ድለ

ንእምነት ብዓለማዊ መንፈስ ኣይንጽለዎ! ቤተክርስትያን ገዛ ምሕረት እግዚአብሔር እያ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንስብከቶም ዝመረጽዎ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ 19 ኰይኑ ብዛዕባ ድሕነት ኣብ ዘኬዎስ ዝዛረብ ነበረ።

ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ኣብ ኢያሪኮ ከምዝተፈጸመ እዛ ከተማ እዚኣ ከኣ ብጣዕሚ ውርይቲ ዝነበረት ግንከኣ ብዘመነ ኢያሱ ዝዓነወት ኰይና እቲ ዝሓሰመ ዕንወት ከኣ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ሓንሳእ ዓንያ ንዘለዓለም ‘ዝተረሰዔት ከተማ’ ክትከውን ዝተበየነላ እዩ (ኢያ 6)። ኢየሱስ ግን ኣብኣ ይኣቱ ብኣኣ ከኣ ይሓልፍ (ሉቃ 19.1)። ኣብዛ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ እትርከብ ከተማ እዚኣ ትሕቲኡ ክትወርድ ኣብ ዘይትኽእለሉ ወሪዱ ንዘኬዎስ ካብ ዓዘቅቲ ሓጢኣት የውጽእ። ዘኬዎስ መጸባሓዊ ነበረ እኳ ደኣ ናይቶም በቲ ሕዝቢ እቲ ዝተጸልኡ ዝነበሩ መጸበሓውያን ሓለቃ ነበረ። ሃብታም እውን ነበረ። ነዚ ከኣ ብቀሊሉ ክንርድኦ ከምእንኽእል ብገንዘብ ዜጋታት እዩ በጺሕዎ። ንዓኦም ዘኬዎስ እቲ ዝሓሰመ ሰብ ክድሕን ምንም ተስፋ ዘይብሉ ነበረ። ኣብ ዓይኒ ኢየሱስ ግን ክቡር ነበረ ብስሙ ይጽውዖ ዘኬዎስ ማለት እግዚአብሔር ዘከረ ማለት እዩ። ኣብታ ዝተረሰዔት ከተማ እግዚአብሔር ንዓቢ ሓጢኣተኛ ይዝክር።

ስለዚኸስ እግዚኣአብሔር ይዝክረና እዩ። ፈጺሙ ኣይርስዓናን ካብ ቅድሚ ዓይኑ እውን ኣይኣልየናን ካብኡ ከርሕቁና ንዝኽእሉ ዕንቅፋታት እውን ይኣልየልና። ዘኬዎስ እውን ግዳይ ናይዚ ዕንቅፋታት ኰይኑ እዩ ሕጽሪ ቊመቱ ብሥጋስ ይኹን ብሞራል ከምኡ እውን ሕፍረት ውሒጥዎ ንኢየሱስ ኣብ ኦም ሓዂሩ ተሓቢኡ ክርእዮ ወሰነ። እቲ ኣቊጽልቲ ናይቲ ኦም ይሽፍነኒ እሞ ኣይርአን ኢሉ እውን ተስፋ ገሩ ነሩ ይኸውን።  ኩሉ ተወዲኡ ናብ ገዝኡ ኢየሱስ ተዓዲሙ ምስ ረኣዩ ዝነበረ ሕሜታ ቀሊል ኣይኮነን። ዱርትነት ሓጢኣት ሕፍረት ሕሜታን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን እኳ እንተሃለዎ ንኢየሱስ ግን እዚ ኩሉ ኣይእንታዩን ይዝክር የፍቅር የድሕን ከኣ።

ኣብዚ ዓመታዊ ዝኽሪ ካተድራልኩም እዚ ክፍሊ ወንጌል እንታይ ይብለኩም? ነፍሲ ወከፍ ቤተክርስትያን ብዓባያ ከኣ እታ እንተላዕለ ኩሉ ህላዌኣ ንደቂ ሰባት እግዚኣአብሔር ከምዝዝክሮምን ከምዘፍቅሮምን ከምዘድሕኖምን ኣብ ልቦም ከምዝስቈር ንምግባር እዩ። ንነፍሲወከፍ ምእምን ምናዳ ኸኣ ነቶም ርሒቆም ዘለዎ ‘ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ ብስምካ ጸዊዑካ ኣሎ እግዚኣአብሔር ኣብ ልቡ ስለወቀጠካ ኣይርስዓካን እዩ’ እናበለት ተዘኻኽር። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ኢየሱስ ንኢያሪኮ ሰንጢቁ ዝሓለፈ ንከተማኹም ሰንጢቅኩም ክትሓልፉ እሞ ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ንክትበጽሑ ናብቶም ዝተረስዑን ከም ናይ ዘኬዎስ ኣብ ኦም ደዪቦም ብፍርህን ሕፍረትን ተነጽሎን በቊጽልቲ ተሸፊኖም ዘለው ኬድኩም ‘እግዚአብሔር ኣይረሰዓካን ይዝክረካ ኣሎ’ በልዎም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ክንዮ ምዝካር ካልእ ኢየሱስ ዝገበራ ከስመረላ ምደለኹ። ንሳ ከኣ ወትሩ ከምዝቅድመና እዩ። ኣብ ኩነት ዘኬዎስ እንተተመልከትና ዘኬዎስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክርኢ ይደሊ ከምዝነበረ እዚ ከኣ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነ መን ከምዝነበረ ንምርኣይ እንክብል ነቲ ኩነት ካብ ማንም ምርኣይ ይፈልዮ። እዚ ከኣ ከመይ ዝበለ መምህር ከምዝነበረን ፍሉይነቱ ኣብ ኣንታይ ከምኾነን ንምዕዛብ ነበረ። ነዚ ከኣ ንሱ ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ ዘይኮነ ኢየሱስ ንኣኡ ምስ ረኣዮን ምስ ጠመቶን ይግለጸሉ። ከመይ ዘኬዎስ ክርእዮ እናተቃለሰ እንከሎ ኢየሱስ ኣቀዲሙ ይርእዮ። ዘኬዎስ ከይተዛረበ ከኣ ኢየሱስ ይዛረቦ። ዘኬዎስ ከይዓደሞ ከኣ ሎሚ ምሳኻ ክውዕል እየ ይብሎ። ስለዚኸስ ኢየሱስ ኣቀዲሙ የፍቅረና ይቅበለና ይዕድመና እውን። ንሱ ኣቀዲሙ ፍቅሩ ከምዝገልጸልናን ቅድሚ ኩሉ ከምዝመጸናን ምስ ፈለጥና ሕይወትና ትቅየር። ዝኸበርካ ሓው ዝኸበርኪ ሓፍቲ ከምቲ ናይ ዘኬዎስ ትርጉም ሕይወት ሃሰስ ትብል እንተደኣ ሃሊኻ ምናልባት ብሃብቲ ብሽመት ብደስታ ብገለ ጽግዕተይና ብምዃን እንተኾይኑ በዂርካ ኢኻ! ኢየሱስ ክጥምተካ ኣፍቅድ!  ምስ ኢየሱስ ጥራይ ኢኻ ከምዝተፍቀርካ ትርድኦ ሽዑ ከኣ ትርጉም ሕይወት ትረኽቦ። በቲ ዘይረኤ ርሕራሔ እግዚኣብሔር ውሽጥኻ ክትንከፍ ክስመዓካ እዩ እዚ ከኣ ንልብኻ ኣንቀሳቂሱ ከምትርሕርሕ ክገብረካ እዩ። ጉዳይ ዘኬዎስ ከምዚ እዩ ነሩ። ንነፍሲውከፍና ከኣ ኢየሱስ ክቅድመና እንከሎ ከምኡ እዩ ዝኸውን።  

ከም ቤተክርስትያን ከስ ቅድምያ ንኢየሱስዶ ንህብ ኢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት። ቅድምያ ንኢየሱስዶ ንመርሓ ግብርና ንህብ! መጀመርያ ኢየሱስዶ ይስራዕ ወይስ ትሕተ ቅርጽታትና! ዝኾነ ለውጢ ልቢ እቲ ንልቢ ዝትንክፍ ርሕራሔ ዝመልኦ ምሕረት እግዚአብሔር ክቅድሞ ከሎ ጥራይ ይውለድ። እንገብሮ ኩሉ ካብ ምሕረት ዝመልኦ ጠመተ ኢየሱስ እንተዘይነቂሉ ንእምነት መንፈስ ዓለም ነልብሶ እሞ ብዙሕ ዘድልን ዘየድልን ነገራት ኣብ መከባብያኡ ገርና ብባህላውን ፖሎቲካውን ምርጫታት ንዕፍኖ እሞ ነቲ መሠረታውን ቀንድን ዝኾነ ነገር ንርስዕ፡ ነቲ ቅድሚ ኩሉ ክመጽእ ዘለዎ ገርህነት እምነት ሕያው ርክብ ምስ ምሕረት እግዚኣአብሔር ንዝንግዖ።  እዚ ኣብ ማእከል እንተዘይኰይኑ ኣብ ምጅማርን ምፍጻምን ኩሉ ተግባራትና እንተዘይኰይኑ ንእግዚኣአብሔር ካብ ገዛና ካብታ ገዛኡ ዝኾነት ቤተክርስትያን ከምዝወጽእ ንገብሮ።

ቀዳምነት እግዚኣአብሔር ኣብ ሕይወትና ንምዕቃብ ኣብነት ዘኬዎስ ኣሎና። ኢየሱስ ኣቀዲሙ ይርእዮ ከመይ ንሱ ኣብ ሓንቲ ኦም ደዪቡ ስለነበረ። ነዚ ንምግባር ትብዓት የድሊ ምሕሳብ ምሕላም ምፍታን እውን! ሰብ ሽምግል ምስ በለ ኣብ ኦም ክድይብ ኣጸጋሚ እዩ ሕጻናት እዮም ከምኡ ዝገብሩ።  ዘኬዎስ ግን ነዚ ሕፍረት እዚ ስዒሩ ዳርጋ ከም ሓደ ሕጻን ኰይኑ። ኣብ ገርህነት ሕጻናት ክንምለስ ኣድላዪ እዩ። ቀድምነት እግዚኣአብሔር ኣብ ሕይወትና ንምዕቃብ ዝተሓላለኹ ሓሳባት እናኣደየብካን እናኣወርድካን ዘይኮነ ገርሀይናታት ከም ሕጻናት ምዃን ይኣክል። ሕጻናት ወለዲ ወይውን ዘሰንይዎም የድልይዎም ንሕና እውን እግዚአብሔርን ካልኦት ብጾትናን የድልዩና እዮም። ርእሰይ ክኢል እየ ኢልካ በይንኻ ክትከውን ናይ ምድላይ ሽፋን ንእለዮ። ናኣሽቱ ንኹን ትሕት ንበል ገርሀይናታትን ክፉታትን ሕጉሳትን ኰና ናብ እግዚአብሔርን ናብ ፍቅሩን ፍቅሪ ብጻይን ንምእታው ኣይንፍራህ።

ኣብ መወዳእታ ነታ ኢየሱስ ኣብ ፍጻሜ ዝገበራ ማለት ወዲ ገዛ ንክኸውን ንዘኬዎስ ‘ ዘኬዎስ ሎሚ ኣብ ቤትካ ዅዕል ስለዘሎንስ ብቕልጡፍ ውረድ’ (ኁ 5) እትብል እያ። ኣብቲ ብኹሎም ፍንፉን ዝነበረ ገዛ ዘኬዎስ ከም ፍቁር ጐይታ ኰይኑ ኣብ ቤቱ የአንግዶ። ብኢየሱስ ከም እተፍቅረ ምስ ረኣየ ናብ ልቡን ናብ ሰቡን ተመሊሱ ‘ኦ ጐይታይ እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ። ገለ ነገር ዝዓመጽኩዎ ሰብ እንተደኣ ኣልዩ ድማ ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይረ እፈድዮ’ (ኁ 8) ይብል። ሕጊ ሙሴ ኣብ ኦሪት ሓደ ሕምሲት ወሲኽካ ይብል ዘኬዎስ ግን ክንዮ ሕጊ ሓሊፉ ብፍቅሪ ተማሪኹ ኣርባዕተ ዕጽፊ ይብል። ኣብ ገዛኡ ምህላው ስለዝተሰቆሮ ማዕጾ ገዛኡ ንብጻዩ ይኸፍት። ካብ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ብቀጥታ ኣብ ፍቅሪ ብጻይ እዩ ዝስገር።  

ጐረባብትናን ዝፈልጡናን ሰባት ቤተክርስትያን ከም ቤቶም እንተትስምዖም ክንደይ ምጠዓመ። ተጻይ እዚ ድልየት ግን ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያንትና ንብዙሓት ጓኖት ይኾና ክትስዕበን እውን ዘይስሕባ ይኾና። ሓንሳብ ሓንሳብ ንሕናውን ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ሕዙእ ቦታታት ነቶም ዝተሓርዩ ጥራይ ዘገልግሉ ዕጽዋት ቤታት ክንፈጥር ንፍተን ኢና። ኰይኑ ብዙሓት ኣሓትን ኣሓትን ናፍቆት ገዛኦም ኣለዎም ምናልባት ገሊኦም ቅርብ ኢሎም ክሓቱ ትብዓት ዝስእኑ ወይውን ተቀባልነት ዘይረኸቡ ክኾኑ ይኽእሉ። ጐይታ ቤተክርስትያኑ ገዛ ኣብ መንጎ ገዛውቲ ክትከውን እሞ ኩሎም ከዕርፉላ ዝኽእሉ ንኩሉ እትቅበል ክፍቲ ገዛ ክትከውን እዩ ድላዩ። በዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎና ምሳና ክነብር ዝመጸ (ዮሓ 1.14) ኣብኡ ክንረኽቦ እንኽእለሉ ቦታ ይኸውን። ቤተክርስትያን ኩሎም ብማዕረ ዝረኣዩላ እምበር ሓደን ላዕሊ ኰይኑ ሓደን ታሕቲ ኰይኑ ኣንቈልቊልካ እትጥምተሉ እትፋረደሉ ዘይኮነ ከም ኣሕዋት እትነብረሉ እዩ።  ናይ ኩልና ሠናይ ነገር እነደንፍዕ እምበር ተቆጻጸርቲ ካልኦት ኣይኮናን።

ምጉርምራም ምስ በዝሐ ኢየሱስ ‘ወድ-ሰብ ከኣ ጠፊኡ ንዝነበረ ኼናድን ኬድኅንን እዩ ዝመጸ’ (ሉቃ 19,10) ክብል ይምልሸሎም። ዝተጸገመ ሰብ ሸለል እንብል ወይውን ዘይንግደስ እነዀና ናይ ኢየሱስ ኣይኮናን። ንኩሎም ከም ኣሕዋትና እንቅበለሉን ንማንም ዘይነጓንየሉን ጸጋ ክህበና ንጐይታ ንለምን።  ሕማቅ እንተኣጋጠመውን ቀልጢፍና ንኽሓስ። ሓዋርያት ኢየሱስ ናይ ዝሓለፈ ኣተለ በቀል በራዪ ክኾኑ የብሎምን እኳ ደኣ ብእግዚአብሔር ዝተማሕሩ ከም ዘኬዎስ ዝገብሩ ክፍጽምዎ ንዝኽእሉ ጽቡቅ ነገር ጥራይ ዚሓስቡ እዮም። ነቲ ብነጻ ዝተቀበልናዮ ብነጻ ንዓድል! ንድኻታትን ነቶም ምንም ክኽሕሱና ዘይክእሉ ነፍቅር! ከምዚ እንተገቢርና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሃብታማት ክንከውን ኢና።  

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ካተድራልኩም ከም ኩለን ኣብያተክርስትያናትና ነፍሲወከፍ ብርሕሩሕ ምሕረት እግዚኣአብሔር ተበጺሑ ኣብ ቤቱ ንኽቅበሎ እግዚኣአብሔር ከምዝዘከሮ ዝፈልጠሉ ቦታ ክትከውን እምነ። በዚ ከኣ ኣብ ቤተክርስትያን ዓቢ ነገር ይኸውን ከመይ ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ‘ሎሚ እዛ ቤት እዚኣ ድኅነት ወሪድዋ ኣሎ።’ (ኁ 9) ዝበሎ ቦታ ሓጐስ ትኸውን። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

23 September 2019, 09:59