ኣብ እምነት መጽናዕቲ ዝሓትት ሓይሊ ሕዝቢ ኣብ እምነት መጽናዕቲ ዝሓትት ሓይሊ ሕዝቢ  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ እምነት መጽናዕቲ ዝሓትት ሓይሊ ሕዝቢ

ኣብቲ ነዊሕ ኪሎ ሜትር ጎደናታት ደው ቢሉ ንቕዱስነቶም ዝጽበይ ዝነበረን ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየዱ ርክባት ዝተረኽበን ዝተኣከበን ኣብቲ ቅዳሴን ርክባትን ዝካየድሉ ዝነበረ ዶሮናን ጸኒሑ እውን ብዝናም ናብ ጭቓ ኣብ ዝቕየርን ሰጣሕ ጐላጉል ዝተረኽበ ሕዝቢ፡ ንቕዱስነቶም ክርኢ

ንቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ኣብ ዘካየድዎ መበል 31 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዘሰነዩ ሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ፓውሎ ሩፊኒ (PAOLO RUFFINI) ክዀኑ እንከለዉ፡ ሩፊኒ እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ዓቢይ ተኣምር መላእ ሕዝቢ ንምቕባልን ንምእንጋድን ቅዱስ ኣቦናን ዝነበሮ ሓሴት ዓቢይ እንታይነት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ምስክርነት ምዃኑ ዕለት 11 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ብዙሕ ዘመሳስሎ ነገር ዘለዎ እውን እንተዀነ፡ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጽሕ ናይ ገዛእ ርእሱ መለለይ ዘለዎ እዩ፡ ፍሉይነት ኣብ ሓድነት፡ እቲ ሓደ ዝገብሮ፥ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምጽናዕ ዝብል ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሓዋርያዊ መገሻታት ዝደጋገፍን እቲ ዝሓለፈ ነቲ እዋናዊ ዘበርትዕ እዩ።

ንቕዱስ ኣቦና ብሓንቀውታ ዝጽበይ ሓድነት ህዝብን፡ እዚ ኣብ ዙሪያ ቅዱስነቶም ዝተረኽበ ሕዝቢ ዘረጋግጾ ሓድነት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ምስሊ ርክባት ዝገልጾን ዝሓንጾን እውን እዩ።

ኣብ ወጅሂ እቲ ሕዝቢ ኣብ ጥማተኡን ኣብ ወስታኡን ዝዝንተው ታሪኽ ሓንቀውታን ሓሴትን ሓይልን ንምርኻብ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ኵሉ ተንብብ፡

ኣብቲ ነዊሕ ኪሎ ሜትር ጎደናታት ደው ቢሉ ንቕዱስነቶም ዝጽበይ ዝነበረን ኣብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየዱ ርክባት ዝተረኽበን ዝተኣከበን ኣብቲ ቅዳሴን ርክባትን ዝካየድሉ ዝነበረ ዶሮናን ጸኒሑ እውን ብዝናም ናብ ጭቓ ኣብ ዝቕየርን ሰጣሕ ጐላጉል ዝተረኽበ ሕዝቢ፡ ንቕዱስነቶም ክርኢ ዝተኣከበ ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ናይ ቅዱስነቶም ሰላምታን የዕንትን ቡራኬን ብሓቂ ናይ ሕዝቢ ጥልቅን ብርቱዕን ናይ እምነት መግለጺ ታሪኽን ምስክርነትን እዩ።

ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንቤተ ክርስቲያንን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሓይሊ ዘጸግው ኵነት፡ ኣብቲ ርክብ ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ብዙሕ ጸገም ምልላይ ዝከኣል ክኸውን እንከሎ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናይቲ ብእግዚኣብሔር ንጉስነት ጴጥሮስ ዝተወሃበ ሕዝቢ ሚስጢር እትገለጽ ቤተ ክርስቲያን መግለጽን ጴጥሮስ እውን ነታ ብዙሕ ጸገማት ንእተሕልፍ ሕዝበ እግዚኣብሔራዊት -  ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት የጽንዕ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝሓበርዎ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ፈተና ምግምማዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፡ ብዘይ ምፍራሕ ኣብ ሓይሊ ጸሎት ምእማን የድሊ ይብሉ፡ ናይ ሕዝቢ ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን እምነት ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለዉ፡ እምነት ክርስትና ዘስፈሔ ግብረ ኣስዳዒ እምነት ዝብል ኖልዎ ዘይኰነ ኣብ ፍቕሪ ከምእተሓነጽካ ኣብ ምምስካርን ሓደ ኣካል ምዃንካ ኣብ ዝገልጽ ምስክርነት ምዃኑ የብርሁ።

ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ድራር ኣብቲ ጽንኵርን ቅድሚ ሞቱን ትንሳኤኡን ዘሎ ናይ ሕማማት ሰዓት ንጴጥሮስ ኣብቲ ሕዝቢ ንጉስ ንጉስ እናበለ ኣብ ዘወደሰሉ እዋን ዝሃቦ ዘጽንዕ ቃል፡ ካብ ጴጥሮስ ናብ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመሓላለፍ ቃል እዩ፡ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ገህነም በራት ዝዕቅብ እዩ፡ እዚ ሓይሊ’ዚ ካብ ጸሎት እውን ምዃኑ ኢየሱስ ምእንቲ ጴጥሮስ - ቤተ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ሓደራ ዝብል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብጴጥሮስን ብተኻታሊ ጴጥሮስን።

ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሉቃስ ምዕ. 22 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 32 ዘሎ  ከረድኡ ዝበልዎ፡ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ማዕቅን ስነ ፍጻሜ ዝምልከት እዩ፡ እዚ መፈጸምታ’ዚ እዋናውነት ክብሪ ዘለዎ እውን እዩ፡ ስለዚህ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ህልው ኵነት፡ ኵላትና ኣብዘን ቃላት ወንጌል ትርጉም ጴጥሮሳዊ ስልጣን ነስተውዕል፡ ኣብዚ ህልው ኩነት ናብቲ መባጼሕ እትጥምት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ምጽናዕ ዝብል እዩ (ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 2 ታህሳስ 1992 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ዘስመሩሉ ሓሳብ) እንክብሉ ፓውሎ ሩፊኒ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(PAOLO RUFFINI)

ኣብ እምነት መጽናዕቲ ዝሓትት ሓይሊ ሕዝቢ
12 September 2019, 17:24