽተን ደቓይቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊው ሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ፡ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም፡ ከምቲ ልሙድ ንሓዋርያዊ መገሻ ኽነቕሉን ድሕሪ ምምላሶምን ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ዝፍጽምዎ መንፈሳዊ ንግደት መሰረት ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ምብጻሕ ኣካይዶምን ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን በማላድነት ቅድስተ ማርያም ስለ እቲ ኣብ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንእግዚኣብሔር ጸሎት ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ኣብ ትርጋጽ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዕንባባ ከምዘንበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ኣትዮም
11 September 2019, 09:51