ንቕሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞዛምቢክ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናብታ ዝሳፈሩላ ነፋሪት ኣትዮም ምስቶም ናይታ ነፋሪት ኣዛዚ መራሒ ፓይለትን ክልተ ናይታ ነፋሪት ኣአንገድትን ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ ንዘሰንይዎም ሰላምታ ከምዘቕረቡ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መስከረም 2019 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ናብ ሃገረ ሞዛምቢክ ከምዝነቐሉን ብናይ ሞዛቢክ ሰዓት ኣቆጻጽራ እቲ 7,866 ኪሎ ሜትር ዘጠቓልል ናይ 10 ሰዓትን ፈረቓን ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ፈጺሞም ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ከምዝኣተዉ ክሕበር እንከሎ፡ እቲ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘጠቓልል ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናብ ሞዛምቢክ ንኽነቕሉ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምስንባቶም ካብተን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ብናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር መእለዪ ስደተይናታት ኣስታሊን ብማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮን ምስ ዝእለዩ ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮርናድ ክራየውስኪ ምስ ዝተሰነዩ 12 ስደተይናታት ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናብታ ዝሳፈሩላ ነፋሪት ኣትዮም ምስቶም ናይታ ነፋሪት ኣዛዚ መራሒ ፓይለትን ክልተ ናይታ ነፋሪት ኣአንገድትን ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ መገሻ ንዘሰንይዎም ሰላምታ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ማፑቶ ምስቶም ኣብ ሞዛምቢክ ሰላም ንኽረጋገጽ ምስቲ ረናሞ እተሰምየ ተቓዋሚ ግንባር ዕለት 6 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ናይ ሰላም ስምምዕ ዝፈረሙን ዕለት 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር መረጻ ሕጹይ ኰይኖም ብዝቐርቡን ርእስ ብሔር ፊሊፐ ንዩሲ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ንምሕዳሮም ኣብ ማፑቱ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ከምዝኸዱ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 5 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንኽብሪ ሃገርን ሕዝብን ርእሰ ብሔር ሞዛምቢክን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ግሊ ርክብ ምስ ኣካየዱ ምስ ናይ ሞዛምቢክ ዓበይቲ ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡን ርእሰ ብሔር ንዩሲ ድሕሪ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም መደረ ኣስዒቦም ቀዳማይ መደረ ከቕርቡ እዮም። ኣስዒቦም እውን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን መንእሰያትን ክራኸቡን ድሕሪ ቐትሪ ምስታ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ውፉያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ምስ ተራኸቡ ቀጺሎም እውን ኣብቲ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 እስተሰምየ ግዳም ሓደር ሕጻናትን መንእሰያትን ዝእለይሉ ማእከል ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሞዛምቢክ ኣብ ዝነቐልሉ እዋን ነተን ናይ በረራ ኣየር ዶባታን ንዘቋርጹለን ሃገራት፡ ማለት ንናይ ረፓብሊክ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ንናይ ረፓብሊካዊት ግሪኽ ርእሰ ብሔር ፕሮኮፒስ ፓቫሎፑሎስን ናይ ምስሪ ረፓብሊካዊት ዓረብ ርእሰ ብሔር ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲን ንናይ ረፓሊካዊት ሱዳን መንግስቲ ናይ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብደል ፋታህ ኣብደልራሕማን ቡርሓንን ንናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ማያርዲትን ንናይ ረፓብሊካዊት ኡጋንዳ ርእሰ ብሔር ዮወሪ ሙሰቨኒን ንናይ ሕብራት ረፓብሊካዊት ታንዛኒያ ርእሰ ብሔር ጆን ማጉፉሊን ንናይ ረፓብሊካዊት ማላዊ ርእሰ ብሔር ፒተር ሙታሪካን ንናይ ረፓብሊካዊት ዛምቢያ ርእሰ ብሔር ኤድጋር ሉንጉን ናይ ሰላምንታን ዕርቅን ሰላምን ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንቕሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሞዛምቢክ
04 September 2019, 16:28