ኣብ ቅድሚ ናይ ብዙሓት ጭንቂ ኣይምውቃት ኣይዝሑላት ኰና ሸለል ክንብል ኣይንኽእልን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 29 መስከረም 2019 ዓምፈ ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ንምዝካር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብብዙሓት ካርዲናላትን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ተሰንዮም ብኣሽሓት ዝቚጸሪ ምእመናንን ነጋድያንን ብርከት ዝበሉ ስደተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ንዝኽሪ ስደተኛታት ዝኸውን ሓውልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን መሪቆም። ኣብ ስብከቶም ከኣ ንብጻይካ ምፍቃር ማለት ከኣ ኣብ ጒዕዞና ንዝጽንበሩና ገያሾ ምስናይ እዩ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዳርጋ ንምሉእ ዓለም ዝውክሉ ክትብሎም ዘኽእል ተርእዮ ዝተራእየሉ ካብ ኩሉ ዓለም ዝተረኽቡ ስደተኛታትስ ይኹኑ ነጋድያን ብዝተፈላለየ ባህላዊ ኣከዳድና ጸቢቆም ኣብቲ ዝተገብረ ሥርዓት እውን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ዝተፈላለዩ ጸሎታት ብምቅራብን ንዓለምለኸ ዕለተ ስደተናታትን ሓተቲ ዑቚባን ፍሉይ መልክዕ ኣልቢስዎ ወዓለ። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽን ፍጻሜን ተመርኲሶም ነቲ ኣብ ኦሪት እግዚአብሔር ኣምላከ እስራኤል ኣላዪን ሓላዪን ናይቶም ድኹማት ምዃኑ ብምግላጽ ስብከቶም ጀመሩ።

እቲ ንመበለትን ዘኽታምን ፍትሒ ዘውጽእ ንስደተኛ ዘፍቅርን ዝብላዕ ሂቡ ዘልብስን ኣምላከ እስራኤል ዝኾነ እግዚኣአብሔር እዩ። ነዚ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ኦሪት ዘጸኣት ከምኡ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ብተደጋጋሚ እንረኽቦም ቃላት እዮም። ቅዱስነቶም ነዚ ንመበል 105 ግዜ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለት ብምዝካር ከምዚ ኢሎም።

“ንመበል 105 ግዜ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ከም ተደጋጋሚ ዜማ ዝንገር መሪሕ ሓሳብ ‘ብዛዕባ ስደተኛታት ጥራይ ምዝራብ ኣይኣክልን’ ዝብል ኰይኑ እዚ ከኣ ኣተኲሮና ኣብ ጓኖት ጥራይ ክንዲ ምግባር ኣብ ኩለን ከተማታትና ኣብ ሻውሎት በገዛእ ሃገሮም ኩሉ ተሓሪምዎም ምስ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ብሓባር ኣደዳ ናይዚ ጥቅሚ ዘይብሉ ጐሓፍ ዝብል ባህሊ ዝኾኑ እውን ኣለው። እግዚኣአብሔር ኣብ ቅድሚ እዚኦም ሰባት እዚኦም ነታ ዝገደፈልና ፍቅሪ ብግብሪ ክነርእያ ይሓተና፣ ንሰብኣአውነት ዳግም ክንሃንጽ ንማንም ከየጓነና ንማንም ኣብ ደገ ከይገደፍና እንኮላይ ንገዛእ ርእስና ወሲኽና ሰብኣውነት ዳግም ንህነጽ።”

ኣብ ዘሎናዮ ዘመን ብዙሕ ዘይፍትሓውነት ኣሎ።

ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብ ናይ ምሕረት ሥራሕ ተዋፊሮም ነቲ ንብጻይካ ከም ርእስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ብግብሪ ክትርጉሙ ምስ ኣዘኻኸሩ ምስዚ ግብረ ሠናይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ዓለምና ሎሚ ከም ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ኢፍትሓዊ ተግባራትን ንሰብ ምንጻልን ብምምልካት ምናዳ ንቊሩባት ዘሀብትምን ጽቡቅ ናብራ ምጮት ከምዝነብሩ ዝገብርን ንብዙሓት ብዘይ ንብረትን ቤትን ዝገብር ኢፍትሓውነት ዘመንና እውን ክነስተትኖ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ።

“ዘሎና ዓለም ዕለት ዕለት ንቊሩባት መሪጹ ዘሀብትም ምስቶም ብዙሓት ዝተጐስዩ ከኣ ጭካኔ ዘርኢ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ብሓቂ ዘሰቅቅ ሓቂ ኰይኑ ብዙሕ ሌላን ጒሌላን ብዙሕ ጭካነን ክትርኢ ጸገም እዩ። ኣብ ጉዕዞ ምዕብልና ዝርከባ ሃገራት ንዘሎ ባህርያውን ሰባኡን ሃብተን ኣብ ኢድ ቊሩባት ብምግባት ይነብሩ። እተን ንገለ ወገናት ዓለምና ጥራይ ዝርምስ ዘሎ ውግእ ቀንዲ ምኽንያት እዞም ቊሩባት ሃብታማት ኣጸቢቆም ንክህብትሙ ናይ ዕንወት መጋበሪ ዝኾኑ ኣጽዋር እናሠርሑን እናነገዱን ንሃገራት ኣናዊጾም ሳዕቤን ናይዚ ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ጠንቂ ክረኣዩ ዘገርም እዩ። ኣብዚ ዝኸስቡ ኩሉ ግዜ እቶም ቊርባት ሃብታማት እዮም እንተ እቶም ድኻታትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ከኣ ኣደራዕ ናይ ኩሉ ይጾሩ። ከምቲ ድኻ ኣብ ማዕዶ መኣዲ ሃብታም ኣልኣዛር ኰይኑ ርፍራፍ ዝጽበ ዝነበረ ከኣ ርፍራፍ ካብዞም ቊርባት ሃብታማት ዘመና ከቋመቱ ኣብ ድኽነት ይነብሩ ኢሎም።”

እቶም ንድኻን ጽጉምን ጐስዮም ዝሓልፉ ወይልኦም!

ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ዝቀረበት ካብ ትንቢት ኣሞጽ 6.1 ኰይና ‘እቶም አብ ጽዮን ሀዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሚኖም ዚነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም።ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፣ ኣብ መንጽፎም፣ ድማ ዚጋደሙ፣ ካብ መጓሰ አባጊዕ ጥቦታውቲ፣ ካብ ደምበ አሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፣ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣ ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፣ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ፣ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮም። ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኺማረኹ እዮም፣ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ።’ ዝብል ይርከቦ። ቅዱስነቶም ብዕለት 8 ሓምለ 2013 ኣብ ላምፐዱሳ ስለእቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዚ ኢሎም ነሮም።

“ድሕሪ 2800 ዓመታት እዚ ትንቢት ኣሞጽ ሎሚ ከም ሎሚ ክድገም ክትርእዮ ዘገርም እዩ። ሎሚ እውን ናብራ ጣዕሚ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ክንደሊ ገዓርን ብኽያትን ናይ ካልኦት ክንዘንግዕ ኣይምልከተናን ኢልና ዳርጋ ዓለም ምሉእ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ኰይኑ ሸለል ክብል ምርኣይ ብሓቂ የሕዝን ኢሎም ነሮም።”

ከም ክርስትያን ነዚ ኩሉ እናረኣና ካብ ምንባዕን ገለ ምባልን ደው ክንብል ኣይንኽእልን።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ዝትርኽ ካብ ወንጌል ሉቃስ 16 ዝተወስደ ብምንባሩ ቅዱስነቶም እንተስ እቲ ናይ ኣሞጽ ነቢይ እንተስ እቲ ምሳሌ ሃብታም ሰብኣይን ድኻ ኣልኣዛርን ብኣካል ሎሚ ንነብሮ ኣሎና ከመይ ጣዕሚ ገዛእ ርእስና ውሒጡና ነቶም ኣብ ጸገም ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ረሲዕናዮም ንርከብ ኢሎም።

“ኰይኑ ግን ከም ክርስትያን ኣብ ቅድሚ እዚ ዝሓለፈን ዘሎን ድኽነት ሸለል ክንብል ኣይንክእልን! ብጸልማት ዝተጐብኡ ብሕትውናታትን ንዕቀትን ምፍልላይን ሱቊ ክንብል ኣይግባእን። ነዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ እናረኣኤና ከይነባዕና ክንሓልፍ ኣይንኽእል። ንጐይታ ልብና ከራሕርሐልና ናይ ርሕራሔ ንብዓት ንልቢ ዝልውጥ ንብዓት ስለሓጢኣትና ዝፈስስ ንብዓት ክህበና ንለምሎ።”

ምፍቃር ማለት ፍትሓዊ ዓለም ንክቀውም ግደኻ ምብርካት የድሊ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኦርትን ነቢያትን ንኩሉ ትእዛዛት እግዚአብሔርን ኣብ ክልተ ጥቅልል ኣቢሉ ኣብ ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ይገልጸን።

“ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ምፍቃር እንኪበሃል ቅንዕና ዘለዎ ኩነታት ንክትፈጥር ምጽዓር እውን የመልክት። ኩልና ኣብ ሃብቲ መሬት ማዕረ መሰል ኣሎና ከም ግለ ሰባትን ሥድራቤትን ሕልምታትና ክነግህድ መሰል ኣሎና ስለዚ ፍትሐኛ ኰንካ መሠረታውያን መሰላት ናይ ኩሎም ከምዝሕለው ምግባር ቀንዲ ጠባይ ፍትሓውነትን ፍትሓዊ ምዃንን እዩ። እዚ ከኣ ብሓቂ ንብጻይና ከም ነፍስና ከም እነፍቅር ዝግበር ጭቡጥ ምልክት ፍቅሪ እዩ።”

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሥቃይ ሓውኻን ሓፍትኻን ክሰምዓካን ርሕራሔ እንከትርኢ እውን መግለጺ ፍቅሪ ብጻይ እዩ።

ንነብርቲ ሻውላት ናብ ማርያም ነማዕቊቦም!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ንጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር እንክዕድሙ ኣደ ከም እትደልየና ምናዳ ነቶም ኣላዪ ዘይብሎም ኣብ ሻውላት ዓበይቲ ከተማታትና ዝነብሩ ሓልዮት ኣደ ክትገብረሎም ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣማዕቊቦም።

“ሎሚ ከም ሎሚ ኣደ ተድልየና ኣላ ንኩሎም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ምናዳ ኸኣ ኣብ መገሻን ጒዕዞን ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሻውላት ዘለው ጽጉማትናን ንሓለዋን ረድኤትን ድንግል ማርያም ነማዕቊቦም ኢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንስደተኛታት ከዘኻኽር ዝተነብረ ቅርጻ ባሪኾም ቀሊዖም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
29 September 2019, 17:35