13 ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ተልእኮ ንዘላ ቤተክርስትያን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 1 መስከረም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ኣዕረጉ ንዝመጽእ ዕለት 5 ጥቅምቲ ኣብ ድሮ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንኣማዞን ኣብ ዝግበር ብኮንቺስቶርዮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ዝስየሙ 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ስም ዝርዝር ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብዙሓት ብዘይተጸብይዎ መንገዲ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለት 1 መስከረም ውዕሎኦም በቲ ብሃንደበት ዝተኸስት ናይ 25 ደቃይቅ ምሕያር ኣብ ኤለቨይትር እትብሃል ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ እትደይብን እተውርድን መልዓልት ጀሚሩ ኣብ ፍጻሜ እውን ጸዋዕታ ናይታ ኣብ ተልእኮ ትርከብ ቤተክርስትያን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ጸዋዕታ ቤተክርስትያን ነቲ መሓሪ ዝኾነ ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ኩሎም ደቀሰብ ናይ ዓለምና ምብሳር ንምቅጻል ምዃኑ እገልጽ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ዝመጽእ ዕለት 5 ጥቅምቲ ጉባኤ ናይቲ ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕጽው ኣኼባ ካርዲናላት ጸዊዖም ከምዘለውን ኣብቲ ዕለት እቲ ከኣ 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሾሙ ምዃኖም ገሊጾም።

13 ሓደስቲ ካርዲናላት

1.      ካብ ዝሓለፈ 25 ግንቦት ጀሚሮም ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ብፁዕ ኣቡነ ሚግወል ኣንጀል ኣዩሶ ጕዊኾት ኣብ ሰቪያ እስፓኛ ዕለት 17 ሰነ 1952 ዝተወልዱ

2.     ካብ ሰነ 2018 ጀሚሮም ናይ ቅድስት ሮማዊት ቤተክርስትያን መዝገበ መጻሕፍትን ኣርካይቭስን ዝናብዩ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ቶለንቲኖ ካላሳ ደ መንዶንሳ ኣብ መደኢራ ፖርቱጋል ዕለት 17 ታሕሳስ 1965 ዝተወልዱ

3.     ናይ ጃካርታ ሊቀ ጳጳስን ኣቦ መንበር ረኪበ ጳጳሳት ኢንዶነሽያን ብፁዕ ኣቡነ ኢግናጽዩስ ሱሃርዮ ሃርድጆኣትሞድጆ ካብ ጃቫ ኮይኖም ናይ ሰማርናግ ካህን ብዕለት 9 ሓምለ 1950 ኣብ ሰዳይን ዝተወልዱ

4.      ናይ ክሪስቶባል ዘሃባና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዅኣን ደላ ካሪዳድ ጋርስያ ሮድሪገዝ ኣብ ካማጉወይ ብዕለ 11 ሓምለ 1948 ዝተወልዱ።

5.     ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሻ ብፁዕ ኣቡነ ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣብ ቦቶ ኮንጎ ብ24 ጥሪ 1960 ዝተወልዱ

6.     ሊቀ ጳጳሳት ሉክሰንበርግ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክሎድ ሆለሪች ብዕለት 9 ነሐሰ 1958 ኣብ ዲፈርዳንግ ጀርመን ዝተወልዱ

7.     ጳጳስ ሄሄተናምጎ ብፁዕ ኣቡነ ኣልቫሮ ራማዚኒ ኢመሪ ኣብ ከተማ ጓተማላ ብዕለት 16 ሓምለ 1947 ዝተወልዱ

8.     ሊቀ ጳጳሳት ቦሎኛ ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ ኣብ ሮማ ዕለት 11 ጥቅምቲ 1955 ዝተወልዱ

9.     ሊቀ ጳጳሳት ራባት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ ኣብ እስጳኛ 19 ግንቦት 1952 ዝተወልዱ

10.    ኣብ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ናይ ክፍሊ ስደተኛታት ምክትል ጸሓፊ ኢይሱሳዊ ካህን ጥቀ ክቡር ኣባ ሚካኤል ችዘርኒ ብ1964 ኣብ ናይ ሽዑ ቸኮስሎቫክያ ዝተወልዱ

11.     ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ነፕት ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ልዊ ፊትስገራል ኣብ ዋልሳል ብዕለት 17 ነሓሰ 1937 ዝተወልዱ

12.    ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ካውናስ ብፁዕ ኣቡነ ሲጂታስ ታምከቪሽዩስ ኣብ ጉድንይስ ኣብ ሊትዋንያ ብ18 ሚያዝያ 1962 ዝተወልዱ

13.    ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ በንጕወላ ብፁዕ ኣቡነ ኤውጀንዮ ዳል ኮርሶ ብ16 ግንቦት ኣብ ቨሮና  1939 ዝተወልዱ ልኡኽ ወንጌል ኢጣልያዊ እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 September 2019, 13:37