ኣብ ቅድሚ ናይ ብዙሓት ጭንቂ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ኰና ሸለል ክንብል ኣይንኽእልን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ዝውክሉ ክትብሎም ዘኽእል ተርእዮ ዝተራእየሉ ካብ ኩሉ ዓለም ዝተረኽቡ ስደተኛታትስ ይኹኑ ነጋድያን ብዝተፈላለየ ባህላዊ ኣከዳድና ጸቢቆም ኣብቲ ዝተገብረ ሥርዓት እውን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ዝተፈላለዩ ጸሎታት ብምቅራብን ንዓለምለኸ ዕለተ ስደተናታትን ሓተቲ ዑቚባን ፍሉይ መልክዕ ኣልቢስዎ ወዓለ። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽን ፍጻሜን ተመርኲሶም ነቲ ኣብ ኦሪት እግዚአብሔር ኣምላከ እስራኤል ኣላዪን ሓላዪን ናይቶም ድኹማት ምዃኑ ብምግላጽ ስብከቶም ጀመሩ።
እቲ ንመበለትን ዘኽታምን ፍትሒ ዘውጽእ ንስደተኛ ዘፍቅርን ዝብላዕ ሂቡ ዘልብስን ኣምላከ እስራኤል ዝኾነ እግዚኣአብሔር እዩ። ነዚ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ኦሪት ዘጸኣት ከምኡ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ብተደጋጋሚ እንረኽቦም ቃላት እዮም። ቅዱስነቶም ነዚ ንመበል 105 ግዜ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለት ብምዝካር ከምዚ ኢሎም።
ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ብዙሕ ዘይፍትሓውነት ኣሎ።
ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብ ናይ ምሕረት ሥራሕ ተዋፊሮም ነቲ ንብጻይካ ከም ርእስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብግብሪ ክትርጉሙ ምስ ኣዘኻኸሩ ምስዚ ግብረ ሠናይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ዓለምና ሎሚ ከም ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ኢፍትሓዊ ተግባራትን ንሰብ ምንጻልን ብምምልካት ምናዳ ንቊሩባት ዘሀብትምን ጽቡቅ ናብራ ምጮት ከምዝነብሩ ዝገብርን ንብዙሓት ብዘይ ንብረትን ቤትን ዝገብር ኢፍትሓውነት ዘመንና እውን ክነስተትኖ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።
እቶም ንድኻን ጽጉምን ጐስዮም ዝሓልፉ ወይልኦም!
ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ዝቀረበት ካብ ትንቢት ኣሞጽ 6.1 ኰይና ‘እቶም አብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም።ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፣ ኣብ መንጽፎም፣ ድማ ዚጋደሙ፣ ካብ መጓሰ አባጊዕ ጥቦታውቲ፣ ካብ ደምበ አሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፣ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፣ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ፣ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮም። ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኺማረኹ እዮም፣ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ።’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም ብዕለት 8 ሓምለ 2013 ኣብ ላምፐዱሳ ስለእቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዚ ኢሎም ነሮም።
ከም ክርስትያን ነዚ ኩሉ እናረኣና ካብ ምንባዕን ገለ ምባልን ደው ክንብል ኣይንኽእልን።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ዝትርኽ ካብ ወንጌል ሉቃስ 16 ዝተወስደ ብምንባሩ ቅዱስነቶም እንተስ እቲ ናይ ኣሞጽ ነቢይ እንተስ እቲ ምሳሌ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ብኣካል ሎሚ ንነብሮ ኣሎና ከመይ ጣዕሚ ገዛእ ርእስና ውሒጡና ነቶም ኣብ ጸገም ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ረሲዕናዮም ንርከብ ኢሎም።
ምፍቃር ማለት ፍትሓዊ ዓለም ንክቀውም ግደኻ ምብርካት የድሊ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኦርትን ነቢያትን ንኩሉ ትእዛዛት እግዚአብሔርን ኣብ ክልተ ጥቅልል ኣቢሉ ኣብ ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ይገልጸን።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሥቃይ ሓውኻን ሓፍትኻን ክሰምዓካን ርሕራሔ እንከትርኢ እውን መግለጺ ፍቅሪ ብጻይ እዩ።
ንነብርቲ ሻውላት ናብ ማርያም ነማዕቊቦም!
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ንጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር እንክዕድሙ ኣደ ከም እትደልየና ምናዳ ነቶም ኣላዪ ዘይብሎም ኣብ ሻውላት ዓበይቲ ከተማታትና ዝነብሩ ሓልዮት ኣደ ክትገብረሎም ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣማዕቊቦም።