2019.09.07 ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ምስ ቀርመለሳውያን ደናግል ጸሎት  ዘሠለስቱ ሰዓት ኣብ ዘብጽሑሉ ግዜ 2019.09.07 ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ምስ ቀርመለሳውያን ደናግል ጸሎት ዘሠለስቱ ሰዓት ኣብ ዘብጽሑሉ ግዜ 

እግዚአብሔር ኣብ ልብኽን ንክሓዳር ንኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ኣዘውትራ! ር.ሊ.ጳ ንመነኮሳት ማዳጋስካር

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮስ ምስተን ኣብ ከተማ ኣንታናናሪቮ ገዳም ቀርመለሳውያን ደናግል ዝርከባ መነኮሳት ደናግል ጸሎተ ዘሠለስቱ ሰዓት ንምብጻሕ ናይ ሰዓቱ ዳዊት ደጊሞም ኣብ ዝሃብዎ ኣስተንትኖ ብዙሕ ግዜ ዋጋ ዘይንህቦ ናኣሽቱ ናይ ግብረ ሠናይ ተግባራት ንዓለም ዘድሕኑ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ስለዝኾኑ ንዝኾነ ፈተና ብጸሎትን ልብኽን ንኣምላኽ ብምኽፋትን ክትሸንፍኦ ጸዓራ እንክብሉ ምኽሮም ለጊሶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም ክፍሊ ጸሎተ ዳዊት ዝኾነ ሓጺር ንባብ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ተነበ ድሕሪ ሓጺር ኣስተንትኖን ሱቊታን ምኽሮም ንምልጋስ ብጽሑፍ ዘቅርብዎ ኣሎ። ሎሚ ግን ነቲ ጽሑፍ ገዲፎም ኣብቲ ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃሎም ኣብ ልቦም ዝስምዖም ሰቢኾም። በቲ ዝጥዕሞም ቋንቋ ጣልያን ሰቢኾም።  ድሕሪ ምድጋም ዳዊት ንዕለቱ ዝቀረበ ካብ 1 ነገ 2.2-3 ኰይኑ ብቋንቋ ፈረንሳ እንክንበብ ትርጉሙ ‘ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽኑዕ፡ ሰብአይ ከኣ ኹን። እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኺቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።’ ዝብል ነበረ። እዚ ንጉሥ ዳዊት ንወዱ ሰሎሙን ጽንዓት ንጐይታ ክንክተል ንዓና እውን ተድልየና ኰይኑ ግን እቲ ዝኸበደ ሥራሕ ጐይታ ከምዝፍጽሞ እርኢ ኣሎኹ ካባና ትድለ ጐይታ ንክሰርሕ ንክነፍቅደሉ ትብዓት ጥራይ እያ። ብማሕበር ኣብ እትነብረሉ ከኣ ኩለን እተን ዕለት ዕለት ዝግበራ ናኣሽቱ ተግባራት ፍቅሪ እየን ናብ ድሕነት ዝመርሓ እሞ ነዚኤን ንምፍጻም ትብዓትን ጽንዓትን የድሊ ኢሎም።

ብብዙሓት ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ዝቆመ ማሕበራዊ ሕይወት ገዳማውያት!

ቅዱስነቶም ማሕበራዊ ሕይወት ገዳማውያት ቀሊል ከምዘይኮነ ትብዓትን ጽንዓትን ከምዘድልዩ ልዕሊ ኩሉ ግን ናኣሽቱ ተግባራት ፍቅሪ ንመንፈስ ማሕበር ሕይወት ከምዝህቦ ንምግላጽ ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ክህነቶምን እምነቶምን ከም ኣብነት ኰይኑ ዝረድኦም ታሪኽ ክልተ ደናግል የዘንትው። እዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም ታሪኽ ክልተ ደናግል ሓንቲ መንእሰይ ጐበዝን ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሽማግለን ኰይኑ ወትሩ ካብ ጸሎት ወጺኤን ናብ ቤትብልዒ ገጸን ክኸዳ ከለዋ እታ መንእሰይ ድንግል እታ ሽማግለ ከይትወድቅ ክትሕግዛ ሒዅ ትብል እንተ እቲኣ ሽማግለ ግን ቊጥዕ ኢላ ‘ኣይትተንክፍኒ ክተውድቅኒ ኢኺ’ እናበለት ዕሚም ትብል እታ መንእሰይ ግን ብሕጉስ መንፈስን ፍሽኽታ ብዝመልኦ ቈላሕታን ኩሉ ግዜ ተሰንያ ነበረት። እዚ ናይ ፈጠራ ታሪኽ ከይመስለክን ብሓቂ ዝኾነ እዩ። እታ መንእሰይ ድንግል ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ነበረት። ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ኣብ ዋጋ ዘይትህቦም ናኣሽቱ ነገራትን ኣብ ዓበይቲ ፍጻሜታትን ኣሎ። ነዚ ከኣ ነቲ ዝተኣዘዝካዮ እናፈጸምካ እዩ። ኣብዚ ዘሎኽን መነኮሳት ደናግል ኩልኽን ኣብ ሕይወት ብሕትወና ኰንክን ጥቃ ጐይታ ክትኮናን ፍጹማት ክትኮናን ከምዝመጻእክን እፈልጥ ኰይን ግን ፍጽምና ኣብዘን ናኣሽቱ ፍቅሪ ስጉምታት እዩ ዝርከብ። እዘን ናኣሽቱ ስጉምታት እዚኤን ዋጋ ዘለወን ኣይመስላን ኰይኑ ግን ባርያ ዝገብራ ንእግዚአብሔር ኣብ ልብኻ ኮይኑ ኣገልጋሊኻ ከምዝኸውን ዝገራ እየን። ቅድስት ተረዛ ነዚ ተሓስብ ነበረት እዘን ገመዳት እዚአን ንሕና ክንፍጽሞ እንኽእል ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሕት እየን። ነዚ ንምግባር ከኣ ትብዓት የድሊ። ትብዓት ብትብዓቱ ከኣ ነዘን ናኣሽቱ ነገራት ንምፍጻምን ጐይታ በዘን ናኣሽቱ ነገራት ከምዝሕጐስን በዚኤን ገሩ ንዓለምና ድሕነት ከምዘምጽእ ምግባር እዩ። ካባኽን ንሕይወት ማሕበር ምልዋጥ ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም ክተድሕን እትደሊ እንተልያ በዘን ንእግዚኣአብሔር ኣብ ልብኻ ኣምጺኤን ኣገልጋሊኻ ከምዝኸውን ዝገብራ ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥርሓት ጀምሪ እብላ ኢሎም።

ገዳማትን ጻውዒት ዓለምን

ቅዱስነቶም ኣብታ ዝተበገሱላ ታሪኽ ናይ ሓንቲ መንእሰይን ካልእ ሽማገለ ድንግልን ይምለሱ እሞ ሓደ ምሸት እዘን ደናግል እዚኣአን ካብ ጸሎት ናብ ቤትብልዒ ገጸን ክኸዳ ከለዋ ተረዛ ኣብቲ ከተማ ዝዝየም ዝነበረ ሙዚቃ በዓል ሰሚዓ ብሓሳባ ብዛዕባ ሳዕስዒትን እቶም ዝስዕስዑ ዘለውን እናሓሰበት ናይ መርዓዶ ይኸውን በዓል ዝኽሪ ዕለተ ልደት ኣብኡ ክትህሉስ ክንደይ ኰን ምጣዓመ እናበለት ሓሰበት ኰይኑ ሽዑ ንሽዑ ንጐይታ ካብተን ዕለት ዕለት እትገብረን ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ንማንም ካብኡ ምስዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይዘይተወርድ ነገረት ከመይ እዘን ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥርሓት ክንዮ ሳዕሳዒት ዓለም ዝኾነ ደስታ ስለዝህባ። ርግጽ እዩ ንዓኽን እውን ዓለማውነት ብብዙሕ መንገዲ ይመጸክን እዩ ምስ መራሒት ገዳምክን ከመይ ጌርካ እዚ ከምዝስገር ከኣ ትፈልጣ ኢኽን። ነዚ ናይ ምልላይ ጒዕዞ ዘይገበራ ኣብዚ ናይ ብሕትውና ገዳም እዚ ከምዘይመጸ ፍሉጥ እዩ። ስለዚኸስ ፈተና ዓለምን ደስታኣን ክመጸክን እንከሎ ንቅድስት ተረዛ ሕሰባ ንሳ ኣብ ግዜ ፈተና ምስታ ሽማግለ ድንግል ኰይና ክትሕግዛን ነቲ ንዓለም ዘድሕን ናኣሽቱ ናይ ፍቅሪ ሥራሓትን ብምግባር ተሸንፎ ነበረት።

ጸገም እንክትርእያ ብኡ ንብኡ ንገራ!

ነፍሲወከፍክን ኣብዚ ገዳም ንክትኣትዋ ብዙሕ ተቃሊስክን ብዙሕ ጽቡቅ ነገራት ብምግባር ከኣ ኣሸኒፍክን ንዓለምን ሓጢኣትን ሠይጣንን ኣሸኒፍክን ኣብዚ ትርከባ ኣሎኽን። ሓንቲ ካባኽን ኣብ ገዳም ክትኣቱ ክርኢ እንከሎ ሠይጣን ብጣዕሚ ሓዚኑ ከደ ኰይኑ ጽርይቲ ነፍሲ ምስ ረኣየ ይምለስ ናብኣ ንክኣቱን ንከዕንዋን ከኣ ካልኦት ካብኡ ዝበርትዑ ተኰለኛታት ሠይጣውንቲ ሓገዝ ይሓትት። እዚኦም ሠይጣውንቲ ሰረቅቲ ከምዝገብርዎ ድምጺ ከይገብሩ ምእታው ዘይኮነስ ብዙሕ ምትላል ብዝመልኦ ሰላሕታዊ ሜላ ብምጥቃም ብምዕቡል ኣገባብ ማዕጾ ኳሕኲሖም ኪኣትው ይፍትኑ። ከም ገለ እንተኣትዮም ናይታ ነፍሲ ኩነታት ካብቲ ቀደም ዝነበረቶ ዝገደደ ይኸውን። ኣሮማይ ኢልናዶ ተስፋ ክንቆርጽ ኣሎና። ኣይፋል ምስ ሓለቃ ምስ ጉባኤ ምስ ኣሕዋት ማሕበር ተዛሪብክዶ! ከመይ ዲያብሎስ ብዘይመጠን ጐራሕ እዩ! ሓንሳእ ሓንሳእ ጽቡቅ መኻሪ ኣባት ነፍሲኰይኑ እውን ይመጽእ እዩ። ስለዚኸስ ሓደራ ዝብለክን ዝኾነ ጸገም ምስ ዘጋጥመክን ከይወዓልክን ከይሓደርክን ብኡ ንብኡ ተዛረባ። ከምዚ ምስ እትገብራ ሰላም ይምለስ ቅድስና ንምክልኻል ይሕግስ ነቲ ገዳም ከኣ የድሕኖ። ቀንዲ መከላኸሊ ካብ ዲያብሎስከስ ፍቅሪ ሥራሕን ጸሎትን እየን። ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ከምዚ እያ ትገብር ነራ እታ ሓለቃ ዘይትፈትዋ እውን እንተነበረት ንሳ ንዓዓ ኢየሱሳ ስለዝነበርት ወትሩ ምስኣ ትዛረብ ነበረት።  

ውሳጣዊ  መንፈሳዊ ቃልሲ ክሳብ መጨረሻ እዩ!

ከምቲ ምስላ ሃገርና ፈላሲ ከይሞተ ሥርናይ ከይሽወተ ዝብሎ ቅዱስነቶም ገድሊ ባሕታውያንን መነኮሳትን ገዳውማውያንን ገዳማውያትን ክሳብ መወዳእታ ሕይወቶም ምዃኑ ንምግላጽ ናብ ታሪኽ ቅድስት ተረዛ ይምለሱ። ቅድስት ተረዛ ብጣዕሚ ሓሚማ ነበረት በብቁሩብ ከኣ እምነት ዘጥፍኤ ኰይኑ ክሳብ ዝስምዓ ኰነት። ነቲ ፈታኒ ዲያብሎስ ከመይ ከም እተርሕቆ ይጠፍኣ ነበረ። ነሕዋት ብምጽዋዕ ብማይ ጸሎት ንዓራታ ክባርኻ ዝተባረኸ ቀንዴል ከብርሃላ ትሓትት ነበረት። ስለዚኸስ ኣብ ገዳም ገድሊ ክሳብ መወዳእታ ሕይወት እዩ ኰይኑ ግን ጥዑም እዩ። ምናልባት እዞም ር.ሊ.ጳ እንታይ ወሪድኦም ክንዲ ዓበይቲ ነገራት ናይ ንባበ መለኮትን ሊቃውንትን ዝዛረበና ናይ ቈልዑት ነገር የዕለለና ከይትብላ እንተዝኾነለይ ኩልኽን ብመንፈስ ሕጻናት ኰን ምዀንክናለይ ጐይታ ነዚ ሕጻንነት እዚ እዩ ኣፈቱ። ኣጅኽን ንቅድሚት ገስግሳ ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 September 2019, 14:15