ብምስክርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምስክርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ  ርእሰ ዓንቀጽ

ብምስክርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ

ንሰማዕትና ንዘንቡቡናን ናይ ትስብእት ወጅሂ ጽባቔን ሓቀን ተስፋን ኰይናን ንኽርከብ

ዕለት 23 መስከረም 2019 ዓ.ም.  ሰዓት ትሽዓተ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕዋይ ቤት ጽሕፈት ብዘካይዶ ካልኣይ ምሉእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምኽንያት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኽቢ ብዙሓን ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያ ዕደ ጥበብን ተቐቢሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት ምስ ቅዱስነቶም ንምልላይ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምታ ቃል፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን መሰረት ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ኣሰናዳኢ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣንድረያ ቶርኔሊ (Andrea Tornielli) ምስክርነት ዝተላበሰ ሓበሬታ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ናይ ክርስቲያን ሰማዕታት ኣብነት ዝተሰረተ ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምምስካር ሓበሬታ ምቕራብ፡ ክርስትና ብዝምስክር ኣገባብ ማለት ምስክርነት ዝተላበሰ ፈነወ ሓበሬታ፡ ኣብቲ እተቕርቦ ሓበሬታ ትውሱኤ ዘሎካ ምዃን፡ ነት ንጭቡጥ ኩነት ብትኽክል ዝገልጽ ስም ወይ ናይ ባህርይ ቃል ዝጥቀም ኣቀራርባ ሓበሬታ፡ ሰማዕትነት ዝተላበሰ ኣገባብ ምቕራብ ሓበሬታ፡ ማለት ናይ ክርስቶስ መሰኻኽር ካብ ምዃን ዝነቕል ምቕራብ ሓበሬታ። ከም ሰማዕታትን፡ እቲ ናይ ሓዋርያት ቋንቋ ዝዀነ ቋንቋ ሰማዕታት ምፍላጥ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር መደብር ተለቭዥንን ቫቲካን ረዲዮን ዕለታዊ ጋዜጣ ሎሶርቫቶረ ሮማኖን ቤት ማሕተም ቫቲካንን ካብ ርሕሰ ተመሓዳርነት ተላቒቖም ብሓደ ጠርናፊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክሑቖፋ ዝገብር ዘቖምዎ መደብ ሕዳሴ ክውን ከይኑ ብሓደ ናይ ህይነተ ስልጣን ክምራሕ ካብ ዝጀመረ ንነጀው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈላማ ግዜ ንመላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓ ሰራሕተይናታት (ጋዜጠይናታን ሰም ሙያ ዕደ ጥበብን ኣባላት ምሕደራን) ብሓባር ተቐቢሎምን ሓደ ብሓደ ሰላምታ ዝተለዋወጥሉ ርክብ ከምዝነበረን ኣብዚ ርክብ’ዚ ንዓና ጋዜጠይናታት ካብ ቅጽል ስም ተጠቃምነት ተላቒቕና ነት ንጭቡጥ ኩነት ብትኽክል ዝገልጽ ስም ወይ ናይ ባህርይ ቃል ምጥቃምን ዕማምና ዕለት ብዕለት ኣብ ናይ ሰማዕታት ምስክርነት ዝጥምት ክኸውን ከምዘለዎ ይምዕዱ።

እቲ ቃለ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕዮና ሕመረት ዝትንክፍ እዩ፡ ሰማዕታትና ንምምራኽ ዘብቕዕ ሙያዊ ምኽሪ ዘይኰነ በንጻሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን መሰረታዊ ትርጉሙ ዝሕብር ክኸውን እንከሎ፡ ንሓደ ክርስቲያን ሓበሬታ ንምቕራብ ጋዜጠይና ምዃን ምስክርነት ምቕራብ ማለት እዩ። ስለዚህ ምስክር ምዃን ንእትምስክሮ ምንባሩን ትውሳኔነትን ይሓትት፡ ምስቲ ዝዝንተውን ዝራኸብን ጭቡጥ ኵነትን ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረን ጥልቂ ርክብ ዘለካ ኴይንካ ጽባቔን ሓቅን ተስፋን እተራኽብ ምዃን ዝብል እዩ።

እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ብፍላይ ኣብ ዋዜማ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ መምርሒ እዩ፡ ኣብቲ ባሕሪ መራኸቢ ብዙሓንን እምነት ናብ ፖለቲካ ኣውሪዱ ዘንብብ ናይታ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነት ቤተክርስቲያን ታሪኽ እውን ከይተረፈ ፖለቲካ ከም ኣናባብ ዝጥቀም ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ስልጣናዊ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያን ዝካየደሉ ውግእ ገይሩ ዝትርጉም ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ መንጐ ምእመናንን ጓሶትን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ምግምማዕ ጭሮሖ ኣምሲሉ ዘቕርብ ጸረ ወንጌላዊ ምስክርነት ኣብ ዝነዝሕ መራኸቢ ብዙሓን ንምስፋፍ ቡሶላ እዩ።

ኣብ ቅድመኻ ናይ ሰማዕታት ኣብነት ምንባር ዝሓትት ኣገልግሎት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ቃለ ምዕዳ ሓቢሮም፡ እዚ ናይ ወንጌል ምስክር ኣገባብ ሕይወት ምግባር ዝብልን ንቤተክርስቲያን ሕይወት ዝህቡ ናይ ወንጌል መሰኻኽር፡ ሕይወቶም ምእንቲ ወንጌል ኣሕሊፎም ናይ ዝህቡ፡ ውርጽጻን ወይ ውን ኣንደበተ ርቱዓን ሰባክያን ዘይኰኑ፡ እቶም ሓቅን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ብኵለንተናውነት ዝዕቅቡ እያቶም። ናይ ሰማዕታት ምስክር፡ ንወንጌል ሕይወቶም ዘወፈዩ፡ ናይቲ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ድሕነት ኵሉ ኣሕሊፉ ንዝሃበ ዝስዕቡ ንጸላእቶም ዘፍቀሩ፡ ስለዚህ ክርስቲያን ኣብ ናይ ምርኻብ ወይ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ኣገልግሎቱ ምግምማዕ ዘይኰነ ሱታፌ ዝምስክርን ዘሕብር ፍቕሪ እምበር ዝበታትን ጽልእ ዘይምስክሩ ቤተ ክርስቲያን ብሰብኣውን ፖለቲካውን ብናይ ምግምማዓት ስነ ሞጐት ዘየንብብ፡ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓደራ ዝህቡና ሓላፍነት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ከምዝግበር ብዙሕ ሰዓቢ ንኽትረክብን ብዙሓት በጻሕቲ ከዝተመልከትዎን ፍቱው ዝብል ምልክታን ዘናድዩ ካብ ምዃን ተቖጢብና ከም ናይ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ኣንጠረይናታት ብዕለታዊ ዕዮና ኣቢልና ርክብን ውህደትን ንሰማዕትና ንዘንቡቡናን ናይ ትስብእት ወጅሂ ጽባቔን ሓቀን ተስፋን ኰይናን ንኽርከብ ይምዕዱና።

(Andrea Tornielli)

ብምስክርነት ምትሕልላፍ ሓበሬታ
24 September 2019, 16:20